ሓድሽ ርክብ ኣሜሪካን ቻይናን ዝያዳ ንመን የገድስ?

ሺ ጂንፒንን ጆ ባይደንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሺ ጂንፒንን ጆ ባይደንን ዝተራኸቡ፡ ኣብ ባሊ - ኢንዶነዥያ - ኣብ መወዳእታ 2022 ዋዕላ ሃገራት ጕጅለ 20 እዩ

ኣብዚ ቅንያት፡ ኣቓልቦ መላእ ዓለም ስሒቡ ዝቐንየ ዑደት ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንቻይና እዩ። ዝያዳ ዅሉ ግን፡ ብሕማቕ ይዅን ብጽቡቕ ብዝምድና እዘን ክልተ ሓያላን ሃገራት ብቐዳምነት ተጸልወቲ ዝዀና ሃገራት እቲ ዞባ እየን።

እተን ኣብ ቅድመ ግንባር ዝርከባ ጐረባብቲ ሃገራት ቻይና በቲ ሃንቀው ዝበላኦ ዑደት ብሊንከን ብሓባር ተዛማዲ ሩፍታ ከም ዝተሰምዐን እዩ ዝግምገም ዘሎ።

ብሊንከን፡ እተን ብሰኑይ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ዝተራኸበለን 35 ደቓይቕ፡ ድሕሪ 2018 ምስቲ ፕረዚደንት ዝተራኸበ ዝለዓለ ኣሜሪካዊ በዓል ስልጣን ገይረናኦ።

እዚ ርክብ ድማ፡ ነተን ኣብ ዞባ ፓሲፊክ ሰብኪዳን ኣሜሪካ ዝዀና ሃገራት፡ ብሸነኽ ሰሜን ንጃፓንን ደቡብ ኮርያን፡ ንደቡብ ገጽ’ውን ንፊሊፒንስ ካብኡ ቀጺልካ’ውን ክሳዕ ኣውስትራልያ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ወሳኒ ዓለማዊ መስመራት ንግዲ ዝርከባ ሃብታማት ሃገራት ደቡብ ምብራቕ ኤስያን፡ እንተላይ ንነኣሽቱ ደሴታት ፓስፊክ፡ ብሓባር ሩፍታ ሂቡወን ኣሎ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሴኡል ደቡብ ኮርያ፡ ፕሮፌሰር መጽናዕቲታት ቻይና ዝዀነ ጆን ደሉሪ፡ “ኵለን፡ ኣብ መንጐ ምፍጣጥ ኣሜሪካን ቻይናን ከመይ ኢልካ ከም ዝንበር ይመሃራ ኣለዋ፤ ንሓንቲ ካብታ ሓንቲ ግን ከምርጻ ኣይደልያን እየን፡” ብምባል፡ እተን ሃገራት ብኸመይ ምስ ክልቲአን ሃገራት - ቻይናን ኣሜሪካን - ይዋስኣ፡ ዝኽተላኦ ዲፕሎማስያዊ ጥበብ ከምዘማዕበላ ይእምት።

ዝዀነ ኰይኑ ግን እዘን ክልተ ሃገራት ሓላፍነታዊ ብዝዀነ ደረጃ ርዝን ኢለን ክቀራረባ ምርኣይ እፎይታ ዝህብ ምዃኑ ይገልጽ።

ብርግጽ ክልቲኦም ወገናት እቲ ከሕልፍዎ ዝደለዩ መልእኽቲ ድማ ከምኡ ዝነበረ ይመስል።

ሚስተር ብሊንከን፡ ኣብ መወዳእታ ምስ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒን ኣብቲ ዓቢይ ኣዳራሽ ህዝቢ ቻይና ቅድሚ ምርኻቡ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ምስ ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ቻይና - ዋንግ ዪ ከምኡ’ውን ቺን ጋንግ - ተመያይጡ እዩ።

ብሊንከን ምስ ቺን ጋንግ - ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና - ዝገበሮ ርክብ፡ “ናይ ስራሕ ድራር” ዘጠቓልል ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ እዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒን፡ ድሕሪ'ቲ ምስ ብሊንከን ዘካየዶ ርክብ፡ ነቲ ዝተራእየ “ምዕባለ” ድሕሪ ምንኣድ፡ ዝርዝር ከይገለጸ፡ ኣብ ዝተወሰኑ ጉዳያት ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ነቲ ዝድነቕ ዲፕሎማስያዊ ተልኦኾ ዝፈጸመ ዝበሎ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ብሊንከን ንኢዱ።

እቲ ግብራዊ ዲፕሎማሰኛ ምዃኑ ዝንገረሉ 61 ዝዕድመኡ ብሊንከን፡ ንቻይና ዝምልከት ‘ንጹር ኣመለካኽታ' ከምዝነበሮ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሊንከን፡ ብዳግመ ምጅማር ላዕለዋይ ደረጃ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣሜሪካን ቻይንና ሕጕስ ከም ዝዀነ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ቻይናውያን እቲ ምስ ኣሜሪካ ዘሎ ዝምድና ክረጋጋእ ከም ዝግባእ ምስምምዖም ብምግላጽ፡ “እንተዀነ ብትሪ ዘይንሰማምዓሎም ብዙሓት ጉዳያት ኣለዉ፡” ክብል ተኣሚኑ።

እዚ ኰይኑ ግን፡ ብዘይ መሰናኽላት እቲ ዝምድና ክመሓየሽን ክቕጽልን፡ ብተስፋ ምቝራጽ ዘይኰነስ፡ ብጽቡቕ መንፈስ ምቕባል ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

እቲ ኣብ መንጐ ኣሜሪካን ቻይናን ዝነበረ ዝምድና ኣመና ሓርፊፉ ብምጽንሑ፡ ምብጻሕ ኣሜሪካውያን ዲፕሎማሰኛታት ናብቲ ዞባ፡ ነቲ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ስግኣታት ዝቕንጥጥ ተስፋ ምዃኑ ግን ብዙሓት ይሰማምዑ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብጕጅለ 'ዩሮኤሽያን ፋውንዴሽን' ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ 90 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ፊሊፒንስን ሲንጋፖርን ዝተሓተቱ ሰባት፡ ኣብ መንጐ እተን ክልተ ሓያላን ሃገራት ዝፍጠር ግጭት ኣጨንቒዎም ከምዝነበረ ዝገልጹ እዮም።

ፍርቂ ካብቶም ዝተሓተቱ ሰባት፡ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ግጭት፡ እቲ ዝኸበደ ብድሆ ሃገራቶም ምዃኑ ከም ዝኣምኑ ገሊጾም።

“ዓለም፡ ዝምድና እዘን ሃገራት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ክኸውን ኣይትደልን እያ፡” ትብል ዳይሬክተር ፕሮግራም ኢንዶ-ፓሲፊክ ቦኒ ግሌዘር።

“እዘን ሃገራት ነዊሕ ተዓጻጽየን ምጽንሐን፡ ኣብዚ ዞባ ጥራይ ዘይኰነስ ክንዮኡ’ውን ንዓለም ኣጨኒቝ ዝጸንሐ ጉዳይ እዩ፤ ከም ገለ ሓደጋ እንተተፈጢሩ ኸኣ ብኸመይ እየን ክገትኣኦ ዝብል ስክፍታ ብዙሓት ሃገራት ጸኒሑ እዩ፡” ትብል።

ብሊንከን ምስ ሺ ጂንፒን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ዞባ፡ ድሕሪ ደጊም መድረኽ ፖለቲካ ኣይክኸውንን እዩ። ጉዳይ ዓለማዊ ንግድን ቀረብ ማዕድናትን -ሰሚኮንዳክተር- ካብ ምዃን ዝሓለፈ’ውን እዩ። ሃገራት እቲ ዞባ፡ ድሕነተን ኣብ ግምት ብምእታው ንጹር መርገጽታት ክወስዳ ዘገድድ፡ ናይ ጽልዋታት ውግእ ኰይኑ ኣሎ።

ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ንዓሰርተታት ዓመታት መሓዙት ኣሜሪካ ኰይነን፡ ብሰንኪ ታሪኻዊ ቅርሕንቲታት ግን ንሓድሕደን ኣይቃረባን እየን።

እዚ ሕጂ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጽልዋታት ቻይና፡ ምስቲ ብሰሜን ኮርያ ዝግበር ተደጋጋሚ ፈተነ ምውንጫፍ ሚሳይላት ተደሚሩ፡ ንኽልቲአን ኣብ ከቢድ ሓባራዊ ስግኣት የቐምጠን።

ብተመሳሳሊ ህጹጽ ኵነታት ዝተደፋፍአት ፊሊፒንስ’ውን፡ ተወሰኽቲ ወተሃደራዊ መደበራት ኣሜሪካ ኣፍቂዳ እያ። ጃፓን’ውን፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንፈለማ ግዜ ናብ ገማግም ባሕሪ ፊሊፒንስ ክመልሳ ዝኽእል ወተሃደራዊ ሓገዝ - ንፊሊፒንስ - ንምሃብ ትዳሎ ከምዘላ እዩ ዝንገር።

እዚ ኵነታት ክሳብ ደሴታት ፓሲፊክ ዝዝርጋሕ ኰይኑ፡ ኣሜሪካን ቻይናን ስትራተጅያዊ መርገጽ እግሪ ንምርካብ ኣብ ከቢድ ምውድዳር ጸሚዱወን ኣሎ።

ቻይና፡ ኣብ 'ደሴታት ሰሎሞን' ስምምዓት ወተሃደራዊ መደበር ድሕሪ ምኽታማ፡ ኣሜሪካ ኸኣ ከም ግብረመልሲ፡ ኣብ 'ፓፑዋ ኒው ጊኒ' ተመሳሳሊ ስምምዕ ገይራ።

እዘን ሃገራት ካብቲ ክሰምዓኦ ተሃንጥየን ዝቐነያ ሓደ ጕዳይ፡ ኣብ መንጐ ፔንታጐንን በይጂንን ወተሃደራዊ ርክባት ዝርርብ ምጅማር እዩ። ብሊንከን ኣብቲ ዘተ ነዚ ጉዳይ ጸቒጡ ይዛረበሉ’ኳ እንተነበረ፡ ብወገን ቻይና ግን ነዚ ዝምልከት ብዙሕ ተገዳስነት ኣይተራእየን።

እቲ ዞባ፡ ብፍላይ ብጉዳይ እታ ርእሳ እተመሓድርን፡ ቻይና ከም ግዝኣታ እትቘጽራን ሓደ መዓልቲ ምስታ ቀንዲ ሃገር ክትጽንብራ ምዃናን እትፍክረላ ደሴት ታይዋን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ፡ ናብ ወተሃደራዊ ግጭት ክኣትዋ እየን ኣብ ዝብል ጫፍ ሻቕላ በጺሑ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይናን ወሽመጥ ታይዋንን ወተሃደራዊ ህላወ እናወሰኸ ምስ ዝኸይድ፡ ብፍላይ ኣሜሪካን ቻይናን ብ ሰማይ፡ ባሕርን፡ ግጭት ከየጋጥም ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ስግኣት ጸኒሑ እዩ።

"እሙናት መስመራት ርክብ የድልዩና ኣለዉ። ወተሃደራዊ ሓደጋታት ዘጋጥመሉ ዕድል ክንዓጹ ኣለና" ትብል ሚስ ግሌዘር።

ንሃገራት ኤስያ-ፓሲፊክ፡ እቲ ዑደት መፈለምታ ጥራይ እዩ፤ ግዝያዊ እውን። ኰይኑ'ውን ንግዚኡ'ውን እንተዀነ፡ ዝዀነ ይዅን ዝከኣል ምዕባለ ከካይዱ እዮም።

ሚስተር ደሉሪ፡ "እዚ ዑደት ዋላ ሓንቲ ውሕስነት ኣይህብን'ዩ፤ እንተዀነ እንተወሓደ ኣሜሪካን ቻይናን ወጥሪ ከህድኣን ዘተ ከቐድማን ከምዝጽዕራ ዘርኢ'ዩ፡ እዚ ድማ ኣብዚ ክፋል ዓለም ጽቡቕ ምልክት'ዩ" ኢሉ።