ሕቶ ሓዳር ንዘይተቐበለቶ ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ዝቐተለ ብሞት ተቐፂዑ

መሓመድ ኣደል

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ግብጺ “ተመርዓውኒ” ዝብል ሕቶ ዘቕረበላ ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ንሕቶኡ ክትቅበል ብዘይምኽኣላ ብዘስካሕክሕ መገዲ ዝቐተለ ውልቀሰብ ብሞት ተቐጺዑ።

እቲ መሓመድ ኣደል ዝተበሃለ ውልቀሰብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ነቲ ቅትለት ከምዝፈፀሞ ተኣሚኑ እዩ።

ነዚ ተግባሩን ውሳነ ቤት ፍርድን ስዒቡ ድማ ሰበስልጣን ግብጺ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሓንቲ ምስኡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ትምሃር ዝነበረት መንእሰይ ዝቐተለ ውልቀ-ሰብ ብሞት ቀጺዖምዎ ኣለዉ።

እቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ

መሓመድ ኣደል ኣብ ኣፍደገ ዝመሃሩሉ ዩኒቨርሲቲ እዩ ነቲ ተግባር ቅትለት ፈጺምዎ። ኣብ ሰነ ዝሓለፈ ዓመት ናብቲ ክልቲኦም ዝመሃሩሉ ዩኒቨርሲቲ ማንዱራ ብምኻድ፡ ነታ ነይራ ኣሽራፍ ዝተበሃለት ግዳይ ብኻራ ወጊእዋ።

ብምውጋእ ጥራይ ክዓግብ ዘይከኣለ፡ እቲ “ዘቕረብኩላ ሕቶ ሓዳር ነጺጋቶ” ዝብል ውልቀሰብ ኣብ ጎሮሮኣ እውን በቲ ዝሓዞ ካራ ክወግኣ ዘርኢ ቪድዮ ብብዝሒ ተዘርጊሑ ነይሩ።

እቲ ፍጻመ ንዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ክትዕ ዳግማይ ክጓሃሃር ምኽንያት ብምንባሩ ድማ ኣብ መላእ እታ ሃገር ቁጠዐ ፈጢሩ።

ኣደል፡ ቅልጡፍ ፍርዲ ክወሃቦ እንከሎ፡ ኣቐዲሙ ብዝተወጠነ ቅትለት ብዝብል ገበን እዩ ተፈሪዱ።

ኣብ ግብጺ ዝውሰን ፍርዲ ቅትለት መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ፍርዲ ድህሪ ምሕላፉ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት እዩ ዝፍጸም።

ኣብ ጉዳይ መሓመድ ኣደል ግን ዓቃቢ ሕጊ እቲ ፍርዲ ሞት ክቀላጠፍ ስለዝፀውዐ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ግብራዊ ክኸውን ክኢሉ’ሎ።

ኣቦ እታ ንሕቶ ሓዳር ኣይተቐበልክን ብዝብል ዝተቐተለት ተምሃሪት ዝዀነ ኣሽራፍ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ቅትለት እቲ ገበነኛ ንጓሉ ክመልሳ ከምዘይክእል ብምግላጽ ፍትሒ ከምዝረኸቡ ግን ተዛሪቡ።