ሓሙሽተ ጠንቅታት መኻንነት ደቂ ተባዕትዮን መፍትሒታቶምን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓለምና መኻንነት ደቂ ተባዕትዮ ብዓቢኡ ይውስኽ ኣሎ።
ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ዘሰንብድ ምንካይ ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምዃኑ ተመራመርቲ ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ዘፍስስዎ ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብ51 ሚእታዊት ከምዝነከየ መረዳእታ የመልክት።
እዚ ሓበሬታ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ብ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ እብራይስጥን ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ሕክምናዊ ዩኒቨርሲቲ ሲና ማውንቴንን ካብ ዘሕተምዎ ናይ ሓባር መጽናዕቲ ዝተረኽበ እዩ።
እቶም ተመራመርቲ፡ ደቂ ሓምሳ ዓመት ደቂ ተባዕትዮ፡ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሓደ ሚሊሊተር ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብውሑዱ 101 ሚልዮን ፍረ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከም ዘሎ ረኺቦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እዚ ኣሃዝ ናብ 49 ሚልዮን ወሪዱ ኣሎ።
ብዘይካ እቲ ብዝሒ፡ ጽሬት ናይቶም ናብ እንቋቑሖ ጓል ኣንስተይቲ ክኣትዉ ዝኽእሉ ዋህዮታት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ነክዩ እዩ።
“እቲ ኣዝዩ ዘገርም ነገር፡ ምግዳብ ምንቅስቓስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እዩ። እቲ ምንቅስቓስ ደው እንተኢሉ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ክጎድል እዩ" ይብል ምክትል ፕረዚደንት ማሕበር ሳይንሳዊ ደገፍ ፍርያምነት ኣብ ብራዚል ራፋኤል ራዳኤሊ።
ምንካይ ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ትሑት ጽሬትን ድሩት ምንቅስቓስን ኣብ ሰብ ሞያ ጥዕና ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
“ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ፤ እዚ ናበይ ክወስደና ከም ዝኽእል ዘይምፍላጥና ዘተሓሳስብ'ዩ" ይብል ኣተሓባባሪ ንፍረ ደቂ ተባዕትዮ ዘጽንዕ ማሕበር ዩሮሎጂ ብራዚል ኤድዋርዶ ሚራንዳ።
ኣብ ኩለን ኣህጉራት ምንካይ ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እኳ እንተተራእየ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ ግን ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምኽንያት ምንካይ መጠን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እንታይ እዩ?
ክኢላታት፡ እንተወሓደ ሓሙሽተ ምኽንያታት ይሕብሩ። ይኹን እምበር፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ከይንስንብድ ይዛረቡ። እቲ ጽቡቕ ነገር ነዚ ንድሕሪት ንምምላስ ወይ ንምንካይ ዝሕግዙ መንገድታት ኣለዉ።
1. ርጒዲ
ደቂ ተባዕትዮ ልዕሊ ዓቐን ክብደት ምስ ዝህልዎም፡ ኣብ ዋህዮታት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ጎዳኢ ኩነታት የስዕብ።
ኣብ መላእ ኣካላትና ስብሒ ዝዕቅብ ቲሹ ብዝለዓለ ደረጃ ክዓቢ ይገብሮ። እዚ ድማ ዋህዮታት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ሆርሞናት ንዝኾነ ቴስቶስትሮን ብቐጥታ ዝጸሉ መርዛማት ነገራት ከም ዘፍርዩ ይገብሮም።
ብመሰረት ሚራንዳ፡ ስብሒ፡ ኣብ ኣካላትና ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዋህዮታት ዝጎድኡ 'ኦክሲዳቲቭ ስትሬስ' ዝበሃል መስርሕ የስዕብ።
“ከምኡ’ውን ልዕሊ ዓቐን ክብደት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ብልዕቶም ዝያዳ ስብሒ ይቕመጥ፤ እዚ ንሰፐርማቶዞኣ (ዘርኢ ደቂ ተባዕትዮ) ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ" ይብል እቲ ክኢላ።
ዋህዮታት ምፍራይ ዝፍጠሩሉን ኣብ ኣካላትና ዝኽዘኑሉን ፍርንጭት፡ ብግቡእ ንኽሰርሕ ካብ ሙቐት ኣካላት ካብ 1 ክሳብ 2 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ትሒቱ ክጸንሕ ኣለዎ።
ስለዚ ድማ እዩ ዘርኢ ደቂ ሰባት ተነጺሎም ዝተፈጥሩ።
ስብሒ ኣካላትና ምውሳኽ ንኣካላት መፍረ ካብ መጠን ንላዕሊ ብምውዓይ፡ ብግቡእ ስራሕ ደው ከብሉ ይገብሮም።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ 39 ሚእታዊት ርጉዲ ዘለዎም ክኾኑ ከለዉ፡ 11 ሚእታዊት ድማ ካብ ዓቐን ዝሓለፈ ርጎድ ዘለዎም እዮም። እዚ ኣሃዝ እዚ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ንዝተራእየ ምንቁልቋል ቁጽሪ ‘ስፐርማቶዞኣ’ ንምግላጽ ጽቡቕ መርኣዪ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
2. ወልፊ
ኣልኮላዊ መስተ፡ ሽጋራ፡ ቬፒንግ፡ ማሪዋና፡ ኮኬይን፡ ኣናቦሊክስ፡ ስቴሮይድ... ኩሎም እዞም ዕጸፋርስ፡ መነቓቕሒታት ብዙሕ ህዝቢ እዛ ዓለም ዝጥቀመሎም ኮይኖም ኩሎም ሓደ ዘመሳሰሎም ነገር ኣለዎም።
እንታይ ምዃኑ ትፈልጡ'ዶ? ኩሎም ንጥዕና ዋህዮታት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ይጸልዉ።
"ገለ ካብ ዞምንጥረ ነገራት ብቐጥታ ነቶም ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዘፍርዩ ዋህዮታት ይጸልዉ" ይብል ሚራንዳ።
ካልኦት ድማ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ይጽለዉ። ንፍርያት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዘነቓቕሑ ሆርሞናት ይፍንዉ።
ብፍላይ ክኢላታት ዝጠቐስዎ ጉዳይ፡ ደቂ ተባዕትዮ ጭዋዳታቶም ንምጽቃጥ መርፍእ ቴስቶስትሮን፡ ጀልን ከኒናን ዝወስዱሉ ጉዳይ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ጉዳይ ሆርሞናት ንምህናጽ ጭዋዳታት ብዘሰንብድን ዘፍርሕን መንገዲ ንዓለምና ኣዕለቕሊቑዋ ኣሎ።
ብዘይ ንጹር ምኽንያት ንቴስቶስትሮን ብኣርቲፊሻል ክቕይሮ ከሎ፡ ኣካላትና ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ምፍራይ ኣድላዪ ከምዘይኮነ ይሓስብ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ፍረ-ነብሲ ዜሮ ይበጽሕ። እዚ ሕማም ‘ኣዞስፐርሚያ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕማም እዩ።
3. ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት
ከም ፍንጣጣን ሽኮርያን ዝኣመሰሉ ረኽስታት ባክተርያ ኣብ ቫስ ዲፈረንስ (ጽምዲ ተሪርን ረጒድን መንደቕ ዘለዎም ጭዋዳዊ ሻምብቆታት) ነድሪ ከስዕቡ ይኽእሉ።
እዚ ድማ ኣብ ዋህዮታት ዘርኢወዲ ተባዕታይ ሓደጋ የስዕብ።
ኣብ 2020 ጥራይ ውድብ ጥዕና ዓለም 129 ሚልዮን ሰባት ብሕማም ፍንጣጣ ከምዝተለኽፉን 82 ሚልዮን ድማ ብሕማም ሽኮርያ ከምዝተጠቕዑን ኣፍሊጡ።
እዚ ቁጽሪ እዚ ኣይነከየን። ወይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ከይተረፈ ወሲኹ።
ካልኦት ተመራመርቲ፡ ቫይረስ ፓፒሎማ ሰብ ወይ ብሓጺሩ ኤች.ፒ.ቪ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ምዃኑ ይሕብሩ።
እዚ ሕማም ንዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንጀነቲካዊ ኣቃውማ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እውን ከም ዝጸሉ ይንገር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
4. ኮምፒተር ኣብ ሕቚፊ ምቕማጥ
ዘርኢ ወዲ ሰብ ካብ 1 ክሳብ 2 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ትሕቲ ሙቐት ኣካላት ክጸንሕ ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ሰለፍካ ኮምፕዩተር ሒዝካ ምስራሕ፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ኣእትይዎ ኣሎ።
እተን ኮምፒዩተራት ምስ ዝውዕያ ናብ ኣካላትና ይመሓላለፋ እሞ ነቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ "ክበስል" ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ የብጽሓኦ።
ብመሰረት ሚራንዳ፡ ካልኦት ምስ ልዑል ሙቐት ዝተኣሳሰሩ ልምድታት እውን ንፍርያምነት ሓደጋታት የስዕቡ።
ካልኦት እቲ ክኢላ ዝጠቐሶም ጎናዊ ሳዕቤናት፡ ነዊሕ ውዑይ ሻወር ምውሳድ፡ ነዊሕ እዋን ኣብ ውዑይ ሳውና ምጽናሕ ይርከብዎም።
ብተወሳኺ፡ ዋላ እኳ እቲ ምኽንያት እንተዘይተፈልጠ፡ ከም ዋይፋይን ኤሌክትሮኒካዊ ማዕበላትን፡ ንዋህዮታት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እውን ከም ዝጸልዉ ይግለጽ።
5. ምዕፋን ኢንዶክራይን
ኣብ ኣካላትና ዝርከብ ስርዓተ ኢንዶክራይን ብዝተሓላለኸ መርበብ ጽክታትን ኣካላትን ዝቖመ እዩ።
ንናይ ኢንዶክራይን ስርዓት ዝዘርጉ መርዛማት ውህደታት ኣብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እውን ናይ ገዛእ ርእሶም ጽልዋ ኣለዎም።
እዚኦም ድማ ብከላታት ከባቢ ኣየር፡ ፕላስቲክን ጸረ-ባልዕን ይርከብዎም።
እዞም ንጥረ ነገራት እዚኣቶም ምስቲ ኣብ ኣካላትና ዝርከቡ ሆርሞናት ዝመሳሰል ኣቃውማ ስለ ዘለዎም፡ ናብ ተቐበልቲ ዋህዮታት ኣትዮም ዘይተደልየ ምላሽ ከስዕቡ ይኽእሉ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ እዞም ንጥረ ነገራት ኣብ ኣካላትና ዝገብርዎ ለውጢ ንፍርያምነት ደቂ ተባዕትዮ ይጸልዎ።
ይኹን እምበር ነዚ ፀገም ብርግፅ ንምፍላጥ ብዙሓት መፅናዕትታት ይካየዱ ከምዘለዉ ተገሊፁ እዩ።
ብዘይካ’ቲ ትሑት ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዘስዕቡ ከባብያውን ባህርያውን ጠንቅታት፡ ካልኦት ክልተ ረቛሒታት’ውን ኣለዉ።
እቲ ቀዳማይ ጀነቲክስ እዩ።
ካብ 10 ክሳብ 30 ሚእታዊት ናይ መኻንነት ሕሙማት ምስ ጸገም ዲኤንኤ ወዲ ተባዕታይ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይግመት።
እቲ ካልኣይ ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰር እዩ። ደቂ ተባዕትዮ እናዓበዩ ምስ ከዱ ኣቦ ክኾኑ ምስ ዘለዎም ድሌት ርክብ ኣለዎ።
“ፍርያምነት ምስ ዕድመ ከም ዝንኪ ንፈልጥ ኢና። ምንካይ ፍርያምነት ደቂ ተባዕትዮ ከም ናይ ደቂ ኣንስትዮ ርኡይ እኳ እንተዘይኮነ፡ ንፍርያት ዋህዮታት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣገደስቲ ዝኾኑ ሆርሞናት ግን እናነከዩ ይመጹ ኣለዉ” ክብል ይገልጽ።
ብሓፈሻ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ መኻንነት እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ እኳ እንተገለጸ፡ ምምጻእ ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት ግን ነቲ ጸገማት ክፈትሖ ከምዝኽእል ተስፋ ይግበር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መፍትሒታት እንታይ እዮም?
ውላድ ክወልድ ዝደልዩ ወዲ ተባዕትዮ፡ ኣብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዝበጽሕ ዝኾነ ይኹን ጉድኣት ንምምላስ ኣብ መይላ ኣነባብራ ለውጢ ክገብር ይግባእ።
ካብቶም ክኢላታት ዝመኽርዎም ነገራት፡ ሚዛናዊ ኣመጋግባ ብምምጋብን ምንቅስቓስ ኣካላት ብምግባርን፡ ከምኡ'ውን ኣልኮላዊ መስተ፡ ሽጋራን ካልኦት መነቓቕሒታት ብምንካይ ወይ ብምቁራጽ ክብደት ሰብነት ምጉዳል ይርከብዎም።
ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ጾታዊ ርክብ እትፍጽም እንተኾይንካ ኩሉ ግዜ ኮንዶም ክትጥም ኣለካ ይብሉ።
ከም ረስኒን ሽኮርያን ዝኣመሰሉ ተላባዕቲ ሕማማት ንኸይትጥቃዕ ኣብ ኣመጋግባ ለውጢ ክትገብር ይምከር።
ኣብ መጀመርታ ዕድመ ንእስነቶም ክታበት ኤች.ፒ.ቪ ዝወስዱ ውልቀሰባት እውን ንገዛእ ርእሶም እቲ ቫይረስ ኣብ ዲኤንኤኦም ከስዕቦ ካብ ዝኽእል ጉድኣት ይከላኸሉ።
ተወሳኺ ቪታሚናት ብምውሳድን ሆርሞናትካ ብምክትታልን ኩነታቶካ ክትምርምር ይግባእ።
እዚ ኩሉ ናይ ኣነባብራ ልምድታት እንተቐይርካን ክትወልድ እንተጸጊምካን ናብ ሰብ ሞያ ጥዕና ክትከድ ይመኽሩ።
ከምኡ’ውን ናይ ሕማም ጸገም እንተኾይኑ ብመድሃኒት ወይ ብመጥባሕቲ ክእረም ከም ዝኽእል ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







