ትግራይ፡ ኣብ ራድዮ ኤፍኤም መቐለ 104.4 ብዕጡቓት ዘጋጠመ እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, FM MEKELLE/FB
ዕጡቓት ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ ዝርከብ ራድዮ ኤፍኤም መቐለ 104.4 ንምቁፅፃር ከም ዝፈተኑ ተገሊፁ።
ብረቡዕ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ሓሙሽተ ዕጡቓትን ሓደ ሓላፊ ፀጥታን "ነቲ ትካል ከመሓድር ዝግበኣኒ ኣነ እየ" ምስ ዝብል ውልቀሰብ ናብቲ መደበር ራድዮ ብምምፃእ፡ ነቲ ትካል ክቈፃፀሩ ከም ዝፈተኑ ቢቢሲ ካብ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ኣረጋጊፁ።
ኣስማቶም ዘይንጠቕሶ ገለ ሰራሕተኛታት፡ እቶም ዕጡቓት ምስ ኣይተ ዘመንፈስ ቅዱስ ፍስሃ ዝተብሃለ ውልቀሰብ ኰይኖም ማሕተም እቲ ትካል ካብ ፀሓፊት ብሓይሊ ከም ዝመንጠሉ ገሊፆም።
ብዛዕባ እዚ ክስተት ዘዛረብናዮ ሰራሕተኛ እቲ ትካል፡ "ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ናይ ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ደጋፊ እየ ዝብል ሰብ፡ ደብዳበ ከይሓዘ፡ ስልጣንን ሚድያን ክቆፃፀር ዓፈና ገይሩ። ተሌቬዥን ትግራይን ድምፂ ወያነ ትግራይን ካብ ኢዶም ስለ ዝወፅአ፡ ንኤፍ ኤም መቐለ ብሓይሊ ብረት ጨውዮም መጥቀሚ ክገብርዎ እዮም ደልዮም" ኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ዕጡቓትን ኣይተ ዘመንፈስ ቅዱስን፡ ምስ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ኣኼባ ንምክያድ ዝሕብር ምልክታ ኣብቲ ትካል ከም ዝለጠፉ ድማ እቶም ምንጭታት ተዛሪቦም።
"ኣይተ ዘመንፈስ ቅዱስ 'ብዶክተር ረዳኢ ዝተሸምኩ ኣካያዲ ስራሕ ኣነ እየ' ብምባል ንኣካያዲ ስራሕ ሓለፎም 'ስልጣን ኣረክብ' ኢልዎ። ሓለፎም ድማ 'እቲ ሹመት ዝሃበካ ዶክተር ረዳኢ ብግዝያዊ ምምሕዳር ዘይሕጋዊ ዝተብሃለ'ዩ። ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ደብዳበ ኣምፅእ እሞ ስልጣን ከረክበካ' ኢልዎ። ካብኡ ካብ ፀሓፊት ብሓይሊ ማሕተም ብምምንጣል፡ ንሰራሕተኛታት ኣኼባ ዝፅውዕ ምልክታ ለጢፉ።"
ነዚ ስዒቡ እቲ ኣብዚ እዋን ነቲ ትካል ዝመርሕ ዘሎ ጋዜጠኛ ሓለፎም ንርአ፡ 'ኣነ ናሃለኹ ንምንታይ ማሕተም መንጢልኻ ምልክታ ትጥቅዕ?' ብምባል፡ ነቲ ዝተለጠፈ ምልክታ ከም ዝኣለዮን እቲ ወጥሪ ከም ዝተጋደደን ሓቢሮም።
እቲ ወጥሪ ካብ ሰዓት 3፡30- 6፡00 (ከባብያዊ ኣቈፃፅራ) ከም ዝቐፀለን፡ ፖሊስ ክፍለከተማ ቀዳማይ ወያነ ናብቲ መደበር ራድዮ ብምኻድ ነቲ ትካል ይመርሕ ንዘሎ ጋዜጠኛ ሓለፎም ንርአ፣ ኣይተ ዘመንፈስ ቅዱስ ፍስሃን ነቶም ዕጡቓትን ሒዙ ከም ዝኸደ ገሊፆም።
ኣብ መንጐ መራሕቲ ውድብ ህወሓት ንስልጣን ብዝግበር ቍርቁስ ብዝተፈጠረ ምግምማዕ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ብቤት-ምኽሪ "ከንቲባ ኰይነ ተሸይመ እየ" ንዝብል ዶክተር ረዳኢ ብምእጋድ፡ ኣብ ክንድኡ ንኣይተ ብርሃነ ገብረእየሱስ ከም ዝሸሞ ይፍለጥ። ቤት-ምኽሪ እታ ከተማ ግን ነዚ ውሳነ ነፂግዎ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ምስሕሓብ፡ ኣብዚ እዋን ከተማ መቐለ ብዘይ ከንቲባን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ሓዲግ ካብ ትተርፍ ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ከም ዝተቖፀረ ነበርቲ ይገልፁ።
ቢቢሲ ንኣካያዲ ስራሕ ራድዮ ኤፍ ኤም መቐለ 104.4 ጋዜጠኛ ሓለፎም ንርአ፣ 'ኣካያዲ ስራሕ ክኸውን ዝተሾምኩ ኣነ እየ' ንዝብል ኣይተ ዘመንፈስ ቅዱስን ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ ኮማንደር ኣንድነት ነገሰ፡ ሎሚመዓልቲ ኣብቲ መደበር ራድዮ ዘጋጠመ ክስተት ብምርግጋፅ፡ ፖሊስ ናብቲ ቦታ ከም ዝኸዱ ሓቢሩ፤ ብዛዕባ እቲ ክስተት ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
እቲ ብመሰረት ደምቢ በዓል ስልጣን ብሮድካስት ኢትዮጵያ ብፍቓድ ክልላዊ ተሌቪዥን ትግራይ ዝንቀሳቐስ ራድዮ ኤፍ ኤም መቐለ፡ ካብ ዝምስረት 16 ዓመታት ኣቝፂሩ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







