'ኣብ ትግራይ ሓድሽ ግፍዕታት ከይፍፀም ሻቕሎት ተፈጢሩ ኣሎ' - ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ተጣሒሱ ኲናት ትግራይ ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ፡ ተጓሃሂሩ ይቕጽል ብምህላው፡ ኣብታ ክልል ዝርከቡ ሲቪላውያን ግዳይ መጥቃዕትታት ከይኮኑ ሰጊኦም ከምዘለው ኣምነስቲ ሓቢሩ። 

እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ነዚ ዝገለጸ፡ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ንሰላማውያን ግዳይ ከይገብሩ ንምጽዋዕ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ እዩ። 

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሲቪላውያን፡ መቕተልቲ፡ ጾታዊ ዓመጽን ካልእን ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊኦም ከይፍጸም ሰጊኦም ከምዝርከቡ’ውን እቲ ኣህጉራዊ ተሓላቒ መሰላት ኣፍሊጡ። 

ኣብቲ ትካል ዳይሬክተር ምብራቕን ደቡባውን ኣፍሪቃ፡ ሙሌያ ምዋንያዳ “ሲቪላት ተጋሩ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ክሳብ ሰነ 2021 ነዞም ከባብታት ተቖፃፂሮምሉ ኣብ ዝነበሩእዋን ዝተፈፀሙ ዘይሕጋዊ ቅትለት፣ ፆታዊ ዓመፅን መጠነ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን፡ እንደገና ሕዚ ኣብ ልዕኦም ክፍፀሙ ይኽእሉ እዮም ኣብ ዝብል ሻቕሎት እዮም ዝርከቡ” ምባላ መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ጸብጺቡ።

እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተነቢሩ ዝፀንሐ ምቁራፅ ተፃብኦታት ድሕሪ ምፍራሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ሓያል ኵናት ይካየድ ኣሎ።

ብሰሉስ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ሰራዊት ሰራዊት ኤርትራ፣ ሚሊሻታት ፋኖን ኣምሓራን ነታ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ እትርከብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ተቖፃፂሮም እዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ከተማ ሽረ ብተወሳኺ፡ ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን እውን ከም ዝተቖፃፀረ ይገልፅ።

መራሕቲ ትግራይ ግና፡ ብረቡዕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ከተማ ኮረም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከም ትርከብ'ዮም ገሊጾም ኔሮም።

ኣብ ወርሒ ነሓሰን መስከረምን ኣብ መቐለን ዓዲ ዳዕሮን ብዝተፈፀሙ ተደጋጋሚ ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ህፃናት ዝርከብዎም ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ጸብጻቡ ገሊፁ።

ካብ 6 ክሳብ 12 መስከረም 2022 ኣብ ዘሎ እዋን፡ እቲ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌደራል ተሰሊፉ ይዋጋእ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ከተማ ሸራሮ ን 40 ሰባት ከም ዝረሸነ ኣምነስቲ ኣፍሊጡ። ካብዚኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝርከብዎም ድማ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከተማታት ውግእ እንከይገበርኩ እየ ነተን ከተማታት ተቖፃፂረየን፡ ጉድኣት ዜጋታት ንምንካይ እውን እፅዕር ኣለኹ እኳ እንተበለ፡ ፀብፃብ እዚ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ግና፡ መንግስቲ ነዚ ኣብ ግምት ከም ዘየእተወ ይኸስስ።

ወተሃደራውን ሲቪላትን ሰብመዚ፡ ብሓይልታቶም ዝፍፀም ገበናት ኵናት ናይ ምክልኻልን ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብን ግቡእ ከም ዘለዎም ክግንዘቡ ይግባእ ዝበለ ኣምነስቲ፡ “ነዚ ተግባራዊ ዘይምግባር ናይዞም ገበናት ተሓባበርቲ’ዩ ዝገብሮም” ኢሉ።

ኣብዚ ኵናት ግህሰታት ዝፈፀሙ ሓይልታት ፀጥታ ዘይምቕፃዕ፡ ዝያዳ ገበናት ክፍፅሙ ከምዘተባብዕ ዝሓበረ እዚ ትካል፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝሰነዶም ገበናት ኵናትን ኣንፃር ሰብኣውነት ዝፍፀሙ ገበናትን፡ ዳግማይ ክፍፀሙ ክፍቀድ ከም ዘይግባእ ኣፍሊጡ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ መግለፂኡ፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ኵናትን ዝተሳተፉ ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ክእግዱን ብህፁፅ ምርመራ ክካየድን ከረጋግፁ ይግባእ፡ ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ክኣቱ ክፈቕዱ ፀዊዑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ምስ ትካላት ረድኤት ብምትሕብባር፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክባጻሕ ከም ዝገብር ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልገሎታት ስልኪ፣ ባንኪ፣ መብራህትን ሕክምናን ተቛሪፆም ብምህላዎም ሓበሬታታት ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ።