‘ኣብ መቐለ ዝተካየዱ መጥቃዕትታት ድሮን ንተስፋ ሰላም ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ እዮም’ ኣውሮጳዊ ሕብረት

ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን]፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ዘሎ ተስፋ ዳግም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ብምባል ኰኒኑ።

ኢምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ብሩስልስ፡ ቤልጂም ብወገኑ፡ ብመግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ዝገለጸ ዀይኑ፡ "ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብህወሓት ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ኣመልኪቱ ትሒም ኣይበለን" ብምባል ከሲሱ።

እቲ ኢምባሲ፡ ሕዚ'ውን ብኣፍሪቃ ሕብረት ዝምእዘን ዘተ ሰላም ንምስታፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድልው ምዃኑ ሓቢሩ።

ሕብረት ኣውሮጳ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ትግራይ ተጻብኦታት ደው ብምባል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመርሖ ዝርርብ ሰላም ንምስታፍ ዘርኣዮ ድልውነት፡ እቲ ግጭት ጠጠው ንምባል፣ ኣብ ልዝብ ዝተሞርኰሰ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦን ቀጥታዊ ዝርርባትን ንክብጻሕ ዕድላት ክኸፍት ምተገብአ ኢሉ።

ይኹን’ምበር፡ “እቶም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ድሮን፡ ዳግም ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ዝነበረ ተስፋ ኣብ ሓደጋ የውድቑዎ ኣለው” ክብል ስግኣቱ ገሊጹ።

ትማሊ ረፋድ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመን ብሰንኩ ህይወት ሰብ ከም ዝጠፍአን ሓካይም ሆስፒታል ዓይደር ገሊጾም።

ብሰሉስ’ውን ካልእ መጥቃዕቲ ድሮን ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ መቐለ ዩኒቨርሲቲን ትካል ቴሌቪዥንን ሬድዮን ድምጺ ወያነን ዒላማ ከም ዝዀኑ ሰብ መዚ እቲ ክልል ከሲሶም።

መንግስቲ ፌደራል፡ ዛጊት ብዛዕባ እቶም ዝቐርቡ ዘለው ክስታት መጥቃዕታት ድሮን ምላሽ ኣይሃበን።

ኣብ ትግራይ ኣገልግሎታት ቴሌኮም ተቛሪጾም ብምህላዎም ድማ ነዚ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ምርግጋጽ ኣይተኻእለን።

እቲ ኲናት ዳግም ኣብ ዝተወልዓሉ ሰሙን ግን፡ ማእከላይ መንግስቲ ህዝቢ “ካብ ወተሃደራዊ ዒላማታት” ክርሕቕ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ሰብ መዚ ትግራይ፡ ኣብቶም ክሳብ ሕጂ ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ሲቪላውያን ግዳያት ይዀኑ ምህላዎም ይዛረቡ።

መራሕቲ ትግራይ ብ1 መስከረም 2015 ዓ.ም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ልዝብ ምቹእ ኩነታት ንምፍጣር ስምምዕ ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦ ንክግበር ድልየት ከም ዘለዎም ኣመልኪቶም ኣለው።

ነቲ ኲናት ደው ንምባል፡ ብሸምጋልነት እቲ ሕብረት ኣብ ዝግበር ዝርርብ ሰላም ንምስታፍ ድልየት ከም ዘለዎ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ነዚ መራሕቲ ትግራይ ዘቕረቡዎ ሓሳብ ኣመልኪቱ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ መልሲ የለን።

እቲ ኲናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግም ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ክቋረጽ እንከሎ፡ እዚ ኣብ መነባብሮ ስቪላውያን፣ ቁጠባን ዕብየትን እታ ሃገር ከቢድ ጽልዋ ይፈጥር ኣሎ ይብል።

እቲ ብመገዲ ኣፈኛ እቲ ሕብረት ዝወጽአ መግለጺ “ተራ ኤርትራ ሕጂ’ውን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ንዝግበር ጻዕርታት ይዕንቅፍ ኣሎ” ኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምምጻእ ሰላማዊ ልዝባት ብሕታዊ ኣማራጺ ምዃኖም’ውን ዘዘኻኸረ እቲ ሕብረት፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦ ንክበጽሑን ተጻብኦታት ጠጠው ንከብሉን ሓገዝ ከም ዝገብር ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ቀጺሉ ዝነበረ ምቁራጽ ተጻብኦ ፈሪሱ፡ ናብ ካልእ ዙር ኲናት ካብ ዝኣትዉ ኣስታት ሰለስተ ሰሙናት ተቖጺሮም ኣለዉ፡፡

ነቲ ኲናት ዳግም መን ጀሚርዎ ኣብ ዝብል፡ ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ይካሰሱ።

ማሕበረሰብ ዓለም ክልቲኦም ወገናት ናብ ልዝብ ንክመጽኡ ጻዕርታት ይገብር ከም ዘሎ ይገልጽ።

እቲ ኲናት ናበይ’ዩ ከምርሕ?

እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ’ዩ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክኣ፡ እቲ ናይ ሕጂ ሓዊሱ ሰለስተ ዙር ውግኣት ተኻይዶም።

እቲ ሳልሳይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግም ቅድሚ ምውልዑ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ህድእ ኢሉ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ እዋን፡ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ንምዝርራብ ክሽምግሉ ጻዕሪ ዝገብሩ ዝነበሩ ኣካላት ዝሰመረሎም ኣይመስልን።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለውን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ከም ዘሎን ይግለጽ።

መራሕቲ ትግራይ፡ ብርክት ብዝበሉ ግንባራት ሰፋሕቲ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለውን ኣብ ከተማ መቐለ ተደጋጋሚ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ይፍጸም ከም ዘሎን ይገልጹ።

ብሸነኽ መንግስቲ ፌደራል ግን ነዚ ኲናት ኣመልኪቱ ዝተባህለ ነገር የለን።

መንግስቲ ኰነ መራሕቲ ትግራይ፡ እቲ ኲናት ብልዝብ ንክፍታሕ ድልየት ከም ዘለዎም እኳ እንተ ኣፍለጡ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ዝርኣዩ ዘለው ክስተታት ግን ክልቲኦም ወገናት ናብ ጠረጴዛ ሰላም ዘብጽሖም ስጉምቲ ይወስዱ ከም ዘየለው ዘመላኽቱ ከም ዝዀኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።