እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕሮፈሰር ተኽለ ወልደሚኪኤል፡ ብዛዕባ ጸገማት ምሁራዊ ምርምር ኣብ ኤርትራ
ንነዊሕ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝመሃረን ዝነብርን መምህርን ተመራማርን ፕሮፈሰር ተኽለ ወልደሚኪኤል፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ መምህራን ዩኒቨርሲቲ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ጸቕጥን ፍርሕን፡ ገጽ መንግስቲ እናረኣዩ ስለዝሰርሑ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ኤርትራ ዘሎ ሓቂ ከጽንዑን ክመራመሩን ወይ ከኣ ብዛዕባኡ ብጽሑፍ ከቕርቡን ክምህሩን ከምዘይክእሉ ይሕብር።
ምሁራን ኣብ ሕብረተሰብ ንዘጓንፍ ጸገማት ይዅን ዓወት ከንጸባርቝ ሓላፍነት’ኳ እንተለዎም ኣብ ኤርትራ ግን ዋላ እውን እቶም ንፍርሕን ጸቕጥን በዲሆም ኣብ ሓቂ ረጊጾም ንህልው ኵነታት ብነቐፌታ ክገጥምዎ ዝፍትኑ ተመራመርቲ፡ ንመንግስቲ ዘማርሩ ውሑዳት ኣይኰኑን ይብል ፕሮፈሰር ተኽለ።
“ኣብ ምሉእ ዓለም፡ እንተላይ ኣብ ኤርትራ፡ ምርምር ድሙዕ ዝኸውንን ውጽኢት ዝርከቦን ብሸነኽ መንግስቲ ንምርምር ተጻዋርነትን ኣኽብሮትን ምስ ዝህሉን ተመራመርቲ ኸኣ ብዘይ ቀይዲ-መንግስቲ ከይፈርሑ ኣብ ሕብረተሰብ ምስ ዝንቀሳቐሱ’ዮም፡” ይብል ተመራማሪ ተኽለ ወልደሚኪኤል።
ምሁራት ብናጽነት ክሰርሑ ዕድል እንተረኺቦም ብቝዕ ምርምራዊ ውጽኢት ይርከቦ’ሞ ከም መስትያት ኰይኑ የገልግል።
ንሱ ከኣ ነቶም ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ብብሩህን ርትዓውን ስትራተጂ ንኽሰርሑ የኽእሎም ብማለት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገማት ይገልጽ።
ፕሮፈሰር ተኽለ ወልደሚኪኤል መን’ዩ?
ተኽለ ወልደሚኪኤል ፕሮፈሰር ስነ-ማሕበረሰብን ኣህጕራዊ መጽናዕትን እዩ።
“ኣብ ምምህርናን ምርምርን ዘሎኒ ተልእኾ ንተመሃሮይ ብምርምርን መጽናዕትን ህየሳዊ ኣቀራርባን (ኣብ ህልዊ ማሕበራዊ ዛዕባታት) ንኸማዕብሉ ምትብባዕ’ዩ” ይብል።
ፕሮፈሰር ተኽለ ኣብ ብርክት ዝበሉ ሃገራት - ሕ.መ.ኣ፡ ሃገራት ካሪብያን፡ ሱዳን፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ - ሰሪሑ’ዩ፣ ብስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ከኣ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ኣካዪዱ’ዩ።
ፕሮፈሰር ተኽለ፡ ኣብ ቻፕማን ዩኒቨርሲቲ (ኣብ ካሊፎርንያ - ሕ.መ.ኣ) ከም ሓላፊ ክፍሊ ሶስየሎጂ (መጽናዕቲ ማሕበረሰ) ኰይኑ ንነዊሕ እዋን ዘገልገለ፡ ቅድሚኡ’ውን ኣብ ብርክት ዝበሉ ዩኒቨርሲታት ዝመሃረ ምኵር መምህር’ዩ።
በቶም ዘካየዶም ምርምራት ብርክት ዝበሉ ጽሑፋት ኣብ ዝተፈላለዩ መዛግብ ምርምር (ጆርናል) ከስፍር ዝበቕዐ፡ ከምኡ’ውን ኣሰናዳኢ ናይ ፍሉያት ኣካደምያዊ መጽሔታት (the Journal of Eastern African Studies, Africa Today Journal, The American Sociologist) ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ።
ፕሮፈሰር ተኽለ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ’ውን ክደርስ በቒዑ’ዩ። ሓንቲ ካብተን ድሒሩ ዘሕተማ መጽሕፉ “ጽ’ባሕ ናጽነት ኤርትራ (Postliberation Eritrea) ዘርእስታ ኰይና፡ ምስ ካልኦት ተመራመርቲ ብጾቱ ብምዃን ኣብ 2019 ዘዳለዋ እያ።
ትሕዝቶኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኰይኑ፡ ኣብ ድሕ-ናጽነት ዝተኸሰቱ ጸገማት ብምትኳር ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ሃገር ትጽቢታት-ህዝቢ ከም ዝተጠልሙ እትሕብር መጽናዕታዊት መጽሓፍ’ያ።
ፕሮፈሰር ተኽለ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ከባቢ ገዛ-ከኒሻ’ዩ ተወሊዱን ዓብዩን፤ ኣብ ቤት-ትምህርቲ እንዳ-ማርያም ከኣ ተማሂሩ። ኣቦኡ ኣብ መደበር ቤት-ዕዮ ነይሩዎም፣ ብጊዜ ንእስነቱ ድማ ሓሓሊፉ ንኣቦኡ ክሕግዞም ይዝከሮ።
ንመደበርን ከባቢኡን ክገልጽ እንከሎ ምስ ናፍቘቱ ይነብር ከም ዘሎ ካብ ዕላሉ ብቐሊሉ ክትርድኦ ይከኣል።
ነቶም ዝነበሮም ከባቢታት፡ ንኣስመራ ገጥ ኣቢሎም ብምሓዝ፡ ትንፋስ ዝሃብዋ ስፍራ ደርቢ-ሸቃላይ፡ ብሓበን’ዩ ዝገልጾ። ዕላሉ ካብ ገዛ ከኒሻ ጀሚሩ ክሳብ ሃዳሙ፡ ብዕዳጋ ዓርቢ ኣቢሉ፡ ንማይ ባውዛን፡ ቤት-ጊዮርጊስን ተር ኢሉ ይበጽሖም።
ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ መለለዪ ነቝጣታት - ከም እንዳ ኢንኮደ፡ መቓብር እንዳ-ማርያም፡ ቤት-ትምህርቲ መደበር፡ እንዳ ማሕበር ክንክን ረዲኤት ቈልዑ (እንዳ ሓኪም) - ክጽብጽብ ምስምዑ ኣብ ኣእምሮ-ሰማዒ ሕልሚ-መሰል ኣሳእል’ዩ ዝስእል።
ተኽለ ወዲ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ምስ ኰነ ቤተ-ሰቡ ንገዛ-ባንዳ ገዓዙ። ሽዑ ኣብ ቤት-ጊዮርጊስ፡ እቶም ዉሩይ መም. ኣማኑኤል ሓለቓ ቤት ትምህርቲ ዝነበርሉ እዋን ምዃኑ’ዩ፡ ተመዝጊቡ ትምህርቱ ቀጸለ።
ካብኡ ኸኣ ንኻልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ክከታተል ናብ ቤት ትምህርቲ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ (ቀ.ሃ.ስ) ሰገረ።
ኣብ ቀሃስ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ወዲኡ፡ መርመራ መእተዊ ዩኒቨርሲቲ ተፈቲኑ ብጽቡቕ ነጥቢ ስለ ዝሓለፈ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣተወ። ትምህርቱ ብግቡእ ወዲኡ ኸኣ ብስነ-ቝጠባ ተመረቐ።
ብኣጋጣሚ፡ ኣብ 1974 ሓደ ኣሜሪካዊ፡ ስነ-ከተማ ዘጽንዕ ተመራማሪ ንኵነታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከጽንዕ ምስ መጽአ፡ ተኽለ ምስኡ ክሰርሕ ጀመረ። እቲ መጽናዕቲ ብፎርድ-ፋውንደሽን ዝምወል ነበረ፤ ብኣጋጣሚ ኸኣ ምስቲ ኣሜሪካዊ ተመራማሪ ንኽሰርሕ ንኣሜሪካ ክግዕዝ ዕድል ረኸበ።
ናብ ኣሜሪካ ምስ ገዓዘ፡ ኣብ ክሊ ትምህርቲ ኣትዩ ሓድሽ ህይወት ጀመረ። ኣብ ሰላሳ ዕድመኡ ካብ ኖርዝ-ወስተርን ዩኒቨርሲቲ (North Western University) ብመጽናዕቲ ዛዕባ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ጸለምቲ ስደተኛታት ተመረቐ።
ፕሮፈሰር ተኽለ ብጸለምቲ ዲያስፖራ ብርክት ዝበሉ መጽናዕትታት ኣካየደ። ባህሊ፡ ስነጽሑፍ፡ መንነት-ጸለምቲ ኣዕሚቝ ክመራመር ብምኽኣሉ፡ በቲ ኣፍልጦ’ቲ ብዙሓት ብቝዓት ተመሃሮ ዘፍረየ ተመራማሪ’ዩ።
ፕሮፈሰር ተኽለ ኣብኡ ንኣርብዓ ዓመት ብምምሃር ዕዉት ህይወት ተጐናጸፈ፣ ሓዳር መስሪቱ ኸኣ ኣሰር-እግሩ ዝሰዓባ ክልተ ኣዋልድ ተዓደለ።
እቲ ስባር መስትያት
ብ1987 ተኽለ ብዛዕባ ኤርትራ ክመራመር ጀመረ፤ ኣብ ሜዳ ወሪዱ ነቲ ምንቅስቓስ ብቐረባ ንኽርእዮ ዕድል ስለ ዝረኸበ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብዛዕባ ኤርትራ’ውን ብርክት ዝበሉ ምርምራት ኣካየደ።
ኣብታ “ጽ’ባሕ ናጽነት” ዘርእስታ መጽሓፉ ትርጕምን ኣድላይነት ነጸብራቕ ነብስና ኣብ ትሕቲ ‘ስባር-መስትያት’ ዘርእስታ ምዕራፍ ኣጸቢቝ ገሊጹዎ ዘሎ። ንምሁራን ተመራመርቲ ከም መስትያት ሕብረተሰብ ገይሩ’ዩ ዝገልጾም።
ብርእይቶ ፕሮፈሰር ተኽለ፡ መንግስቲ ንምሁራን ስለ ዝነጽግ፡ ብዘይ’ቲ ነጸብራቘም ከኣ ስለ ዝሰርሕ እቶም ሽግራት ባዕሉ ይፈጥሮም ከም ዘሎ ይምጕት። እቲ ‘ስባር መስትያት’ ብዝብል ተጸውዖ ዘቕረቦ ምጕትን ዘስዕቦ ሽግርን ምስ ኣብነቱ ኣቕሪቡዎም ኣሎ።
ብምኽንያት ኣብ ውሽጢ ሃገር ተጻዊዱ ዝርከብ መንከላልኦ፡ ብዙሓት መምህራን ዩኒቨርሲቲ ይዅኑ ተስፋ ዝነበሮም ተመሃሮ ካብ ኤርትራ ንኽወጹ ደፋፊእዎም’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ብመምህራን ዩኒቨርሲቲ ዝካየዱ ህየሳውያን መጽናዕትታት ዳርጋ የለውን ክበሃል ይከኣል።
ምርምር ኣብ ኤርትራ ክድፍኣሉ ኣይከኣል’ምበር፡ ምሁራት ኤርትራውያን ኣብ ግዳም ኰይኖም ብርክት ዝበሉ ምርምራት ብዅሉ ሸነኻት ሃገር - ቍጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ - ተጊሆም ካብ ምክያድ ዓዲ ኣይወዕሉን’ዮም።
ንኣብነት ኵነታት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኰነ ንክስደዱ ዝደፍእዎም ኵነታት ንምጽናዕ ጸገም የለን - ስደተኛታት ኣብ ኵሉ ተዘሪኦም ስለ ዝርከቡ።
ኰይኑ ድማ እዅል መጽናዕትታት ተኻይዶምስ ብቝዓት መጻሕፍትን ሰነዳት ተዳልዮም’ዮም። መንግስቲ ግን በቶም መጽናዕትታት ተገዳስነት ስለ ዘይብሉ እቲ ሽግር መፍትሐ ከይተረኽቦ ይቕጽል ኣሎ፤ ኰይኑ ድማ ስደተኛታት ገና ንግዳም ይውሕዙ ኣለዉ።
ፕሮፈሰር ተኽለ ነቶም ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሮም ኣብ ሱዳን ከርተት ዝብሉ ዘለዉ ስደተኛታት ከም ኣብነት የቕርቦም። ኤርትራ ናጽነታ ረኺባ ካብ ዝበሃል ድሮ ሰላሳን ሓደን ዓመት ሓሊፉ ክነሱ እቶም ኣብ 60’ታት፡ 70’ታት፡ 80’ታት ዝተሰደዱ ዜጋታት ንምንታይ ከም ዘይተመልሱ መልሲ ኣሎዎ። በብእዋኑ ብዛዕባ እቶም ስደተኛታት ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ነይሮም’ዮም።
መንግስቲ ኤርትራ ግን ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኰነ ካልኦት ናይ ረዲኤት ማሕበራት ነቲ ጕዳይ ዘትዩ ክፈትሖ ኣይከኣለን። ርግጽ’ዩ፡ እቲ መጐተ ንዉሕ ኢሉ ሕልኽልኽ ዝበለ’ኳ እንተዀነ፡ እቶም ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣብ ካልኣይ/ሳልሳይ ወለዶ በጺሖም ይርከቡ።
ንውግእ ባድመ ዀነ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ኵነታት’ውን ከም ኣብነት የቕርቦም’ዩ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ንልዕሊ ዕስራ ዓመት (ድሕሪ እቲ ዉግእ - ብ2000 ብናይ ሰላም ውዕል ኣልጀርስ ካብ ዝዳነ ጀሚሩ) ኣይሰላም ኣይኲናት ኰይኑ ኣህዛብ ክልቲአን ሃገራት ብሰንፈላል ግደ መከራን ክሳራን ገይሩወን’ዩ።
መንግስታት ተሃላሊኾም ንግደ ህዝቢ ዋጋ ከይሃቡ ንነዊሕ ከርተት ኢሎም። ምሁር ተራ እንተዝህልዎ ነይሩ ዝተፈላለዩ መፍትሕታት ክእምት ምኸኣለ፤ ንሱ’ውን ኣይተገብረን።
ኣብ ኤርትራ ብናይ መራሕቲ ፖለቲካ ’ምበር፡ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየን ዝተኣታቶን መፍትሒ የለን። እቲ ስርዓት ይዅን ሕብረተሰብ ኤርትራ ነቐፌታዊ መጽናዕቲ ከም ኣንጻርነትን ከፋፋልን ስልቲ ገይሮም ስለ ዝወስድዎ ገና ግደ የብሉን።
ህዝቢ በቲ መንግስቲ ዝሓንጸጾ ተቐቢሉ ንኽጓዓዝ’ምበር ንተራ ህዝቢ ዘሳትፍ ክትዕ ከም ዘይድለ፣ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ነቲ ምሁር ምስ ህዝቢ ዘራኽቦ ዛዕባን ዕድላትን ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ” ኢሉ ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊርዎ ኣሎ።
ፕሮፈሰር ተኽለ ብዛዕባ ሓደ ጥዕና ዘለዎ ሕብረተሰብ ክገልጽ ከሎ፡ ምሁራን፡ ሕብረተሰብ ንኽጥዒ ዝጻወትዎ ተራ ዓቢ’ዩ ይብል፣ ብቝዕ መጽናዕቲ ንክካየድ ከኣ ናጻ ሕብረተሰብ ክህሉ የድሊ፤ ምኽንያቱ ተመራመርቲ ኣብ ናጻ ሕብረተሰብ ስለ ዝሰሓሉ፡ ይብል።
ቀጺሉ፡ መራሕቲ መንግስቲ ብመጽናዕትን ምርምርን ዝተሰነየ ርእይቶ ክሓቝፉ’ምበር ክነጽጉ ኣይግባእን ይብል። እቲ ስልጣን ብሒቱ ንህላዌኡ ክሕብሕብ ዝደሊ ኣካል ግን ንተመራመርቲ ከም ጸላእቲ ብምርኣይ ክሽድዶምን ከምክኖምን ኣይግባእን ክብል ርእይትኡ የቐምጥ። ስቕ ኢልካ ንመንግስቲ ምውዳስ ነቲ ስርዓት ኮነ ንህዝቢ ኣይጠቅምን እዩ ብዝብል ቃላት ይገልጾም።
ናጻ ዝዀነን ነቐፌታዊ ርእይቶ ነቲ ዝጋገ ከም ፈውሲ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ድማ ከም መስትያት ስለ ዘገልግልዎ፡ ኣብ ኤርትራ ናጻ መጽናዕትን ምርምርን ክተኣታቶ ይግባእ ንዝብል ሓቂ የስምረሉ።