ሩስያ፡ ድሕሪ ቀጥታዊ ርክበን ኣብ ስቪላውያን መጥቃዕቲ ምክያዳ ንሰበስልጣን ዩክረይን ኣቘጢዑ

ምንጪ ስእሊ, Sumy regional military administration
ሩስያ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ስቪላዊት ኣውቶቡስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ 9 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም።
ወተሃደራዊ ምምሕዳር ዞባ ሱሚ፡ ሎሚ ንግሆ ኣብ ከተማ ቢሎፒልያ፡ እታ ኣውቶቡስ ናብታ ናብ ዶብ ሩስያ እትቐርብ ርእሰ-ከተማ ዞባ ሱሚ ኣብ እትጓዓዘሉ ዝነበረት እዋን፡ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝቘሰሉ ሓቢሩ።
እዚ ዝተገልጸ መጥቃዕቲ ሩስያን ዩክረይንን ድሕሪ 2022 ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ዝርርብ ሰላም ድሕሪ ምክያደን ሒደት ሰዓታት ኣብ ዘሎ ግዜ'ዩ።
ሩስያን ዩክረይንን ዋላ'ኳ ምሩኻት ኲናት ክለዋወጣ እንተ ተሰማምዓ፡ ኣብ ቀንዲ ርእሰ ጉዳያት ግን ዛጊት ዝተመዝገበ ዓቢይ ለውጢ የሎን።
ሃገራዊ ፖሊስ ዩክረይን ነቲ መጥቃዕቲ፡ "ገበን ኲናት" ክብል ገሊጹዎ። ሩስያ ብዛዕባ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቀጥታዊ ርእይቶ'ኳ እንተ ዘይሃበት ኣብ ሱሚ፡ "ወተሃደራዊ ፍጻመታት ዝካየደሉ ቦታ፡" ከም ዘጥቀዐት ግን ገሊጻ'ያ።
ፖሊስ ዩክረይን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሰራዊት ሩስያ ንዅሉ ኣህጉራዊ ሕግን ሰብኣውነትን ዕሽሽ ብምባል ዳግማይ ሰለማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ፈጺሙ፡" ኢሉ።
ሓላፊ ዞባ ሱሚ ኦሌህ ህሪሆሮቭ፡ እታ ኣውቶቡስ ሎሚ ቀዳም ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 06፡17፡ ብናይ ሩስያ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዝተሃርመት ገሊጹ።
ነቲ መጥቃዕቲ "ኢ-ሰብኣዊ" ክብል ድማ ገሊጹዎ።
እቲ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ቱርኪ ከተማ እስታንቡል ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ዩክረይንን ሩስያን ነቲ ኲናት ብኸመይ ከብቅዕ ከም ዘለዎ ኣብ ዝብል ርእሰ-ጉዳይ ብዙሕ ለውጢ ኣይተርኣየን ዘሎ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ነፍሲ-ወከፈን 1,000 ምሩኻት ኲናት ክለዋወጣ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ'ሎ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ከም ዝጀመረ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







