ኲናት ዩክረይን፡ ሓድሽ ማዕበላዊ ደብዳብ ሩስያ ጉድኣት የውርድ

ደብዳብ ዘስዓቦ ዕንወት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሩስያ ኣብ ዘካየደቶ ሓድሽ ማዕበል ደብዳብ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ዓቢ ዕንወት ኣውሪዱ።

እቲ ሓያል መጥቃዕቲ ብልዕሊ 100 ሚሳይላት፡ ከምኡ'ውን 100 ሰብኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተኻየደ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ተዛሪቡ።

ሩስያ ብወገና፡ ኣብቲ ንመደበራት ጸዓት ንምዕናው ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዒላማታቱ ብንጹር ዝሃርም ምዕቡል ኣጽዋር ከምዝተጠቐመት ገሊጻ።

ድሕሪ'ቲ ክዘንብ ዝሓደረ ደብዳባት፡ ኣብ ሓያለ ከተማታት ኣገልግሎት መብራህትን ማይን ከምዘቋረጸ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣስታት 20 ሰብኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ርእሰከተማ ኪቭ ተሃሪመን ከምዝወደቓ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሰራዊት ዞባ ኪቭ ጀነራል ሰርሂ ፖፕኮ ገሊጹ።

ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝርከብ ገለርያታትን መንገዲ ባቡራትን ክሕብኡ ተገዲዶም ኣለዉ።

ኣብ ዞባ ኪቭ ዘሎ ማያዊ መመንጨዊ ጸዓት ዝርከቦ መደበራትን ትሕተ-ቅርጺ ማይን ከምዝተሃርመ ሰብመዚ ገሊጾም።

"ክርከብ ዝኽእል ኩሉ ትሕተ-ቅርጺ ዒላማ ብምግባር ንዩክረይን ክሳብ'ቲ ዝመጽእ ዘሎ ቀዝሒ ሓጋይ ናብ ጸልማት ንምእታዋ ዕላማ ዝገበረ'ዩ ዝመስለኒ" ክትብል ሓንቲ ኣባል ባይቶ ዩክረይን ተዛሪባ።

እቲ ደብዳባት ብውሕዱ ን15 ዞባታት ዝሸፈነ ምንባሩ ተፈሊጡ'ሎ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ጨናፍር መደበራት ኤለክትሪክሲቲን ጋዝን ከምዘዕነወ ጠቒሱ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ዝሃበኦ ምዕቡል ኣጽዋራት ንውሽጢ ሩስያ ዒላማ ክገብር ከፍቅዳሉ ጸዊዑ'ሎ።

እዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ ሩስያ፡ ድሕሪ'ቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ሓይልታት ዩክረይን ናብ ውሽጢ ሩስያ ብምእታው ዘካየድዎ ቀጻሊ መጥቃዕቲ'ዩ ዝካየድ ኣሎ።