እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ን50 ዓመታት ሰብነቱ ከይተሓጽበ ዝጸንሐ ሰብኣይ ኣብ 94 ዓመቱ ዓሪፉ
ሚዲያታት ዓለም “ረሳሕ ሰብኣይ ዓለምና” ኢለን ዝጽውዕኦ፡ ነብሱ ተሓጺቡ ዘይፈልጥ ኢራናዊ ሰብኣይ ኣብ መበል 94 ዓመቱ ሞይቱ።
ኣሞው ሓጂ፡ ከይሓምም ስግኣት ስለ ዝነበሮ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን [50 ዓመታት] ብማይን ሳሙናን ተሓጺቡ ኣይፈልጥን።
እዚ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት ፋርስ ዝነብር ዝነበረ ኢራናዊ፡ ቅድሚ ሕጂ ደቂ ዓዲ ንኽሕጸብ ጻዕሪታት’ኳ እንተገበሩ ካብ ምሕጻብ ተቘጢቡ'ዩ ጸኒሑ።
እቲ ሓዳር ዘይብሉ ኢራናዊ፡ ኣብ መወዳእታ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ብጸቕጢ ተደፊኡ ተሓጺቡ ከምዝነበረ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ይገልጹ።
ማዕከን ዜና ኢራን ኢራን ከምዝሓበሮ፡ ንቁሩብ ግዜ ድሕሪ ምሕማሙ እዩ ብሰንበት ዓሪፉ።
ሓጂ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2014 ንጋዜጣ ቴህራን ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ እቲ ዝፈትዎ መግቢ ፖርኩፓይን ምዃኑን፡ ኣብ ሞንጐ ኣብ መሬት ዝርከብ ጉድጓድን ኣብ ቁሸት ደጅጋህ ብግዱሳት ጎረባብቲ ኣብ ዝተሃንጸ ገዛ ከም ዝነብርን ገሊጹ ነይሩ።
ንዓመታት ዘይምሕጻቡ፡ ብ"ረስንን ዕንፍሩርን" ዝተሸፈነ ቆርበት ከም ዝገደፈሉ፡ ዝኣረገ ቆርቆሮ ተጠቒሙ ዝበስበሰ ስጋን ጽሬት ዘይብሉ ማይን ይምገብ ከም ዝነበረ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
ሽጋራ ምትካኽ እውን ይፈቱ ነይሩ።
እንተወሓደ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብሓንሳብ ካብ ሓደ ንላዕሊ ሽጋራ እናትከኸ ዝረኣየሉ ስእሊ ኣሎ።
እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ፡ ንክሕጸብ ወይ ድማ ጽሩይ ማይ ንኽሰቲ ዝግበር ፈተነ የሕዝኖ ከም ዝነበረ ይጠቅስ።
ይኹን እምበር፡ ከይተሓጸበ ነዊሕ ግዜ ብምጽናሕ ክብረወሰን ሒዙ ድዩ ዘሎ ዝብል መካትዒ ኮይኑ ጸኒሑ።
ኣብ 2009፡ ሓደ ህንዳዊ ሰብኣይ ን35 ዓመታት ኣስናኑ ከም ዘይሓጸበ ወይ ከም ዘየጽረዮ ዝሕብሩ ጸብጻባት ነይሮም።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ግን ንጹር ኣይኰነን።