እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ዝጽንክር ዘሎ ኲናት ቅዝፈት ሰላማውያን ሰባት ከየስዕብ ተሰጊኡ
ሓይልታት ትግራይ ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ከተማታት እንተተደፊኦም፡ ህልቂት ሰላማውያን ከጋጥም ከምዝኽእል ዲፕሎማሰኛታት የጠንቅቝ ኣለዉ።
እቲ ኲናት ተጋዲዱ ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ፡ ቀረብ መግብን መድሃኒትን ይውዳእ ከምዘሎ ነበርቲ ይገልጹ።
ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብወገኑ፡ ከተማታት ዒላማ ብዘይፈለየ ይድብደባ ከምዘለዋ ሓቢሩ።
ዶ/ር ቴድሮስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ፡ ሰላማውያን ሰባት ይቕተሉ ከምዘለዉን ዝቘሰሉ እውን ብሰንኪ ዕጽዋ መድሃኒት ሰለዘየለ ክድሕኑ ከምዘይክእሉን ገሊጹ።
ትግራይ ንኣስታት 1 ዓመትን ፈረቓን ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ዘላ ኰይና፡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣብ ነሓሰ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ከቢድ ኲናት ይካየድ ኣሎ።
እቲ ጐንጺ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ናይ ሽምግልና ሓላፍነት ወሲዱ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ኲናት ደው ከብሉን ናብ ሰላማዊ ዘተ ክምለሱን ጸዊዑ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብታ ቀጻሊን ጽዑቕን ደብዳብት ዝፍጸመላ ዘሎ ከተማ ሽረ፡ ሓደ ንህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ህጹጽ ሓገዝ ምግቢ ዘከፋፍል ዝነበረ ሰራሕተኛ ኣይ ኣር ሲ፡ ብደብዳብ ከምዝተቐተለ ይዝከር።
ሓላፊ ፖሊሲ ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ በቲ ኣብ ሽረ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ከምዝተሻቐለ ገሊጹ እዩ።
ሓላፊት ዩ ኤስ ኤ ኣይ ዲ ሳማንታ ፓወር ብተመሳሳሊ፡ ብሰንኪ ጐንጺ ሚልዮናት ተፈናቐልቲ ዝተዓቘቡለን ማእከላት እውን ግዳይ መጥቃዕቲ ይዀና ከምዘለዋ ገሊጻ።
እታ ሓላፊት፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን በቲ ኣብዚ እዋን ዘካይድዎ ዘለዉ ወፍሪ ነተን ማእከላት እንተተቘጻጺሮምወን “ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ተወሳኺ በደልን ቅትለትን ንኸጋጥም ከቢድ ሓደጋ ኣሎ” ኢላ።
ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ሓደ ነባራይ ከተማ መቐለ፡ ኣብታ ከተማ ዳርጋ ቀረብ ምግቢ ከምዘየለ ገሊጹ።
ብሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን በደል ክበጽሐና እዩ ዘበላ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ከይተረፋ፡ ናብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ይጽንበራ ከምዘለዋ እቲ ነባራይ ገሊጹ፤ እዚ ኸኣ ተጋሩ መስመር ምክልኻሎም ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ከይስበር ዘለዎም ስግኣት ከምዘመላኽት እዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ ኒው፡ ፐሮፌሰር መጽናዕቲ ግርጭታት ዝዀነ ፕሮፌሰር ሸቲል ትሮንቮል፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምክልኻል መስመራት ሓይልታት ትግራይ ንምስባር ቅዲ ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ “በዝሒ ማዕበላዊ ሓይሊ ሰብ” ይጥቀሙ ከምዘለዉ ይገልጽ።
እቲ ተንታኒ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብዚ እዋን እቲ ዝዓበየ ኲናት፡ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዘይኮነስ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ትግራይ ዘካይድዎ ዘለዉ ወፍሪ ከምዝዀነ ሓቢሩ።
ኣብቲ ኲናት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰራዊት ይሳተፉ ከምዘለዉ ዝግምት ትሮንቮል፡ “እቲ ህልቂት ዘስካሕክሕ እዩ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣስታት 100 ሽሕ ዝዀኑ ሃሊቘም እዮም” ክብል ጽሒፉ።