መቐለ፣ ህሉው ኵነታት ከመይ ኣሎ፡ ነበርቲኸ እንታይ ይብሉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መቐለ ኣብዚ ቅንያት`ዚ ብዙሕ ክስተታትን ስግኣታትን ዝርኣየላ ዘሎ ከተማ ኰይና ኣላ። ህዝቢ፡ እዚ ዘንጠጢ ዘሎ ስግኣት፡ "እንታይ ኰን ክወልድ እዩ?" ብምባል ኣብ ቀራና መንገዲ ይርከብ።
እዚ ብዝሓለፈ ተደራራቢ ኲናት በሰላኡ ዘየሕወየ ህዝቢ፡ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ሰላም ረኺበ ኢሉ ሩፍ ከይበለ፡ በዚ ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝተፈጠረ `ዘይምስናይ` ኣብ ሻቕሎት ወዲቑ ኣሎ።
ከም ሳዕቤኑ ድማ ዋጋ ዕዳጋታት ክንህር፡ ካብታ ክልል ንምውጻእ መገሻታት ክጽዕቕ፡ ንዋይካን ገንዘብካን ንምውጋን ዓወጽወጽ ምባል ወዘተ ክስትውዓሉ ከም ዝጀመሩ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ነቲ ኣብ መንጎ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳርን ብደብረጽየን ገብረሚካኤል ዝምራሓ ጕጅለ ህወሓትን ዝነበረ ምትፍናን፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ብ23 ጥሪ "ነቲ መበል 14 ጉባኤ ዘካየደን ንውዕል ፕሪቶርያ ዝፈረመን ህወሓት ዝወሰኖ ውሳነታት" ከም ዘኽብሩ ምስ ገለጹ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ዓሪጉ።
ንመግለጺ እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ስዒቡ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ እቲ ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ዝወጽአ ብዓል 13 ነጥብታት መግለጺ "ዕልዋ መንግስቲ ዝኣወጀ" እዩ ብምባል ኰኒንዎ።
ብ29 ጥሪ'ውን ዕጡቓት ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ ንዝርከብ ራድዮ ኤፍኤም መቐለ 104.4 ንምቍጽጻር ከም ዝፈተኑ ተገሊጹ።
ብረቡዕ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ሓሙሽተ ዕጡቓትን ሓደ ሓላፊ ጸጥታን "ነቲ ትካል ከመሓድር ዝግበኣኒ ኣነ እየ፡" ምስ ዝብል ውልቀሰብ ናብቲ መደበር ራድዮ ብምምጻእ፡ ነቲ ትካል ክቈጸጸሩ ከም ዝፈተኑ ቢቢሲ ካብ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ኣረጋጊጹ።
እዚ ኵሉ`ዚ ተደማሚሩ፡ ነባሪ መቐለን ካልኦት ከተማታት ትግራይን ዝሓደሮ ስግኣት ዛይዱ ከም ዘሎ ይግለጽ።
ሰብ ካብ ባንክ ገንዘቡ ከውጽእ ብብዝሒ ተሰሪዑ፡ መንእሰያት ናብ ኣዲስ ኣበባ ብብዝሒ ክኸዱን ኣብ ሃለኽቲ ናህሪ ዋጋታት ከም ዝተራአየ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲ ከተማ መቐለ ገሊጾም።
ሓንቲ ነባሪት መቐለ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "እዚ ህዝቢ ናይ ዝሓለፈ ነገር ስለ ዘለዎ ተመሊስና ናብኡ ከይንኣቱ ፍርሒ ኣሎ፣ እዚ ናይ ሕጂ ዝኸፍአ ኣብ ንሓድሕድና ከይከውን ንፈርሕ፡" ብምባል ስግኣታ ትገልጽ።
እዛ ነባሪት ኣስዒባ፡ "ኣብ ከባቢ ቀዳማይ ወያነ'የ ዝነብር። ዝዀነ ዝተፈለየ ነገር ኣይረኣኹን፣ ናህሪ ዋጋታት ግን ኣሎ፤ ዘይቲ፡ መኮሮኒ፡ ካልእ ሃለኽቲ ነገራትን ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣነጻጺርካ ናይ ሓምሳ ናይ ስሳ ቅርሺ ክብሪ ኣርእዩ ኣሎ፡" ብምባል ሰብ በተን ዘለዋኦ ክሽምት ይፍትን ከም ዘሎ ኣብሪሃ።
እቲ 'ዝሓለፈ እዋን' ዝበሃል፡ እቲ ኣብ እዋን ኲናት እቲ ህዝቢ ንዝተመኰሮ ሕሱም እዋን ዕጽዋ ንምምልካት እዩ።
እቲ ዝበዝሐ እኹል ሰልዲ ስለ ዘይብሉ፡ ነቲ ዝሓለፈ 'ክባን ዕጽዋን' እናዘከረ ናብኡ ከይምለስ ሰጊኡ ከም ዘሎ እዛ ነባሪት ትሕብር፣ "ሰብ ዓዲጉ ከየቐምጥ'ውን ሰልዲ የብሉን። ኣብ ዝተወሰነ ሰብ'ዩ እቲ ሰልዲ ዘሎ። እቲ መብዘሕትኡ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ'ዩ ዝነብር፡" ትብል።
ሰብ ኣብ ባንክታት ዘለዎ ሰልዲ ከውጽእ ኣብ ዝፈተነሉ ከም ወጋገን ዝኣመሰላ ባንክታት ሓደ ሰብ ልዕሊ 10 ሽሕ ከየውጽእ ከልኪለን ከም ዘለዋ'ውን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ቅድሚ ሕጂ ግን ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ግዜ ክሳብ 50 ሽሕ ብር ከውጽእ ይፍቀደሉ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ መጠን ገንዘብ ይድረት ምህላዉ ከኣ፡ ሕጽረት ገንዘብ የጋጥም ከይህሉ'ሞ ገንዘቦም ኣብ ዝደለይዎ ግዜ ከይስእንዎ ነበርቲ ስክፍታኦም ይገልጹ ኣለዉ።
ብዘይካ እዚ ኣብ ነዳዲን መጓዓዝያን'ውን ርኡይ ወሰኽን ሕጽረታትን ከም ዘሎ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ መቐለ ይገልጹ።
"በንዚን 300 ብር ንሊትሮ ኣትዩ ተባሂሉ፣ ቅድሚኡ 200 ንሊትሮ'ዩ ነይሩ። ከም ኣብነት ንባጃጅ 30 ብር ንኸፍል ዝነበርና ሕጂ 50 ብር ኰይኑ ኣሎ፡" ብምባል ቅድሚ እቶም መራሕቲ ሰራዊት መግለጺ ምሃቦም ዝነበረን ናይ ሕጂን ብምንጽጻር ትገልጽ።
"እቲ ገንዘብ ዘለዎ፡ ኣብ ትግራይ ክዕጾ የብለይን፣ ካብታ ክልል ክወጽእ'የ እዩ ዝብል። ብዙሓት መንእሰያት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክንከይድ ኢና ይብሉ ኣለዉ። ኣሕዋተይ'ውን ከምኡ ይብሉኒ ኣለዉ፡" ብምባል፡ ዘዘራረብናያ ነባሪት ነቲ ህሉዊ ኵነታት ትገልጽ።
ካልእ ኣብ መቐለ ዝነብር መንእሰይ'ውን ብዙሕ ሰብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይኸይድ ከም ዘሎን ነፈርቲ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ መሊአን ይኸዳ ከም ዘለዋን ትዕዝብቱ ገሊጹ።
ነቲ ኣብ ታክስታት ዘሎ ወሰኽ ዋጋ'ውን ናይ ቅድምን ናይ ሕጅን ከነጻጽር እንከሎ፡ "ኣብዛ ከተማ ነዳዲ ስለ ዘየሎ ብታክሲ ብ15 ብር ዝኽየድ ዝነበረ፡ ሕጂ 30 ብር ኢና ንኸፍለሉ ዘለና፡" ኢሉ።
ብዙሕ ሰብ ናይ ዝሓለፈ ተመኵሮ ስለ ዘሰከሖ፡ ካብ ዕዳጋ ብዝክኣሎ ዝኽእሎ ነገር ይሽምት ከም ዘሎ ከኣ ይጥቅስ።
እዚ መንእሰይ ክሳዕ ሕጂ እቲ ቀረብ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ዕዳጋ ወሰኽ ክመጽእ ይግባእ ከም ዘይነበረ'ዩ ዝጠቅስ።
ነጋዶ ነዚ ከም ረብሓ ይጥቀምሉ ከም ዘለዉ'ውን ብምጥቃስ፡ "ጣፍ ካብ 200 ክሳብ 400 ወሲኹ ኣሎ። እንተዀነ፡ እቲ ቀረብ ስለ ዘሎ'ዩ ብዙሕ ናህሪ ዋጋ ዘይወሰኸ'ምበር ቀረብ እንተ ውሒዱ ዋጋ ብናህሪ ክውስኽ ምዃኑ ርዱእ'ዩ። ሸቓጦ ግን ነዚ ዘሎ ኵነታት ከም ረብሓ ብምርኣይ ዝምዝምዝዎ ዘለዉ ኰይኑ'ዩ ዝስምዓኒ፡" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







