ልዝብ ኢትዮጵያን ትግራይን እንታይ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል? ኤርትራ ኸ?

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ መዕለቢ ክረክብ፡ ሎሚ 24 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብመንጐኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጐ ወከልቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጲያን መራሕቲ ትግራይን ዝካየድ ቀጥታዊ ልዝብ ሰላም፡ እንታይ ውጽኢት ኮን ክህልዎ ይኸውን? ዝብል፡ ሕቶ ዝሓዘለ ተስፋን ምጥርጣርን ይቐርበሉ ኣሎ።

እዚ ክልተ ዓመቱ ክደፍን ቀሪቡ ዘሎ፡ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ንዓለም ዘሻቐለ ጽዕጹዕ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብቲ ብጸቕጢ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ከቕርብዎ ንዝኽእሉ ምጉትን ንምትእትው ኤርትራን ብዝምልከት ንምድህሳስ፡ ነቲ ኵነታት ብዕምቈት ንዝከታተሉ ምሁራትን ተንተንቲ ፖለቲካን ኣዘራሪቡ ኣሎ።

ኣብ ግብጺ ዝመደበሩ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ማሕሙድ ኣቡበከር፡ ኲናት ንሓደ ፖለቲካዊ ዕላማ ንምፍጻም ዘገልግል መሳርሒ ብምዃኑ፡ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ክካየድ ዝቐነየ ጽዕጹዕ ውግእ፡ ድሌታትካ ንምስግዳድ ናብቲ መኣዲ ዘተ ጸብለልታ ሒዝካ ንምእታው ዝሓለነ'ውን ምዃኑ ይገልጽ።

እንተዀነ ይብል ማሕሙድ፡ ብፍላይ ኣብ ውግእ ሕድሕድ ፍጹም ዓወት ዝበሃል ስለዘየለ፡ እቲ ናይ ባይታ ልዕልና ሒዝካ ናብ ዘተ ምቕራብ ግዝያዊ ምዃኑ፡ እቲ ሕጂ ዝደኸመን ዝተጸቕጠን ሓይሊ፡ ጽባሕ ንግሆ ሓይሊ ደሊቡ ጸብለልታ ሒዙ ነገራት ክግምጥል ስለዝኽእል እቲ ዘላቒ ፍታሕ ሰላማዊ ዘተ ጥራይ ምዃኑ የረድእ።

“ኣብ ሓደ ሃገር ዝፍጠር ሽግር፡ ንዅሎም ወገናት ዘቀራርብ ዘላቒ ፖለቲካዊ ፍታሕ እንተዘይተጌርሉ ኣብ ዘይዓርፍ ዕንክሊል ኲናት እዩ ዝሸመካ። ይዅን እምበር ፖለቲካዊ ጠለባትካ ኣክንዲ ብምጕት ብሓይሊ ምስግዳድ ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብቲ ዞባ ዝጸንሐ ኣተሓሳስባ’ዩ” ይብል።

ኣብቲ ዘተ ክልዓል ዝኽእል ሲናርዮታት

ኣብ ዩኒቨርሰቲ ኒውዮርክ ዝምህር ዶክተር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ፡ ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ዘተ ሰላም፡ እቲ ሕጂ ኣብ ትግራይ ከተማታት ክሕዝ ጀሚሩ ዘሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ከውርድ ክሓትት ከምዝኽእል፡ዕጥቂ ምፍታሕ ማለት ከኣ ንህወሓት ነብሰ ቕትለት ምፍጻም ማለት ከምዝዀነ፡ ስለዚ፡ እቲ ዘተ ሰላም ቁምነገር ከምዘይህልዎ ርእይትኡ የቐምጥ።

ጋዜጠኛ ማሕሙድ ብወገኑ፡ በዚ ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት መራሕቲ ህወሓት ኣብ ብዙሕ መዳያት ክቐርበሎም ንዝኽእል ነገራት ክቕበሉ ከምዝኽእሉ ይግምት።

ንምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ብዝምልከት ግን ቅዋም ‘ታ ሃገር ስለዘፍቅዶ ክልል ትግራይ ልክዕ ከም ካልኦት ክልላት ዕጡቕ ሓይሊ ክህልዎ ፍቝድ ስለዝዀነ እቲ ምጉት ነዊሕ ክኸይድ ከምዘይክእል ይኣምን።

ብመንጽር ጉዳይ ኤርትራ ኸ?

እታ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ብሽርክነት እትዋጋእ ዘላ ኤርትራ ኣብቲ መኣዲ ዘተ ክትሳተፍ'ኳ እንተዘይተዓደመት፡ ብመገዲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሕቶ ልኡላውነት ኤርትራ ከም መበገሲ ብምውሳድ፡ እቲ ኤርትራ ምስ ክልል ትግራይ ብቐንዱ ግን ምስ ኢትዮጵያ እትዳወበሉ ከባቢ ብሓይልታት ፈደራል ክሕሎ ኣለዎ ዝብል ጠለብ ከተቕርብ ከምእትኽእል ይግምት።

ስለዚ፡ “እዚ ብመንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ተቐባልነት ዝረኸበ፡ ኤርትራ ክኸውን እትደልዮን ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ከባቢታት ትግራይ ይዅን ኣምሓራ ክትወጽኣሉ እትኽእል መገዲ ድማ እዚ እዩ ኢለ እኣምን” ዝብል ማሕሙድ፡ ንዅሉ ግን ኣብ ባይታ ዘሎ ወተሃደራዊ ሚዛን ሓይሊ ከምዝውስኖ ይኣምን።

ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ

መንግስቲ ኤርትራ፡ ህወሓት ስግኣት ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብምዃኑ “ክጠፍእ ኣለዎ” ብዝብል ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ኲናት ምስታፉ ብትሪ ይቃወም ማሕሙድ።

ንሓሳቡ ከብርህ እንከሎ ከኣ፡ ብመሰረቱ፡ ወያነ ወይ ህወሓት ሓይሊ ቅድሚ ምዃኑ ሓሳብ እዩ። ንሓሳብ ድማ ብሓሳብ ኢኻ ክትስዕሮ ዘለካ እምበር ብኲናት፡ እሞ ድማ ሰዓብቲ ዘለውዎ ሓሳብ እንተዀይኑ ከተጥፍኦ ዝከኣል ኣይኰነን ይብል።

“ህወሓት ፈቲና ጸሊእና ምስ ተጋሩ ታሪኻውን ሕልናውን ምትእስሳር ዘለዎ ሓይሊ እዩ። ሎሚ ካብ ስልጣን እንተተኣልየ ወይ እንተተደፍአ፡ ድሌት ተጋሩ ክሳብ ዝሃለወ ተመሊሱ ክመጽእ ከም ዝኽእል ክንዝጋዕ የብሉን” ከኣ ይብል።

ዶክተር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ እውን፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ ዘተ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ “ሰላም እንተደሊኹም ዕጥቅኹም ኣውርዱ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከኣ ባዕልና ክንቈጻጸሮ ኢና” ብምባል ክብልዎ ንዝጸንሑ ጠለብ ክደግምዎ እዮም።

"ህወሓት ከኣ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ብዝመረጾ መሪሕነት ክመሓደር ምሉእ መሰል ኣለዎ። ሓቂ እዩ ሎሚ ሓደ ሓደ ከተማታት ትሕዙ ኣለኹም። ትማሊ እውን ሒዝኩም ኔርኩም ኢኹም። ሓይሊ ስለዝረኸብኩም ንሕቶን ድሌትን ህዝቢ ክትጭፍልቑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ዝብል ምጕት ከቕርቡ ከምዝኽእሉ ይገልጽ።

ልኡላውነት ከም ሕቶ?

ጋዜጠኛ ማሕሙድ ልኡላውነት ኤርትራ ምስ ወያነ ጥራይ ዝተሓሓዝ ከምዘይኰነ፡ እቶም ሕጂ መሻርኽቲ ኰይኖም ዘለው ሓይልታት ኣምሓራን፣ ባዕሉ እቲ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘየኽብር መግለጺታት ከውጽኡ ከምዝጸንሑ ብምሕባር፡ ልኡላውነት ሓደ ህዝብን ሃገርን ብኲናት ዘይኰነስ ብሰላም ጥራሕ ከምዝወሓስ ጽኑዕ እምነቱ ይገልጽ።

ከቢድ በሰላ ዝገድፍ ኲናት

እዚ ኲናት ኣብ ርእሲ እቲ ዘኸትሎ ዘሎ ሞትን ህልቂትን፡ ጥሜትን ድኽነትን፡ ስደትን ከርተትን፡ ዓሚቝ ጽልእን ደምን እውን ስለዝፈጠረ፡ ኣበሳኡ ብቐሊሉ ዝሓዊ ኣይኰነን። ዓሌታዊ ኣቃውማ ክልላት ዝፈጠሮ ምስሕሓብን ናይ መሬት እጀታን ጉዳይ እውን ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን፡ ኦሮሞን ኣምሓራን ሓደገኛ ስምብራት ኣለዎ።

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንባዕሉ፡ እቲ ዝተገብረ ዓሌታዊ ኣቃውማ ክልላት ዝፈጠሮ፡ ኣብዚ ኲናት፡ “ኣብ ርእሲ’ቲ ምዱብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ርእሱ ዝኸኣለ መሻርኽቲ ሓይሊ ዝጥቀስ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ሚሊሻታት ኣምሓራ ከበሃል ይስማዕ እዩ፡” ብምባል እዚ ዝፈጥሮ ሕማቕ ስምዒታት፡ ኣብ መጻኢ ሳዕቤናቱ ሓደገኛ ምዃኑ፡ ማሕሙድ የዘኻኽር።

“እዚ ጽባሕ ንግሆ ኣብ መንጐ እቶም ህዝብታት ከቢድ ቅርሕትን ምትፍናንን ክፈጥር እዩ፡” ብማዕሪኡ ኸኣ ንኤርትራ’ውን ኣብ ምትፍናን ስግኣትን ከንብራን ከቢድ ዋጋ ከኽፍላን እዩ ዝብል ስግኣቱ ይገልጽ። “ኤርትራውያን ካብቲ ዝረብሕዎ ዝኸስርዎ” ክዛይድ ከም ዝኽእል ከኣ ብተወሳኺ የጠንቅቕ።

“ብፍላይ ኤርትራ ምስቲ ውሱን ጸጋታታ፡ ተነጽሎኣን ዘላቶ ኵነታትን፡ እዚ ኲናት ንዓኣን ንህዝባን መሊሱ ዘድኪ መሊሱ ንድሕሪት ዝመልስ እዩ” ይብል።

ኤርትራ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ኣብ ሃዋሁ ኲናት እያ ጸኒሓ፣ ሕጂ ድማ ከም እንደገና ኣብ ኲናት ኣትያ’ላ።

ኤርትራ ኣካል እዚ ልዝብ ኣይኰነትን፡ ስለምንታይ? ሳዕቤኑ ኸ?

“ብዝተፈላለየ መርትዖታት፡ ማዕከናት ዜና፡ ስእልታት ሳተላይት ካልእን’ኳ እንተተረጋገጸ፡ ኤርትራ ኣብ ኲናት ኣለኹ ኢላ ብወግዒ ኣይትኣምንን እያ” ይብል ማሕሙድ።

ስለዚ፡ ኣብ ከምዚ ኵነታት ኣብቲ ልዝብ ክትኣቱ ፍቓደኛ ክትኸውን ከም ዘይትኽእል ከኣ ይገልጽ።

እቲ ካልኣይ ነጥቢ፡ “ኤርትራ ኣብዚ ኲናት ትኣቱ ዘላ ንወያነ ከጥፍኦ ኣሎኒ ካብ ዝብል ግምት እዩ።” ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዋ ሃገር ድማ ምስቲ ከጥፍኦ ኣለኒ እትብሎ ሓይሊ ኮፍ ኢላ ክትዘራረብ ፍቓደኛ ክትከውን ከምዘይትኽእል፡ ማሕሙድ የብርህ። ብዙሓት ወገናት’ውን ንኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወ ዝርርብ ስምምዕ ክግበር ይሓቱ እዮም፡ “እዚ ግን ብኤርትራ ተነጺጉ እዩ።”

ብወገን ኤርትራ ዘሎ ኣጠማምታ “ከጥፍኦ ወይ ከጥፍኣኒ” ኣለዎ ዝዓይነቱ ዘይቅየር ኣተሓሳስባ ስለዝዀነ፡ ሓቢርካ ምንባር ዝፈቅድ ኣይኰነን ይብል ማሕሙድ ኣቡበከር።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ’ውን ንፕረዚደንት ኢሳያስን ዶ/ር ደብረጽዮንን ከራኽቦም ፈተነታት ይገብር ከምዝነበረ ግን ከምዘይተኻእለ ይጠቅስ።

“ካብዚ ነቒልካ፡ ክርአ እንከሎ ኸኣ ኤርትራ፡ ህወሓት ከም ሓይሊ ወይ ከም ሓደ ጽልዋ ዘለዎ ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ኢትዮጲያ ክጥፍእ ጥራይ እምበር ምስኡ ዝርርብ ክግበር ትድግፍ ኣይመስለንን።” ይብል።

ዶክተር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ እውን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ስርዓት ህወሓት ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ንኤርትራ ካብ ዝተፈርደ መሬት ምውጻእ ኣብዩ፡ ብሓይሉ ኣብ ኵነተ ኵናት ጸሚዱ ካብ ልምዓት ስለዘብኮረኒ ክጠፍእ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ስለዘለዎ ንዘተ ሰላም ግምት ከምዘይህቦ እዩ ዘረድእ።

“ስርዓት ኢሳይያስ ንህወሓት ኣጥፊኡ ስልጣኑ ንኸናውሕ እዩ ንመንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶም ኵናት ዝሸሞም ዘሎ። ንኣቢይ እውን ኣብ ዘተ ሰላም ንኸይርዕም ዓቢይ ጸቕጢ ከምዝገብረሉ እዩ ዝርድኣኒ፡” ይብል።

ዶክተር ኣቢይ፡ ኣብቲ ፈለማ ንመራሕቲ ወያነ ኣብ ሕጊ ከየቕረብኩዎም ኣይድቅስን እየ'ኳ ይብል እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ኣብ ፓርላማ ክሳብ ግብረ ሽበራዊ ጉጀለ ምስ ዝበሎ ውድብ ኮፍ ኢሉ ክላዘብ ተገዲዱ ምህላው ጋዜጠኛ ማሕሙድ ይገልጽ።

“ኣቢይ ኵሉ ነገራቱ ክርእዮ እንከለኹ፡ ተዓጻጻፍን ፕራግማቲክ [ግብራዊ] ኣተሓሳስባ ዘለዎ ይመስል። ድሕሪ ልዝብ ካብቲ ክመጽእ ዝኽእል ነገራት ሓደ፡ ብርግጸኛነት ክዝረብ ዝክኣል’ኳ እንተዘይኰነ፡ ትግራዎት ሕቶ ምንጻል ከልዕሉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ዘረባታት ብሰፊሕ ከም ዝስማዕ እውን ማሕሙድ የረድእ።

ኣተሓሒዙ፡ “እዚ ግን ንኤርትራ ዓቢይ ሻቕላ ዝፈጥር እዩ፣ እታ እትምስረት ትግራይ ኣየናይ መሬት ሒዛ እያ ክትፍለ ዝብልን ካልእን ስክፍታታት ይፈጥር እዩ፤ እዚ ናይ ነዊሕ ስትራተጂ’ኳ እንተመሰለ ከም ሓደ ሲናርዮ ክለዓል ተኽእሎ ከም ዘሎ፡” ይጠቅስ።

[ማሕሙድ፡ ኣብ ዝምድናታት ወጻኢ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መጽናዕቲ ዝገበረን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ዓርብኛን ፈረንሳን፡ ከም ምዱብን ‘ፍሪላንሰርን’ ኰይኑ ዝሰርሐ፡ ንፖለቲካዊ ኵነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዕምቈት ዝከታተልን ዝጸሓፈን ምኵር ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ጸሓፍን እዩ።

ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ ከኣ፡ ንፖለቲካውን ቁጠባውን ኵነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብዕምቆት ዝከታተል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲታት ኣፍሪቃ፡ ኤወሮጳ ኣመሪካን ካናዳን ዝመሃረ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክን ዝምህር ዘሎ ናይ ቁጠባ ምሁርን ተመራማርን እዩ። ]