ድሕሪ 3 ዓመት ገጽ ንገጽ ዝተራኸባ ዩክረይንን ሩስያን ምሩኻት ኵናት ክለዋወጣ ተሰማሚዐን

ምንጪ ስእሊ, TURKISH FOREIGN MINISTER OFFICE HANDOUT/EPA-EFE
ድሕሪ 1945 ኣብ ኤውሮጳ እቲ ዝኸፍአ ኲናት ዘካይዳ ዘለዋ ሃገራት ሩስያን ዩክረይንን ትማሊ ዓርቢ ከቀራርበን ዝኽእል ንኡስ ስጕምቲ ወሲደን ኣለዋ።
ልኡኻት ዩክረይንን ሩስያን ድሕሪ መጋቢት 2022 ንፈለማ እዋን ፊት ንፊት ተራኺቦም። እቲ ኣኼባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቦስፎረስ ኣብ እስታንቡል ኣብ ዘመነ ኦቶማን ዝነበረ ቤተመንግስቲ እዩ ነይሩ።
ካብ ቱርኪን ኣመሪካን ዝመጽአ ጸቕጥን ምትብባዕን ነተን ተተፋኒነን ዝርከባ ጐረባብቲ ሃገራት ናብዚ ደረጃ ክበጽሓ ከም ዝሓገዘ ይንገር።
ኣብ መንጎ እቶም ልኡኻት ተደራደርቲ ናይ ኢድ ሰላምታ ዘይነበረ ኰይኑ፡ ፍርቂ ካብቶም ልኡኽ ዩክረይን ድማ ሃገሮም ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ከም ዘላ ንምዝኽኻር ዝዓለመ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኖም'ዮም መጺኦም።
እቲ ክፍሊ ብባንዴራታት ዩክረይ፡ ቱርኪን ሩስያን ከምኡ'ውን ብዕንባባታት ወቂቡ ነበረ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ሃካን ፊዳን ነቶም ልኡኻት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ልኡኻት ዩክረይንን ሩስያን ቃራና መንገዲ ይጽበዮም ከም ዘሎ ጠቒሱ። እቲ ሓደ ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ናብ ዝያዳ ሞትን ዕንወትን ዝወስድ መንገዲ ከም ዝዀነ ተዛሪቡ።
እቲ ዝርርብ ክልተ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ዝተዛዘመ ኰይኑ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ርሱን ምውጣጥ ተፈጢሩ። ሩስያ፡ "ሓድሽን ዘይቅቡልን ጠለባት፡" ከም ዘቕረበት ሓደ ብዓል ስልጣን ዩክረይን ገሊጹ።
እቲ ዘዋጠጦም ጉዳይ ዩክረይን ካብ ሰፊሕ ክፋል ናይ ገዛእ ርእሳ ግዝኣት ሰራዊታ ክትስሕብ ዘጠቓልል ምዃኑን እዚ ድማ ተዅሲ ደው ንምባል ከም ቅድመ-ኵነት'ዩ ቀሪብሎም።
ኣብቲ ወሳኒ ናይ ዕርቀ-ሰላም ጉዳይ ከምቲ ትጽቢት ዝተገበረሉ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ሓደ ዝጭበጥ ውጽኢት ከም ዘሎ ዝገልጽ ዜና ግን ኣሎ።
ዩክረይንን ሩስያን ነፍሰ-ወከፈን 1,000 ምሩኻት ኲናት ነናብ ዓዶም ክመልሳ ተሰማሚዐን ኣለዋ።
ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ሰርሂይ ኪስሊትስያ፡ "እዚ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኣዝዩ ከቢድ መዓልቲ፡ እቲ ዝያዳ ጽቡቕ ዜና'ዩ ነይሩ። ን1,000 ስድራቤታት ዩክረይን ድማ ብስራት ክኸውን ዝኽእል'ዩ፡" ኢሉ።
እቲ ናይ እሱራት ምልውዋጥ ኣብ ቀረባ እዋን ክካየድ ምዃኑ ንልኡኽ ሃገሩ ዝመርሐ ምኒስተር ምክልኻል ዩክረይን ሩስተም ኡሜሮቭ ገሊጹ። ንሱ ኣስዒቡ፡ "እቲ ዕለት ንፈልጦ ኢና፣ እንተዀነ ወግዓዊ ኣይክንገብሮን ኢና፡" ኢሉ።
እቲ ዝቕጽል ስጕምቲ ኣብ መንጎ ዘለንስኪን ፑቲንን ዝካየድ ርክብ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።
ሓላፊ ልኡኽ ሩስያ ቭላድሚር መዲንስኪ፡ ልኡኽ ሩስያ በቲ ዝርርብ ዕጉብ ከም ዝዀነን ርክባት ንምቕጻል ድሉው ምዃኑን ገሊጹ።
እዚ ካብቲ ትማሊ ሓሙስ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ንፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ "ቀልደኛን ተሳዓርን፡" ኢሉ ኣባጭይሉ ዝነበረ መደረ ዝሓሸ መንፈስ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ዘመላኽት'ዩ።
እንተዀነ ስግኣት'ውን ኣሎ፣ ምኽንያቱ፡ ኣብ መንጎ ዩክረይንን ገለ መሻርኽታን ሩስያ ነቲ ዘተ ትደፍኣሉ ዘላ ግዜ ንምዕዳግ ከምኡ'ውን ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ከጋጥማ ካብ ዝኽእል እገዳታት ንምህዳም እምበር ብልቢ ትደልዮ'ያ ዝብል እምነት የብለንን።
ከምኡ'ውን ክልቲኦም ወገናት ሕጂ ኣብ መኣዲ ዘተ ኮፍ ኢሎም ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ እቲ እንኮ ዝቝጸር ልዝብ ኣብ መንጎኡን ፕረዚደንት ፑቲንን ዝካየድ ምዃኑ ገሊጹ።
ንሱ ብቕድሚ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኤር ፎርስ ዋን ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣነን ፑቲንን ክሳዕ እንራኸብ ዝዀነ ነገር ኣይክፍጠርን'ዩ፡" ኢሉ።
እቲ ኣኼባ መዓስ ከም ዝኸውን ንጹር ኣይኰነን። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩስያ ድሚትሪ ፔስኮቭ፡ ላዕለዋይ ደረጃ ዝርርብ ከም ዘድሊ ብምጥቃስ፡ ዋዕላ ንምድላው ግን ግዜ ክወስድ ምዃኑ ኣስሚሩሉ'ሎ።
ልዝብ ኣብ ዝካየደሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ክዕደም ዘለዎ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







