ኤሎን መስክ ኣብ ልዕሊ ትዊተር ትራምፕ ዝጸንሐ እገዳ ኣልዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓድሽ ወናኒ ትዊተር ኤሎን መስክ ኣብ ልዕሊ ገጽ ትዊተር ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ጸኒዑ ዝጸንሐ እገዳ ኣልዒሉ።
ትራምፕ ናብ ትዊተር ክምለስ ዝተገበረሉ ምኽንያት ርእይቶ ህዝቢ ምስተኣከበ’ዩ ዝበለ መስክ፡ ተጠቐምቲ ትዊተር ነቲ ስጕምቲ ከምዝደገፍዎ ተዛሪቡ።
“ህዝቢ ወሲኑ’ሎ” ኢሉ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ገጽ ትዊተር ዝጽሓፈ ኤሎን መስክ፡ ካብቶም ልዕሊ 15 ሚልዮን ተጠቐምቲ ትዊተር እቶም 51.8 ሚእታዊት ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ተወሲኑ ዝነበረ እገዳ ክለዓል ምድጋፎም ገሊጹ።
እንተዀነ ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ንኽምለስ ዘኽእል፡ “ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይርኣየንን” ኢሉ ስለዝነበረ፡ ናብ ትዊተር ዘይክምለስ ከምዝኽእል ዘመላኽት’ዩ ተባሂሉ’ሎ።
ገጽ ትዊትር እቲ ፕረዚደንት ነበር ዝተኣገደ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኰይኑ፡ ዝተዓጸወሉ ምኽንያት ድማ 'ህውከትን ዕግርግርን ብምልዕዓል' ዝብል ከምዝነበረ ዝዝከር’ዩ።
ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ናብ ዝርከብ ካፒቶል ሂል ጥሒሶም ምስኣተዉ’ዩ ነይሩ እቲ ነባር ምምሕዳር ትዊተር ናይቲ ፕረዚደንት ነበር ገጽ ትዊተር ክእገድ ዝወሰነ።
ኮንግረስ ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን ኣብቲ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ተዓዋቲ ከምዝኾነ ክእውጅ ኣብ ዝፈተነሉ ግዜ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ደገፍቲ ትራምፕ ናብ ካፒቶል ሂል ጥሒሶም ብምእታው ህውከትን ዕግርግርን ኣለዓዒሎም።
ብሰንኪ እቲ ህውከትን ዕግርግርን ኣርባዕተ ሰለማውያን ሰባትን ሓደ ኣባል ፖሊስ ኣሜሪካን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ይዝከር።
ድሕሪ እቲ ዝተፈጠረ ህውከት ሽዑ ንሽዑ ገጻት ፈይስቡክ፡ ኢንስታግራምን ዩትዩብን ዶናልድ ትራምፕ ንኽእገዱ ውሳነ ተዋሂቡ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብቶም ዝተዓጸዉ ማሕበራዊ ገጻቱ ብዓሰርተ ሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰዓብቲ ነይርምዎ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ድሕሪ ኣዋርሕ ናይ ገዛእ ርእሱ “ትሩዝ ሶሻል” ዝሰመዮ ማሕበራዊ ሚድያ ከፊቱ።
ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን ፖለቲከኛ ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝዀነ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2024 [ኣ.ኣ] ንፕረዚደንትነት ከምዝወዳደር ዕላዊ ከምዝገበረ ይፍለጥ።
ቀዳማይ ሃብታም ዓለም ኤሎን መስክ ነቲ ኣብ ዓለም ገኒኑ ዝርከብ ማሕበራዊ ሜድያ ትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር’ዩ ዓዲግዎ።
ንትዊተር ምሉእ ብምሉእ ምስተቘጻጸረ መሰረታዊ ዝዀነ ለውጢ ኣብ ምግባር ተጸሚዱ ዝርከብ ኤሎን መስክ ናይ ጽልኢ ዘረባታት ይኵን ግጉያት ሓበሬታን ዘድሃቡ መምርሕታት ትዊተር ክልሕልሑ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







