ቻይና፡ ብኸመይ እያ ብሕጓ ንኣሜሪካ ትኣትዋ ዘላ?

ቻይናዊ ትካል ማን ዋህ ኣብ ሜክሲኮ
መግለጺ ስእሊ, ቻይና፡ ኣብ ሜክሲኮ ብመገዲ ቻይናዊ ትካል ማን ዋህ እተካይዶ ዘላ ፍርያትንቀረጽ ኣሜሪካክትሓልፍ የኽእላ

ሓያለ ኣብ ሜክሲኮ ፈርዮም ናብ ኣሜሪካ ዝለኣኹ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ኣቝሑ ብቐንዱ ናይ ቻይና ምዃኖም እዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ማን ዋህ ኢንዱስትሪያዊ ፓርክ ሜክሲኮ ዝርከብ ፋብሪካ ሞንትረይ ዝስርሑ ሶፋታ ቆርበት፡ 100 ሚእታዊት ስርሓት ሜክሲኮ "Made in Mexico" ዝብል ኣለዎም።

ኣብ ኣሜሪካ ንዝርከቡ ከም ኮስትኮን ዋልማርትን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ድኳናት መዕለቢኦም ዝገበሩ ድማ እዮም። እቲ ኩባንያ ግን ብቐንዱ ካብ ቻይና ኰይኑ፡ ብቻይናዊ ርእሰማል ኣብ ሜክሲኮ ዝተሃንጸ ፋብሪካ እዩ።

እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጐ ኣሜሪካ፡ ቻይናን ሜክሲኮን ዘሎ ስሉሳዊ ዝምድና ዘንጸባርቕ፡ 'ኒርሾሪን [Nearshoring] ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ዛዕባ ንግዲን ምህርቲን ቻይና ኣብ ሜክሲኮ ዝዝረብ ኣርእስቲ ዘመላኽት እዩ።

ማን ዋህ ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናብ ኢንዱስትርያዊ ፓርክታት ሰሜን ሜክሲኮ ዝጋዓዙ ቻይናውያን ኩባንያታት ኰይኑ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ምህርቲ ናብ ዕዳጋታት ኣሜሪካ ምቕራብ እዩ።

እዚ ኣብ መጓዓዝያ መራኽብ ንዝግበር ወጻኢታት ካብ ምቝጣብ ሓሊፉ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ፍርያት ምሉእ ብምሉእ ከም ሜክሲካዊ ንብረት ስለ ዝቝጸር፣ እዚ ድማ ቻይናውያን ትካላት ካብቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት [ኣሜሪካን ቻይናን] ዝቕጽል ዘሎ ንግዳዊ ቅሩቍስን ኣብ ልዕሊ ንብረት ቻይና ዝትግበር ቀረጽን እገዳን ኣሜሪካ ንምምላጥ ዘኽእል ሜላ ቻይና ምዃኑ እዩ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኩባንያ ዩ ኬን ዌይ ናብ ሜክሲኮ ምግዓዝ ቍጠባውን ሎጂስቲካውን ትርጕም ከም ዘለዎ ይዛረብ።

እዚ ትካል ኣብ 2022 ናብ ከተማ ሞንተረይ ዝኣተወ ኰይኑ፡ ኣብ ሜክሲኮ ድሮ 450 ሰባት ቈጺሩ የስርሕ ኣሎ። ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ድማ ኣብቲ ፋብሪካ ሓያሎ ሓደስቲ መስመር ፍርያቶም ከስፍሑን፡ ልዕሊ 1200 ሰራሕተኛታት ክቘጽሩን መደብ ከምዘለዎም ድማ ወሲኹ ይገልጽ።

ንሱ፡ "ኣብዚ ሜክሲኮ ዘለዉ ሰባት ኣዝዮም ጻዕራማትን ሓድሽ ነገር ንኽመሃሩ ድማ ቅልጡፋትን እዮም" ይብል። "ንፉዓት ኦፕሬተራት ኣለዉና፡ ኣፍራይነቶም ድማ ልዑል'ዩ። ስለዚ፡ ብወገን ኣፍራይነት እውን ክርአ እንከሎ፡ መክሲኮ ብስትራተጂያዊ መዳይ እውን ኣዝያ ኣገዳሲት እያ ዝብል ግምት ኣለኒ።"

ብርግጽ፡ እዚ ንግዳዊ ሰንሰለት እዚ፡ ንቍጠባ ሜክሲኮ ኣገዳሲ ተራ ከምዘለዎ እዩ ዝቝጸር፤ ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ሰነ፡ ጠቕላላ ሰደድ መክሲኮ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ5.8 ሚእታዊት ብምውሳኽ- ናብ 52.9 ቢልዮን ዶላር በጺሑ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ፡ ኣብ ሜክሲኮ ዳርጋ ፍርቂ ናይቲ ኣብ 2020 ዝነበረ ዓመታዊ ጠቕላላ ርእሰ-ማላዊ ወፍሪ ከም ዝተመዝገበ ይግለጽ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኩባንያ ዩ ኬን ዌይ
መግለጺ ስእሊ, እቲ ቻይናዊ ትካል ፍርያቱ ብሰለስተ ዕጽፊ ከዕቢ መደብ ከምዘለዎ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኩባንያ ዩ ኬን ዌይ ይገልጽ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፋብሪካ ሶፋ ማን ዋህ፡ ሆፉሳን ኣብ ዝተባህለ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ቻይና-ሜክሲኮ እዩ ዝርከብ። ኣብዚ እዋን ዝርአ ጠለብ ከፋት ቦታ ሰማይ ዓሪጉ እዩ፤ ኵሉ ቦታ ዳርጋ ተሸይጡ ኣሎ።

ማሕበር ኢንዱስትርያዊ ፓርክታት ሜክሲኮ ከም ዝገልጾ፡ ኣብታ ሃገር ክሳብ 2027 ክህነጽ ትጽቢት ዝግበረሉ ቦታታት ድሮ ብዝተፈላለያ ትካላት ተዓዲጉ እዩ። ብዙሓት ሜክሲካውያን ክኢላታት ቍጠባ፡ ቻይና ኣብታ ሃገር ዘለዋ ተገዳስነት ንግዚኡ ዘይኰነስ ዘላቒ ምዃኑ እዮም ዝኣምኑ።

"እቶም ርእሰማል ቻይና ናብ ሜክሲኮ ዘምጽኡ ዘለዉ መዋቕራዊ ምኽንያታት፡ እቲ ርእሰማል ኣብዚ ንነዊሕ እዋን ንኽጸንሑ እዮም" ይብል ምክትል ሚኒስተር ንግዲ ወጻኢ ሜክሲኮ ነበር ጁዋን ካርሎስ ባከር።

"ኣብ መንጐ ቻይናን ኣሜሪካን ዝካየድ ዘሎ ንግዳዊ ኲናት ኣብ ቀረባ እዋን ክፍታሕ ዝኽእል ብዛዕባ ምዃኑ ዘመላኽት ዝዀነ ኣንፈታት ዛጊት የለን።"

ሚስተር ባከር፡ ኣባል ናይቲ ንሓድሽ ስምምዕ ናጻ ንግዲ ሰሜን ኣሜሪካ ‘USMCA’ ዝምልከት ዝርርብ ዘካይድ ጕጅለ ሜክሲኮ እዩ ነይሩ።

"ናብ ሜክሲኮ ዝመጽእ ዘሎ ቻይናዊ ርእሰማል ንፖሊሲታት ገለ ሃገራት ዘይምቹእ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ብምባል፡ "ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ንግዲ፡ እቶም ፍርያት፡ ብዅሉ ዕላማን እንታይነትን ምሉእ ብምሉእ ሜክሲካውያን'ዮም" ይብል።

እዚ ድማ ንሜክሲኮ ኣብ መንጐ ክልቲአን ልዕለ ሓያላን ሃገራት ርኡይ ስትራተጂያዊ ባይታ ፈጢሩላ’ሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ሜክሲኮ ንቻይና ተኪኣ ከም ቀንዲ መሻርኽቲ ንግዲ ኣሜሪካ ኰይና ኣላ፤ እዚ ድማ ትእምርታዊ ለውጢ እዩ።

ሜክሲኮ ናብ ኣሜሪካ ዝገበረቶ ዕብየት ንግዲ’ውን ብገለ ሸነኹ ካልእ ኣገዳሲ ረብሓታት ኣለዎ። ትካላት ኣሜሪካ’ውን ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ካብ ፋብሪካታት ኤስያ ዝረኽብኦ ዝነበረ ምህርቲ በቲ ኣብ ሜክሲኮ ዝቐውም ዘሎ መሓውራት ክትካእ ተኽእሎታት ስለዝፈጥር ምዃኑ ይግለጽ እዩ።

ሜክሲካውያን ኣብ ስራሕ
መግለጺ ስእሊ, ቻይናውያን፡ በቲ ኣብ ሜክሲኮ ዘሎ ክእለት ዕጉባት ምዃኖም እዮም ዝገልጹ

እዚ ምናልባት ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኤሎን መስክ፡ ካብ ሞንተረይ ወጻኢ ሓድሽ ዓቢይ ፋብሪካ ቴስላ ‘ጂጋፋክተሪ’ ንምስራሕ መደብ ከምዘለዎ ዝሃቦ መግለጺ ተኣሳሲሩ ዝተፈጥረ ግምታት ክኸውን ይኽእል። ይዅን እምበር እቲ ኩባንያ ኤሌክትሪክ መካይን ገና እቲ10 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ፋብሪካኡ መሬት ኣይሓዘን ዘሎ።

ቴስላ ነቲ ፕሮጀክት ሜክሲኮ ንምትግባር ዘለዎ ድሉውነት ክገልጽ'ኳ እንተተሰምዐ፡ ኵነታት ዓለማዊ ቍጠባ፡ ከምኡ’ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብቲ ትካል ዝተራእየ ምንካይ ሰራሕተኛታት ዝፈጠሮ ስክፍታታት፡ መደባቱ ኣዝሒልዎ ኣሎ።

ንወፍሪ ቻይና ብዝምልከት ዛዕባ ግን፡ ገለ ተንተንቲ፡ ሜክሲኮ ናብቲ ኣብ መንጐ ኣሜሪካን ቻይናን ዝካየድ ሰፊሕ ጂኦፖለቲካዊ ክርፍስ ክትስሓብ ከም እትኽእል የጠንቅቝ።

"እቲ ኣብ ከተማ ኣሜሪካ ዘሎ ኣረጊት ሃብታም ምስቲ ኣብ ከተማ ቻይና ዝርከብ ሓድሽ ሃብታም ሽግር ኣለዎ" ይብል ኤንሪከ ዱሰል ካብ ማእከል ምርምር ቻይና-ሜክሲኮ። "ሜክሲኮ - ኣብ ትሕቲ ዝሓለፉ ምምሕዳራት፡ ከምኡ'ውን ኣብዚ ዘሎ መንግስቲ - ስሉሳዊ ዝምድና ስትራተጂ የብላን።"

ፕረዚደንታዊ መረጻ ብኽልቲኡ ወገን - ኣሜሪካን ሜክሲኮን - ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ሓደስቲ ፖለቲካዊ ረቛሒታት ኣብ ቅድመና ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት ትራምፕ ይዅን ባይደን መንኦም ዋይት ሃውስ ይኣቱ ብዘየገድስ፡ ኣብ ዝምድና ኣሜሪካን ቻይናን ዝዀነ ምምሕያሽ ክመጽእ ከም ዝኽእል ብዙሓት ይግምቱ።

ዱሰል፡ ኣሜሪካ ምስ ቻይና ዘለዋ ርክብ ንሃገራዊ ድሕነት ዝፈጥሮ ስክፍታታት ልዕሊ ኵሉ ካልእ ረቛሒ ዝስራዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እዚ ብ ‘ኒርሾሪን’ ዝፍለጥ ንግዳዊ ምቅርራብ፡ ዝያዳ ብ"ሴኲሪቲ-ሾሪን" ክግለጽ ከምዝግባእ የገንዝብ። ሜክሲኮ ኣብ ማእከል ከይትኸውን ክትጥንቀቕ ኣለዋ ድማ ይብል።

ሓድሽ ናይ ፋብሪካ ቦታ
መግለጺ ስእሊ, ቻይናውያን ትካላት ኣብ ሜክሲኮ ሓድሽ ናይ ፋብሪካ ቦታ ንምግዛእ ይጓየያ እየን ዘለዋ።

ኣብዚ ወጥሪ እዚ ድማ፡ "ሜክሲኮ ንቻይና ኢዳ ዘርጊሓ ‘እንቋዕ ብደሓን መጻእኪ!’ ክትብላ እንከላ፡ ንኽልተኣዊ ዝምድናታት ኣሜሪካን ሜክሲኮን ጥዕና ከምዘይህቦ ንምግማት ቀሊል እዩ፤ ፍሉይ ትምህርቲ ዘድልዮ ኣይኰነን - ፍሉጥ እዩ" ክብል ይውስኽ - ሚስተር ዱሰል።

ካልኦት ድማ ኣብዚ ጉዳይ ዝያዳ ትስፉዋት ምዃኖም ዝገልጹ ኣለዉ። "ብናተይ ኣጠማምታ፡ እዚ ንጥፈታት ክቕጽል ብዛዕባ ምዃኑ ዘይኰነስ፡ ክንደይ ካብዚ ክንጥቀመሉ ንኽእል ዝብል'ዩ ዝያዳ ዘገድስ" ይብል በዓል ስልጣን ንግዲ ሜክሲኮ ነበር ጁዋን ካርሎስ።

"ሰባት ኣብ ኮሎምብያ፡ ኣብ ቬትናም፡ ኣብ ኮስታሪካ ከምዚ ዓይነት ዘተ ይገብሩ ከምዘለዉ ርግጸኛ እየ። ስለዚ፡ ኣብ ሜክሲኮ እቶም ንባዕሎም ዝወሃሃዱ ክውንነታት ምስ ውሳነታት ትካላትን መንግስትን ተሰማሚዖም ንነዊሕ ክቕጽሉ ምዃኖም ከነረጋግጽ ኣለና፡" ይብል።

ኣብ ሞንተረይ ምስ እንምለስ፡ እተን ክኢላታት ሜክሲካውያን ሰፈይቲ ኣብ ማን ዋህ፡ ፍርያተን ናብ ሰሜን - ናብ ኣሜሪካ ገጹ - ቅድሚ ምልኣኹ፡ ናይ መወዳእታ ምጽብባቕ ክገብራሉ ይረኣያ።

ቅሩብ - ዶብ - ስግር ኢሉ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ድኳን ዋልማርት ሓንቲ ኣሜሪካዊት ስድራቤት ነዚ ፍርያት ክትገዝኦ እንከላ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ፍርያት ዘሎ ዝተሓላለኸ ጂኦፖለቲካዊ ኵነታት ብዙሕ እንዶ ክህልዋ ኣይክእልን እዩ።

እዚ ኒርሾሪን ግን፡ ንኣሜሪካ ዘእቱ ፍቱን ድሕረዋይ ማዕጾ ይዅን፡ ወይ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጐ ልዕለ ሓያላን ሃገራት ዝካየድ ከቢድ ዋጋ ዝሓትት ኲናት ብዘየገድስ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ተጻባኢ ዓለማዊ ንግዲ ንሜክሲኮ ርኡይ ረብሓታት ክህባ ምዃኑ ግሙት እዩ።