ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ናብ ኲናት ክኸቱ ፕረዚደንት ሩስያ ኣዚዙ

ቭላድሚር ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, Russian Presidential Press Service

መግለጺ ስእሊ, ብዛዕባ ኑክሌር ዝሃቦ መጠንቀቕታ "ሓደገኛ" ምዃኑ ሕብረት ኣውሮጳ ገሊጹ'ሎ

ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ሩስያ ናብ ኲናት ዩክረይን ክኸቱ ምዃኖም ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣፍሊጡ።

ብመንግስታዊ ተለቪዢን እታ ሃገር ንህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ስጉምቲ ንግዝኣታዊ ሕድነት ሩስያ ንምውሓስ ዝተወስደ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ልሙድ ዘይኮነ መግለጺኡ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንዘካይድኦ ኑክሌራዊ ታህዲድ ብምንቃፍ፡ ሩስያ "ግብረመልሲ ንምሃብ ብዙሕ ኣጽዋራት" ከምዘለዋ ኣጠንቂቑ።

እቲ ክህቦ ዝጸንሐ መጠንቀቕታ፡ "ንምትላል" ኢሉ ዝብሎ ከምዘይኮነ'ውን ገሊጹ።

ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ "ብኑክሌር ምጽዋት ሓደገኛ'ዩ" ክብል ግብረመልሲ ሂቡ'ሎ።

ሰርገይ ሾይኹ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty

መግለጺ ስእሊ, ሰርገይ ሾይኹ ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ

እቲ ከፊላዊ ምኽታት ዕቑር ሰራዊት ካብ ሎሚ ጀሚሩ ከምዝትግበር'ውን ፑቲን ሓቢሩ።

ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣስታት 300,000 ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ከምዝኸቱ ሓቢሩ።

ሰርገይ ሾይኹ ከምዝበሎ፡ እዚ ቀዳማይ ናይ ምኽታት ውጥን ነቶም ወተሃደራዊ ተመክሮ ዘለዎም ዝምልከት'ዩ። ኩሎም'ውን ኣብ ሓደ እዋን ናብ ግንባር ከምዘይከዱ ሓቢሩ'ሎ።

ተመሃሮ ከምዘይከቱ ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር፡ "ተረጋግኡ. . .ናብ ቤትምህርቲ ምዃድ ኣይተቋርጹ" ክብል ተማሕጺኑ'ሎ።

ሩስያ ኣስታት 2 ሚልዮን ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ከምዘለዋ ይንገር።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሰራዊት ዩክረይ ኣብ ዘካየዶ ተኸታታሊ ጸረመጥቃዕቲ ንሓይልታት ሩስያ ብምድፋእ ሓያሎ ቦታታት ክምንዝዕ ምኽኣሉ ይፍለጥ።

ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, EPA

እዚ ሓድሽ ሃገራዊ ጻውዒት ፑቲን፡ ድማ ካብዚ ጸቕጢ'ዚ ዝብገስ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ይእምት።

"ንሱን ሚኒስተር ምክልኻሉን ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታቶም፡ ብዘይ እኹል ዕጥቂን ብግቡእ ከይተመርሑን ናብ ሞቶም ሰዲዶም" ክብል ዝገለጸ ብሪጣንያዊ ሚኒስተር ምክልኻል በን ዋለስ፡ ምኽታት ዕቑር ሰራዊት ምፍሻል ናይቲ ኲናት ዘርኢ'ዩ ክብል ተዛሪቡ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ዩክረይን ብሪጂት ብሪንክ ብወገና፡ እዚ ከፊላዊ "ምኽታት ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ሩስያን [ኣብቲ ሓይልታት ዝቆጻጸርዎ ዞባታት ዩክረይን] ዝካየድ ዘሎ ረፈረንደም ምልክት ድኻም" እዩ ኢላ።

ገለ መራሕቲ ኣውሮጳ ድማ፡ እቲ ሩስያ ወሲዳቶ ዘላ ናይ ምኽታት ስጉምቲ፡ ነቲ ግጭት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ዘዕርግ'ዩ ክብሉ ነቒፎም ኣለዉ።

"ብኑክሌር ምጽዋት ሓደገኛ'ዩ" ክብል ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ ኣጠንቂቑ'ሎ።

ዋና ጸሓፊ ወተሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ጀንእስእ ስቶልተንበርግ፡ እዚ ሩስያ ትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ንዩክረይን ንምውራር ዝወሰደቶ ስጉምቲ ግጉይ ምንባሩ ዘነጽር'ዩ ኢሉ'ሎ።