እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዓዲ ዳዕሮ እንታይ እዩ ተፈጺሙ?
ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር ሓያለ ሰባት ከምዝተቐትሉ ካብቲ ክልል ዝወጹ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብቲ ብሰሉስ ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ዝተባህለ ከተማ ዝተኻየደ ደብዳብ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓደ ሰራሕተኛ ዓለምለኻዊ ትካል ሰብኣዊ ረዲኤት ካብ ከተማ ሽረ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ቴሌቪዢን ናይቲ ክልል ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብ"ተደጋገሚ" ከምዝተኻየደን፡ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዘውረደን ሓቢሩ።
ኣብቲ ቦታ መራኸቢታት ብምቍራጹን ጋዜጠኛታት ናብቲ ክልል ከይኣትዉ ስለዝተኸልከሉን ብዛዕባ'ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።
እቲ ሰራሕተኛ ረዲኤት ከምዝበሎ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ ሰባት ብኣንቡላንስ ናብ ሆስፒታላት ክወሰዱ ከምዝራኣየ ጠቒሱ።
"ትማሊ ሓንቲ ኣምቡላንስ ቁሱላት ሒዛ ብጥቓ ዝሰርሓሉ ቤት ጽሕፈት ክትሓልፍ ርእየ ኣለኹ" ክብል ነቲ ኩነታት ብቐረባ ከምዘረጋገጾ ጠቒሱ። እቶም ቁሱላት ናብ ሆስፒታል ሽረ ከምዝተወስዱ ሓበሬታ ከምዘለዎ'ውን ተዛሪቡ።
ሰብመዚ ትግራይ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተፈጸመን፡ "ሓያለ ሰባት ከምዝተቐትሉን፡ ብዙሓት ካልኦት ከምዝቖሰሉን" ሓቢሮም።
እቲ መጥቃዕቲ ብሓይሊ ኣየር ኤርትራ ከምዝተፈጸመ'ውን መራሕቲ ትግራይ ከሲሶም ኣለዉ።
ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ዝምልከት ዝተዋህበ መግለጺ የለን።
እንተኾነ ግን፡ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ክልል ተደጋጋሚ ደብዳባት ነፈርቲ ውግእን ከምኡ'ውን ሰብኣልቦ ነፈርቲን (ድሮናት) ካከይድ ምጽንሑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ሓደ ሰብ ክቕተል እንከሎ ሓያሎ ካልኦት ከምዝቖሰሉ ነበርትን ሰብ ሞያ ሕክምናን ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ተኻይዱ'ኳ እንተነበረ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ግን፡ ብዝተፈላለየ ኣንፈታት ውግእ ከምዝተወልዐ ይግለጽ።
ቢቢሲ ዳግማይ ምውላዕ ናይቲ ኲናት ዝእምት ዓቢ ወተሃዳዊ ምንቅስቓስ ዘርኢ ብናይ ሳተላይት ስእልታት ዝተሰነየ ጸብጻብ ኣውጺኡ'ሎ።
ኣብዚ ወርሒ’ዚ ዝተወስደ ስእልታት፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝገብሮ ዘሎ ኵናት ዝድግፍ፡ ኣብቲ ንኢትዮጵያን ንኤርትራን ዘዳውብ ቦታ ዝተኣኻኸበ ሰራዊትን ወተሃደራዊ ነቑጣታትን የርኢ።
ኤርትራ ኣብ ቀረባ እዋን ዕቑር ሰራዊታ ከምዘኽተተት ይዝከር።
ብ13 መስከረም ቅድሚ እዚ ስእሊ ሳተላይት ምውሳዱ፡ ሓላፊ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንመራኸቢ ብዙሃን 'ቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ሽራሮ ክሳብ ኣድመይቲ ተቘጻጺሮሞ ኣለው" ኢሉ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን እዚ ሽራሮ ኣብ ኢድ መን ከምዘላ ንጹር ኣይኰነን። እቲ ኣብ ሽረን ከባቢኡን ንዓለም ለኸ ትካል ረድኤት ዝሰርሕ፡ "ኵነታት መዓልታዊ እዩ ዝቀያየር ዘሎ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ እቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ወተሃደራት ኤርትራ ሻቕሎት ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ "ሰራዊት ኤርትራ ደው ክብሉ ኣለዎም" ኢሉ ነይሩ።
ሰብመዚ ኤርትራ ብወገኖም ነቲ ዝቐርበሎም ነቐፌታታት ብምቅዋም፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ሃቐነ ከምዘለዎም ይኸሱ።
ዓለማዊ ፕሮግራም ምግቢ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ’ዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ፡ ኣስታት 13 ሚልዮን ሰባት ረድኤት ከምዘድልዮም ይሕብር ።
ነቲ ሂወት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ቀዚፉ ዘሎ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ጭቡጥ ፍረ ኣየምጸአን።