ምዝራፍ መንእሰይ ጸጋ በላቸው ኣብ ከተማ ሃዋሳ፡ ዘንቀሎ ስክፍታታት

ተመሃሪት ጸጋ ንመዓልታት ደሃያ ከይተፈልጠ'ዩ ጸኒሑ

ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያን ስሩዓት መራኸብቲ ሓፋሽን ብሰፊሑ ከዘራርብ ዝቐነየ ዘረፋ ጸጋ በላቸው ዝተባህለት ተመሃሪት እዩ።

ንመዓልታት ድሃያ ከይተፈልጠ ክጸንሕ እንከሎ፡ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ “ጸጋ ኣበይ ኣላ? ፍትሒ ንጸጋ” እናበሉ ስእልታታ ክዝርግሑ ቀንዮም።

ብ24 ግንቦት 2015 ዓ.ም ጸጋ ካብቲ ዝዘረፋ ውልቀሰብ ናጻ ብምውጻእ ናብ ሃዋሳ ከም ዝተመልሰት ስድርኣን ፖሊስን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ቢቢሲ ነዚ ጸብጻብ ኣብ ዘዳልወሉ እዋን ግን እቲ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ከም ዘይኣተወ’ዩ ተገሊጹ።

ብ15 ግንቦት 2015 ዓ.ም ጸጋ በላቸው ካብ ስራሕ ወጺኣ ናብ ውልቃዊ ጉዳያታ ኣብ እትኸደሉ እዋን “ኣሮጌ መነሃሪያ” ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ከም ዝተዘረፈት ተገሊጹ ነይሩ።

ጸጋ ምዝራፋ ምስ ተሰምዐ፡ ፖሊስ ክትትል ክገብር ከም ዝጸንሐን ብዝተፈላለየ መገዲ ተሓባበርቲ እቲ ተግባር ነይሮም ዝተባህሉ ኣዲኣ ሓዊስካ ዓሰርተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝውዓሉን ቢቢሲ ካብ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

እንታዩ'ዩ ኣጋጢሙዋ?

ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ንጸጋ በላቸው ዝዘረፈ ኣባል ፖሊስ፡ ስድራቤታ እቶም ንሽምግልና ዝልእዀም ሽማግለታት ንክቕበሉዎም ኣፈራሪሑዎም እዩ።

እዚ ውልቀሰብ፡ ናብ ሓዋ እናደወለ ሽማግለ ተቐበሉ ኢሉ የፈራርሖም ምህላው ስድራቤታ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም።

እዚ ጥርጡር፡ ኣባል ፖሊስን ውልቃዊ ዋርድያ ከንቲባ ከተማ ሃዋሳን ከም ዝዀነ ይግለጽ።

ዘረፋ “ኣብ ከተማ ፍቕሪ” ሃዋሳ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ 2001 ዓ.ም ጀሚሩ ነባሪ እታ ከተማ ከም ዝዀነን ንድሕነቱ ብዝብል ሽሙ ዘይንጠቕሶን ሓደ ነባሪ እታ ከተማ ጉዳይ ጸጋ ኣብ ማዕከናት ሓበሬታ ብምውጽኡ እምበር ካልኦት ብዙሓት ንብዓተን ክሕበስ ዘይተካእለ ግዳያት ዘረፋ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘለዋ ይዛረብ።

ኣብ ድሕሪት ዞባ ኢንዳስትሪ ሃዋሳ፡ መናእሰይ ኣብ ባጃጅን ሞተር ሳይክልን ኰይኖም ሓንቲ ተመሃሪት 12 ክፍሊ ተኸታቲሎም ክዘርፉዋ ክብሉ እንከለው ሓቢሮምዋ ዝነበሩ ተመሃሮ ከም ዘድሓኑዋ ይገልጽ።

ንሱ ወሲኹ፡ እታ ተመሃሪት ትምህርታ ብኣግባቡ ክትከታተል ብዘይምኽኣላ ካብቲ ከባቢ ክትርሕቕ ከም ዝወሰነት ሓቢሩ።

“ቅድሚ ሕጂ እኰ ከምዚ ኣይነበረን” ዝብል እዚ ውልቀሰብ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ከምዚ ዓይነት ገበን እናወሰኸ ምምጽኡ ገሊጹ።

“ኣብቲ ክልል ካብ ዝርከባ ገጠር ወረዳታት ብዙሓት ናብ ከተማ ይመጽኡ እዮም። ኣብ ማእከል ከተማ ገዛ ተኻሪኻ ምንባር ስለ ዝኸብድ ኣብ ወሰና ወሰን ናብ ዝርከቡ ከባቢታት ክኸዱ ይመርጹ። እዚ ድማ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ገበናት ንክውስኹ ዝገበረ ይመስለኒ” ክብል ውልቃዊ ርኢይትኡ ሂቡ።

ነበርቲ ክፍለ ከተማ ፉላ ዝዀና ካልኦት ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ከም ዝዀና ዝዛረብ እዚ ውልቀሰብ፡ ምስ ተዘረፋ ጉዳየን ብሽምግልና ከም ዝተትሓዘን ኣብ ሞንጐ ጥንሲ ስለ ዘጋጠመ ካብ ድልየተን ወጻእ ኣብ ዝዀነ ሓዳር ከም ዝተሸመማን ይገልጽ።

መናእሰይን ኮተቴን ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ፣ ካብ ስራሕ ናብ ገዝአን ኣብ ዝኸዳሉ ኣብ ማእኸል መገዲ ወይ ኣብ ቤተክርስትያን ከም ዝዝረፋ ዝዛረብ እዚ ውልቀሰብ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ በጺሑ’ዩ ብምባል ስግኣቱ ይገልጽ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብ17 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ዙርያ ከተማ ሃዋሳ ዘረፋን ካልኦት መጥቃዕታትን እናወሰኸ ምምጽኡ ገሊጹ ነይሩ።

ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዝወሃቡ ውሳነታት ክሳብ መወዳእታ ከም ዘይፍጸሙን መርመራ ገበን ምስ ተጀመረ ከምኡ’ውን ክሲ ምስ ተመስረተ እቲ መስርሕ ተቛሪጹ እቲ ጉዳይ ብሽምግልና ክውዳእ ከም ዝግበር’ውን ሓቢሩ።

እቲ ኮሚሽን ካብ ሸውዓተ ወረዳታት ክልል ሲዳማ ምስ ዝተወጻጽኣ ደቂ ኣንስትዮ ወከልቲ ፓርላማ ህጻናት ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ዓበይቲ ዓዲ ተግባራት ዘረፋን ካልኦት ጎዳእቲ ነገራትን ክፍጸሙ እንከለው እቲ ጉዳይ ብባህላዊ ስርዓት ዕርቂ ክፍታሕ ሰፊሕ ጸቕጢ ከም ዝገበሩ ገሊጹ።

እዚኦም፡ ኢድ ብምእታዎምን መርመራ ገበን ወይ ክሲ ንክቋረጽ ኣብ ዝገብሩ ፈጸምቲ ኣካላት ሕጊ ስጉምቲ ስነ ምግባር ክውሰድ ዘይምኽኣሉን ድማ እቲ ገበን ንክሰፍሕ ምኽንያት ከም ዝኰነ ጠቒሱ።

ኣተሓባባሪት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሰብ ሞያ ሕጊ ኢትዮጵያ ሃዋሳ ሰላማዊት ካሳዬ ብወገና፡ “ብፍላይ ካብ ቀረባ ግዜያት ናብዚ ከምዚ ዓይነት ነገራት (ምስ ዘረፋ ዝተሓሓዙ) ይወስኹ’ዮም ዘለው” ኢላ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ እታ ከተማ’ውን፡ “ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ/ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብታ ከተማ ልዑል ቁጽሪ ዘለዎ ዘረፋ ተፈጺሙ እዩ” ክብል የረድእ።

ቢቢሲ፡ ካብ ኣመሓደርቲ እታ ከተማን ቢሮ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ክልልን ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

በዓልቲ ሞያ ሕጊ ሰላማዊት፡ ጸጋ ቅድሚ ምዝራፋ ቅድሚ 15 መዓልታት ሓንቲ ተመሃሪት ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ካብ በሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝተዘረፈት ትዝክር።

“እቲ ጉዳይ ሽፋን ሚዲያ ብዘይምርካቡ እዩ እምበር፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ተዘሪፈን ናብ ዘይደልዮ ሓዳር ክኣትዋ ይግበር እዩ” ትብል።

እቶም ኣብታ ከተማ ዝፍጠሩ ዘረፋታት ድማ ምስ ባህሊ ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘለዎም ትዛረብ።

“ኣብታ ከተማ ልዕሊ ሕጊ ንሽምግልናን ባህላዊ ዕርቅን እዩ ዓብዪ ቦታ ዝወሃቦ። ልዕሊ ሕጊ . . . ብዝርርብ፣ ዕርቂ ወይ’ውን ብምፍርራሕ ምፍታሕ ልሙድ እዩ” ብምባል፡ እዚ ድማ እቲ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ዘሎ ኣካል ሽምግልና ተጠቂሙ ዝፍጽሞ ተግባር ከም ዝዀነ ተረድእ።

ኣብ ከተማ ሃዋሳ ምኽትል ሓላፊት መምርሒ ህጻናትን መናእሰይን ዝዀነት ቅድስት ለሜ፡ እቲ ተግባር “ሓሓሊፉ” ዝፍጸም እዩ ብምባል ከምዚኦም ዝበሉ ክስተታት ናብ ቤት ጽሕፈታ ሪፖርት ክግበር እንከሎ ክትትል ከም ዝግበር እያ ትገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣመራርሓ እታ ከተማ ዝነበረ ውልቀሰብ ኣብ ተግባር ዘረፋ ተሳቲፉ ስለ ዝተረኽበ ካብ ስልጣኑ ክለግስን ብሕጊ ክሕተትን ምግባሮም ብኣብነት ተልዕል።

ሰላማዊት ግን፡ ሓለፍቲ ጸጥታ መንግስትን ኣካላት ጸጥታን ኣብቲ ተግባር ዝሳተፉ ብምዃኖም እቲ ጉዳይ ክኸብድ ከም ዝገበሮ ተረድእ።