'ዘተ ሰላም እስራኤል-ፍልስጤም' ካይሮ ይዕወት ዶ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግብጺ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ቓዛ እናዓሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ንምህዳእ ይሕግዝ’ዩ ዝተበሃለሉን ልዕሊ 20 መራሕቲ ዓለም ዝሳተፉሉን ዋዕላ ሎሚ ክተእንግድ’ያ።
ሮይተርስ ዘዳለዎ ዝርዝር ተሳተፍቲ፡ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ፡ ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ጀምስ ክለቨርሊ፡ ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ዞባ ዓረብን ካልኦትን ይርከብዎም።
በዚ ዝርዝር መሰረት ወከልቲ እስራኤል፡ ሓማስ፡ ኣሜሪካን ኢራንን ከምዘይሳተፉ ተፈሊጡ’ሎ። ማሕሙድ ዓባስ ፕረዚደንት ናይቲ ንምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ብኸፊል ዝቈጻጸርን ን ሓማስ ዝቀናቐን ምምሕዳር ፍልስጤም እዩ።
ግብጻውያን፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ዋዕላ ተዅሲ ምቍራጽ ምዃኑ ይገልጹ። ከም እስራኤልን ኢራንን ዝኣመሰላ ወሰንቲ ተዋሳእቲ ስለዘይህልዋ ግን ዕላማ እቲ ዋዕላ ናይ ምዕዋት ተኽእሎኡ ትሑት ከምዝዀነ ይግለጽ ኣሎ።
ግብጺ እታ እንኮ እስራኤል ዘይትቆጻጸሮ ምስ ቓዛ ዶብ ዘለዋ ሃገር እያ። መራሕቲ ዓለም፡ ግብጺ መሳገሪ ራሕ ክትከፍቶ፡ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ሓገዝ ናብ ቓዛ ክኣቱ ክጽውዑ ጸኒሖም ኣለዉ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







