ኣብ ስነ-ተዋልዶ ጽልዋ ዘሕድሩ ዘለዉ ሰብ ሰርሖ ኬሚካላት

ዕሸላት ብከባቢያዊ ብከላ ንእሽቶ መትሎ ሒዞም ክውለዱ ክገብር ይኽእል’ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰብ ዝሰርሖም ኬሚካላት ኣብዛ ፕላኔት ዕንወት የውርድ ከም ዘሎ ኩላትና ንፈልጦ ኢና። ኣብ 2021 ኣብ ጽልዋ ኬሚካላት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ግን ንፍርያምነትና ከይተረፈ ይጸልዉ ከም ዘለዉ የጠንቅቕ።

ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ሆስፒታል ማውንት ሲናይ ክኢላ ከባብያውን ስነ-ተዋልዶኣዊን ሕክምና ዝኾነት ዶክተር ሻና ስዋን፡ ህሉው ኣንፈታት ንህይወት ደቂ ሰባት ኣብ ሓደጋ ከየእተወ ብዙሕ ክቕጽል ከም ዘይኽእል ትገልጽ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓለምና መኻንነት ደቂ ተባዕትዮ ብዓቢኡ ይውስኽ ከም ዘሎን ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ምንካይ ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምዃኑ ተመራመርቲ ይገልጹ።

ዶክተር ሳራ ማርቲንስ ዳ ሲልቫ፡ "ዝኾነት ሰብ ክጠንስ ዘይክእለሉ ዓለም እሞ ሕሰቡ። ህዝቢ ይኣርግ ኣሎ። ምጽናት ዘርኢ ወዲሰብ የጋጥመና ኣሎ - እዚ ኩሉ ድማ ብሰንኪ መኻንነት ደቂ ተባዕትዮ’ዩ" ኢላ ነይራ። ንሳ፡ ሓንቲ ካብተን ቢቢሲ ኣብ 2019 ጽልዋ ዘለወንን ዝበለን 100 ደቂኣንስትዮ እያ።

ኣብ ኣብ ስነ-ተዋልዶ ደቂ ሰባት ስግኣት ሓደጋ ዝፈጥር ዘሎ ምንካይ ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዘስዕቦ መኻንነት ጥራይ ኣይኮነን፤ ሰብ ሰርሖ ኬሚካላት’ውን ካልእ ተወሳኺ ጸገም ከስዕቡ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ ኣሎ።

ዶክተር ሻና ስዋን፡ ‘ካውንት ዳውን’ ኣብ እትብል መጽሓፋ፡ ንፕላስቲክ ልስሉስን ተዓጻጻፍን ንምግባር ዝውዕሉ ፍታሌትስ ዝተባህሉ ኬሚካላት ኣብ መጠን ፍርያምነት ደቂ ሰባት ህላወኣዊ ቅልውላው የስዕቡ ከም ዘለዉ ትምጉት።

ንሳ፡ ብሰንኪ እቶም ኣብ ፕላስቲክ ዝርከቡ ኬሚካላት፡ ዕሸላት ቅኑዕ ቅርጺ ዘይብሎም ብልዕቲ ሒዞም ክውለዱን ምስ ጥንስን ሕርስን ዝተኣሳሰሩ ጸገማት ከስዕቡን ከም ዝኽእሉ ትገልጽ።

“እቶም ንጾታዊ ሆርሞናት ኣካላትና - ከም ቴስቶስትሮንን ኢስትሮጅንን - ክዕንቅፉ ወይ ክመስሉ ዝኽእሉ” ኬሚካላት ኣብ ጥዕና ስነ-ተዋልዶ ዘሕድርዎ ጽልዋ ዓቢ ስክፍታ ከም ዝፈጠረ ን’ዘ ጋርዲያን’ ኣብ ዝሃበቶ ቃለ መሕትት ሓቢራ።

እቶም ኬሚካላት ንኣካላት፡ “እኹል ሆርሞን ከም ዘሎን ካብዚ ንላዕሊ ምፍራይ ኣየድልይን’ዩ ኢሉ ከምዝሓስብን ክገብርዎ ይኽእሉ’ዮም፤ ስለዚ ፍርያት [እቶም ሆሮሞናት] ይንኪ” ትብል።

ዶክተር ሻና፡ "ዘመናዊ ዓለም፡ ብኸመይ ንቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ሓደጋ ከም ዘውድቕን፤ ንዕብየት ምፍራይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብምርባሽ መጻኢ ዘርኢ ወዲ ሰብ ኣብ ሓደጋ ከም ዘእቱን" መርሚራ’ያ።

ከም ውጽኢቱ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዓለምና ዘሎ ብከላ፡ ቁጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዕሸላት ንእሽቶ ብልዕቲ (መትሎ) ሒዞም ይውለዱ ከም ዘለዉ ዶክተር ስዋን ኣብታ መጽሓፋ ሓቢራ።

ዶክተር ስዋን፡ ኣብ ኣናጹ ዘካየደቶ መጽናዕቲ፡ ኣብ ማህጸን ዝርከቡ ዕሸላት ንፍታሌት እንተተቓሊዖም፡ ሓጺር ኣኖጀኒታል (ካብ መሃንቱስ ክሳብ መሰረት መትሎ ዘሎ ርሕቀት) ሒዞም ክውለዱ ከም ዝኽእሉ ኣመልኪቱ። እዚ ድማ፡ ምስ ዓቐን ብልዕቲ ስለ ዝተኣሳሰር፡ እቶም ኣናጹ፡ ካብቲ ግብኡ ዓቐን ዝንእስ መትሎ ሒዞም ከምዝውለዱ ክገብር ይኽእል’ዩ።

ፍታሌት ኬሚካላት፡ ብቐንዱ ፋብሪካታት ንፕላስቲክ ዝያዳ ተዓጻጻፊን ልስሉስን ንምግባር ዝጥቀሙሎም’ኳ እንተኾኑ፡ ብመጻወቲ፡ መግብን ካልኦትን ኣቢሎም ናብ ከባቢና እናተሓወሱ ግን ኣብ ዕብየት ደቂ ሰባት ጽልዋ የሕድሩ ከም ዘለዉ ዶክተር ሻና ትገልጽ።

“ኣብ ምፍራይ፡ ምምስራሕን ምዕሻግን መግቢ ልስሉስ ፕላስቲክ ስለ እንጥቀም፡ ብቐንዱ ብመግቢ ኢና ንቃላዕ” ትብል።

ብሰንኪ እቶም ኬሚካላት ቴስቶስትሮን ስለ ዝንኪ ብቐንዱ ንደቂ ተባዕትዮ ይጸልዉ፤ ቁጽሪ ዘርኢ ተባዕታይ ክንኪ፡ ድሌት ጾታዊ ርክብ ክትሕትን ብኣግኡ ጕርዝውና ክመጽእን ይኽእል።

ደቂ ኣንስትዮ’ውን፡ ብኣግኡ ንጽገት ማህደረ እንቋቝሖ፡ ምኻድ ጥንስን ቅድሚ ግዜኡ ሕርስን ከጋጥመን ከም ዝኽእል ዶክተር ሻን ትዛረብ።

ኣብ 2045፡ ብዙሓት መጻምድቲ ሓገዝ ምፍራይ (ስነ-ተዋልዶ) ክጥቀሙ ክግደዱ ይኽእሉ - ዶክተር ሻና ስዋን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2045፡ ብዙሓት መጻምድቲ ሓገዝ ምፍራይ (ስነ-ተዋልዶ) ክጥቀሙ ክግደዱ ይኽእሉ - ዶክተር ሻና ስዋን

እቲ ፕላስቲክ ተሪር ንምግባር ዝውዕልን ኣብ መትሓዚታትን ገለ ዝተዓሸጉ መግቢ ዝርከብን ቢስፌኖልኤ (BPA) እውን ካልእ ጽልዋ ዘለዎ ኬሚካል ከም ዝኾነ ወሲኻ ትገልጽ።

ቢስፌኖል ኤ፡ ንኢስትሮጅን ዘምስልን ፍርያምነት ብምቕናስ ንደቂ ኣንስትዮ ዝጸልውን’ዩ።

ብተመሳሳሊ ነዚ ከሜካል ዝተቓልዑ ደቂ ተባዕትዮ፡ ዝነከየ ጽሬት ዘርኢን ድሌት ጾታዊ ርክብን፡ ከምኡ’ውን ልዑል መጠን ልምሰት ጾታዊ ርክብ ከም ዝህልዎም ይግለጽ።

እታ ዶክተር፡ ሃልሃልታ ዝዓግቱን ከም ኣትራዚን ዝኣመሰሉ ገለ ጸረ-ባልዕን ካልኦት ዘተሓሳስቡ ኬሚካላት ከም ዝኾኑ ትሕብር።

'ፍታሌት' ኬሚካላት እንታይ እዮም?

ፍታሌት እንብሎም ከም መጻወቲ ህጻናት፡ ኮላ፡ ናውቲ መንጽሂ፡ ተወሰኽቲ መዐቀቢ መግቢ፡ ቅብኣት ዘይቲ፡ መዐሸጊ መግቢ፡ ፍርያት ሕክምና፡ ናይ ደም ቦርሳ፡ ቱቦ፡ ወዘተ ንምስራሕ ዝውዕሉ ጉጅለ ኬሚካላት እዮም።

እዞም ኬሚካላት ከም ኣዝማልቶ፡ ኣብ ጸጉሪ ዝንጸጉ ፈሰስቲ፡ ድሕሪ ምልጻይ ጭሕሚ ዝቕብኡ ቅብኣታት፡ ሳሙና፡ ሻምፖ፡ መጥፍእ ሕማቕ ሽታ፡ ሽቶን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ፍርያት መመላኽዒ ንምስራሕ’ውን ይውዕሉ።

ብተወሳኺ፡ እቲ መበረዚ መመላኽዒታትን ካልኦት ፍርያትን ዝኾነ ፖሊቪኒል ክሎራይድ (PVC) ንምስራሕ የገልግሉ።

ካብ መጽናዕቲ ዶክተር ሻና ብተወሳኺ፡ መጠን መትሎ ክውስኑ ዝኽእሉ ካልኦት ጠንቂታት ኣለዉ ድዮም?

ምላሽ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት እወታዊ’ዩ።

ጠንቂታት ምንካይ ዓቐን መትሎ እንታይ እዮም?

መብዛሕትኡ ግዜ፡ መትሎ፡ ኣብ መጀመርታ 20ታት’ዩ ዕብየቱ ዘቋርጽ። ኣብ ዝቕጽሉ ሓያሎ ዓመታት ድማ ብዙሕ ለውጢ ኣየርእን።

ኣብ መላእ ኣካላትና ኣብ ዝርከቡ መትረባት ደም ጽላት ስብሒ ክእከብን መጠን ቴስቶስትሮን ክንክን ምስ ጀመረ ግን (ብፍላይ ኣብ 40ታት ዕድመ)፡ ኣብ መትሎ ዝመጽእ ለውጢ ክርአ ይኽእል።

ጾታዊ ርክብን ዝምድናታትን ደቂ ሰባት ንምዕባይን ንምድንፋዕን ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ መጽናዕቲ ዘካይድ ኢንስቲትዩት ኲንስ፡ ኣብ መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ንውሓት ንወሲብ ዝተቐረበ መትሎ ካብ 12 ክሳብ 16 ሴንቲ ሜተር ከም ዝኾነን ካብ 10 ክሳብ 12 ሴንቲ ሜተር ማእከላይ ዙርያ ከም ዘለዎን ይሕብር።

ሓደ መትሎ ወዲ ተባዕታይ ካብቲ ንቡር መጠኑ ክቕንስ እንከሎ ድማ፡ ምንካይ መጠን ወይ ዓቐን መትሎ ይበሃል።

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት መትሎ ወዲ ተባዕታይ ዓቐኑ ክንኪ ከም ዝኽእል ከኣ ክኢላታት ይገልጹ።

ዕድመ

ዕድመ ወዲ ተባዕታይ እናወሰኸ ምስ ከደ፡ ኣብ መትረባት ደም ስብሒ ክእከብ ይጅምር።

እዚ ድማ ናብ መትሎ ዝበጽሕ ዝነበረ ዋሕዚ ደም ስለዝጎድልን ዋህዮ ጭዋዳታትን መትረባትን ስለዝዳኸም፡ መትሎ፡ ከምቲ ዝግባእ ክቐንዕ ኣይክእልን።

እኹል ዋሕዚ ደም እንተዘይሃልዩ ከኣ እቶም መትረባት መትሎ ብደም ኣይመልኡን ማለት እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ውሱን ውትረት ዝህሉ።

ስለዚ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ዕድመ ክውስኽ እንከሎ ዓቐን መትሎን ፍረ-ነብሲን ብኣንጻሩ እናነከየ ይኸይድ።

ልዕሊ ዓቐን ክብደት ምውሳኽ

ኣብ ከባቢ ከስዐ ዝመጽእ ምውሳኽ ክብደት ሰብነት ብፍላይ ኣብ ምውሳኽ ዕድመ ንብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ሓያል ስክፍታ ይፈጥረሎም።

ወዲ ተባዕታይ ልዕሊ ዓቐን ክብደት ሰብነት እንተወሲኹ፡ መትሎኡ ንእሽቶ መሲሉ ክርአ ይኽእል’ዩ። እንተኾነ፡ መጠኑ ነክዩ ማለት ኣይኮነን።

መትሎ ምስ መንደቕ ከብዲ ተተሓሒዙ ስለዘሎ፡ ከስዐ ምስ ዝዓቢ፡ እቲ መትሎ ናብ ውሽጢ ከምዝሰሓብ ይገብሮ። ክብደት እንተ ነክዩ ግን መትሎኡ ናብቲ ዝነበሮ ቅርጹን ዓቐኑን ክምለስ ይኽእል።

ክኢላታት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 15 ኪሎ ወሰኽ ክብደት ሰብነት፡ ንውሓት መትሎ ብኣስታት 2.5 ሴንቲሜተር ከም ዝንኪ ይግምቱ።

ብተወሳኺ ምስ ዕቤትን ክብደት ሰብነትን እቲ ናብ መትሎ ዝውሕዝ ደም ስለዝንኪ መትሎ ከምቲ ዝግባእ ክቐንዕ ኣይክእልን።

መጥባሕቲ 'ፕሮስቴት'

መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ መጥባሕቲ ምእላይ መንሽሮ ዘለዎ ጽኪ ፕሮስቴት (radical prostatectomy) ዝገበሩ ደቂ ተባዕትዮ፡ ገለ ምጉዳል መጠን መትሎ ከጋጥሞም ይኽእል።

ሓደ ኣብ ኢንተርናሽናል ጆርናል ኦቭ ኢምፕተንስ ሪሰርች ዝወጽአ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ 71 ሚእታዊት ካብቶም ሱር በተኻዊ ምቑራጽ ፕሮስቴት ዝገበሩ ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ መትሎኦም ገለ ምንካይ መጠን ከም ዘጋጠሞም ኣረጋጊጹ።

ይኹን እምበር፡ ተመራመርቲ ድሕሪ ሱር በተኻዊ ምቑራጽ ፕሮስቴት፡ ንምንታይ ምንካይ መትሎ ከም ዘጋጥም ምሉእ ብምሉእ ኣይፈልጡን።

ገለ ተመራመርቲ፡ ጠንቂ እቲ ምንካይ፡ እቲ ምስ ፍሕኛ ዘራኽብ ሻምብቆ ሽንቲ ኣብ እዋን መጥባሕቲ ስለ ዝሓጽር ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምቱ።

ብዝተኻእለ መጠን ዘይተመስርሑ መግብታት ምብላዕ፡ ፕላስቲክ ዘስዕቦ ተቓላዕነት ንምንካይ ይሕግዝ - ዶክተር ሻና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብዝተኻእለ መጠን ዘይተመስርሑ መግብታት ምብላዕ፡ ፕላስቲክ ዘስዕቦ ተቓላዕነት ንምንካይ ይሕግዝ - ዶክተር ሻና

መድሃኒታት

ምንካይ መጠን መትሎ ከስዕቡ ዝኽእሉ ገለ መድሃኒታት'ውን ኣለዉ።

እዞም መድሃኒታት እዚኦም፡ ንሕጽረት ኣቓልቦ ወይ ንልዕሊ ዓቐን ምንቅስቓስ ዝእዘዝ ኣደራል ዝተበሃለ መድሃኒት፡ ገለ ጸረ-ጭንቀትን ጸረ-ኣእምሮኣዊ ሕማማትን፡ ከምኡ’ውን ዝሓበጠ ፕሮስቴት ንምፍዋስ ዝእዘዙ ገለ መድሃኒታት ይርከብዎም።

ኣብ 2012 ኣብ ጆርናል ኦፍ ሴክሹዋል ሜዲሲን ዝተዘርግሐ ሓደ መጽናዕቲ፡ ገለ ካብቶም ንዝሓበጠ ፕሮስቴት ንምፍዋስ ፊናስተራይድ ዝበሃል መድሃኒት ዝወስዱ ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ መጠን መትሎን ስምዒቶምን ምንካይ ከም ዘጋጠሞም ሓቢሮም።

ሽጋራ ምትካኽ

ካብ ምትካኽ ሽጋራ ዝመጽኡ ኬሚካላት፡ ኣብ መትሎ ንዝርከቡ ሰራውር ደም ክጎድኡን፡ መትሎ ብደም ከይመልእን ከይዝርጋሕን ይዓግቱ።

እቲ ጾታዊ ምልዕዓልን ኣብ ሓንጎል ዘስዕቦ ጽልዋን ብዘየገድስ፡ ሰራውር ደም እንተተጎዲኡ፡ መትሎ ብግቡእ ክቐንዕ ኣይክእልን።

ኣብ 1998 ብዩኒቨርሲቲ ሕክምና ቦስተን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ 200 ዝቐንዐ መትሎታት ደቂ ተባዕትዮ መርመራ ኣካይዱ።

ኣትከኽቲ ሽጋራ ምስቶም ዘየትክኹ ደቂ ተባዕትዮ ክነጻጸሩ ከለዉ፡ ዝሓጸረ ውትረት መትሎ ከም ዝህልዎም ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

ተመራመርቲ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሽጋራ ምትካኽ ንዋሕዚ ደም ብምዕጋት መትሎ ንኸይዝርጋሕን መጠን ንውሓቱ ከምዝንኪ ክገብር ከም ዝኾእል ይኣምኑ።

ካልኦት መጽናዕቲታት፡ ሽጋራ ምትካኽ ምስ ልምሰት ጾታዊ ርክብ (ED) እውን ከም ዝተኣሳሰር ይሕብሩ።

ኣማራጺታት ሕክምና እንታይ እዮም?

ጠንቂ ምንካይ መትሎ መድሃኒት እንተኾይኑ፡ መፍቲሕኡ ምስ ሓኪም ብምዝርራብ መድሃኒት ምቕያር ክኸውን ይኽእል።

ዝያዳ ጥዑይ ኣነባብራ ክህልወና ብምግባር’ውን እቲ ጸገም ክፍታሕ ይኽእል፤ ብፍላይ መንቀሊኡ ሽጋራ ምትካኽን ምውሳኽ ክብደት ሰብነትን እንተኾይኑ።

ንኣብነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታር፡ መኣዛዊ ኣመጋግባ ምብላዕ፡ ሽጋራ ዘይምትካኽ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮላዊ መስተ ዘይምውሳድን ሓፈሻዊ ጥዕና ንምምሕያሽ ስጉምትታት ምውሳድን መጠኑ ዝነከየ መትሎ ናብ ዝነበሮ ኩነታት ንኽምለስ ክሕግዙ ይኽእሉ።

ድሕሪ ምእላይ ፕሮስቴት ዘጋጠመ እንተኾይኑ ድማ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ክሳዕ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ባዕሉ ክመሓየሽ ይኽእል’ዩ።

መትሎኡ ዝነከየ ኮይኡ ዝተሰመዖ፡ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ቃንዛ፡ ወይ ካልእ ጾታዊ ጸገማት ዘጋጠሞ፡ ወይ ብዛዕባ መንሽሮ ስክፍታ ዘለዎ ዝኾነ ወዲ ተባዕታይ፡ ምስ ሓኪሙ ክዘራረብ ይምከር።