እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሊንከንን ኣቢይ ኣሕመድን ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ዘትዮም
ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተራኺቦም ብዛዕባ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ብቕልጡፍ ዝወጽእሉ ኵነታት ተዘራሪቦም።
ብመሰረት ወሃቢ ቃል እቲ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኔድ ፕራይስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከንን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ክስሕብ ከምዝግባእ ዘትዮም።
ብመሰረት እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጐ መራሕቲ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ጐድኒ ጐድኒ ምፍታሕ ኣጽዋር ሓይልታት ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ኣለዎም።
ዋላ'ኳ እቲ ስምምዕ ከምዚ እንተበለ፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይዅን ምጅማር ምስሓብ ብወግዒ ዝተገልጸ ነገር የለን።
እቲ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ብዛዕባ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ፡ ሓይልታት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ እዩ።
መራሕቲ ትግራይ፡ ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ 65 ሚእታዊ ሰራዊት ትግራይ ካብ ግንባራት ውግእ ወጺኡ ምህላዉ ገሊጾም።
ሰራዊት ኤርትራ ተቘጻጺሮምዎ ኣብ ዘለዉ ከባቢታት ትግራይ ብቐጻሊ ግፍዕታት ይፍጽሙ ከምዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ ዋዕላ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ንምስታፍ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ምስ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዛዕባ ሕድሕድ ኲናት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ተወሰኽቲ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ እውን ተገሊጹ።
ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዝንእድ ገሊጹ።
"እዚ ስምምዕ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምምጻእ 'ዩ" ክብል ኔድ ፕራይስ ገሊጹ።
እቲ ስምምዕ ስዒቡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምጅማርን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዝበረታታዕን ምዃኑ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊጹ።
እንተዀነ፡ እቲ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብቕልጡፍ ተግባራዊ ክኸውን ብምጥላብ፡ ጕጅለ መርመርቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ቤት ምኽሪ [ሕቡራት ሃገራት] ኣብቶም ጐነጽ ዝተፈጠረሎም ከባቢታት ኣትዩ ከጻሪ ሓቲቱ ኣሎ።
ኣሜሪካ፡ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ስምምዕ ሰላም ንምምችቻእ ተግባራውነቱ ንምርግጋጽ ኣብ ጐድኒ እቲ ሕብረት ደው ከም እትብልን’ውን ቃል ኣትዩ።
ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ብሰንኪ ኲናት ዝተቛረጹ ኣገልግሎታት ከም ኤለክትሪክ፡ ባንክ፡ ተሌፎንን በረራታትን ናብ ንቡር ንምምላስ ጻዕርታት ይግበር ከምዘሎ ይግለጽ።
ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ሰብኣዊ ማሕበራት ቅድሚ ስምምዕ ሰላም ምፍራሙ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ሓገዝ መሊሱ እንተጀመረ’ኳ፡ እቲ ደገፍ ድሩት ምዃኑ መራሕቲ ትግራይ ይገልጹ ኣለው።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም፡ መራሕቲ 49 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፍሉ ካልኣይ ዋዕላ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ትማሊ 13 ታሕሳስ ጀሚሩ ኣሎ።
እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ዋዕላ ዓለምና ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት፡ ቅልውላው ክሊማ፡ ሰናይ ምምሕዳር፡ ውሕስነት መግብን ዓለማዊ ጥዕናን ከምኡ’ውን ምሕያል ዕድላት ንግድን ወፍርን ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ዘተኰረ ከምዝኸውን ይንገር።