ኤርትራ፡ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ናብ ግንባራት ክኸቱ ይጽውዑ ኣለዉ

ኣብ ኤርትራ፡ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ኰይኖም ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዝጸንሑ ትሕቲ 55 ዝዕድመኦም ሰብኡት፡ ናብ ግንባራት ውግእ ክኸቱ ጻውዒት ከም ዝቐረበሎም፡ ቢቢሲ ካብ ኣስመራን ከረንን ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቶም ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ብረቡዕ ንግሆ ናብቲ ዝተመደበሎም ቦታታት ክኸዱ፡ ብመገዲ ምምሕዳራት ኣቢሉ ከም ዝተነግሮም ተፈሊጡ’ሎ። ኣቐዲሞም ክበገሱ ዝተነግሮም'ውን ኣለዉ።

ካብቶም ካብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝተበገሱ ብዙሓት ናብቲ ኣብ ከባቢታት ዶብ ዝርከብ ግንባራት ከምዝበጽሑ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብታ ከተማ ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ከምዘሎን፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ጎደናታት ወረቐት መንነት ይሓቱ ከምዘለዉን ነበርቲ ገሊጾም።

እቲ ኩነታት ኣብ ስድራቤታት ዓቢ ሻቕሎትን ስግኣትን ፈጢሩ ከምዘሎን፡ ብዙሓት ኣዴታት ኣብ ምፍናው ናይቶም ዝኸተቱ ክበኽያ ከምዝተራእያን እቶም ጸብጻባት ጠቒሶም።

እዚ ጻውዒት፡ ነቶም ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ኰይኖም ኣብ ውልቃዊ ዋኒኖም ዝጸንሑ ዝምልከት ኰይኑ፡ ነቶም ኣብ መንግስታዊ ስራሕ ዝተዋፈሩ ኣባላት ግን ከምዘየጠቓልል ተፈሊጡ’ሎ።

ኣባልነት ዕቑር፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ኤርትራ ንዅሎም ካብ ምዱብ ሰራዊት በብእዋኑ ዝተፋነው ተጋደልትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ፣ ኣብ ውልቃውን ሲቪላዊ መንግስታዊ ስርሓት ዝተዋፈሩ ክሳብ 70 ዓመት ዝዕድመኦም ዜጋታት ዝምልከት ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣወዳድባ ዕቑር ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ኤርትራ፡ ብዝያዳ ካብ መወዳእታ 2012 ኣትሒዙ፡ ናብ ኵሉ ዞባታት፡ ንኡሳን ዞባታት ምምሕዳር ከባቢታትን እናሰፍሐ ብምምጻእ፡ ቍጽሪ ኣባላቱ ኣዕብዩ፡ ጐድኒ ጐድኒ’ቲ ምዱብ ሰራዊት ዝኸይድ ርእሱ ዝኸኣለ ውዳበ ዝጸንሖ እዩ።

ኣባላት ዕቑር ሰራዊት፡ ብመገዲ ምምሕዳራት ከባቢኦም ተኣሳሲሩ ብዝኸይድ ሰንሰለት፡ ብዝወሃብ መምርሒታት ኣብ ምሕላው ጸጥታ ከባቢኦምን፡ ዝተፈላለየ ማእቶታዊ ስርሓትን ክዋፈሩ፤ ከምኡ'ውን በብግዚኡ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱን ጸኒሖም እዮም።

እዚ ጻውዒት'ዚ፡ ንምዕባለታት'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎን ኤርትራ ብ "ኢድ ኣታውነት" እትኽሰሰሉን ኲናት ሕድሕድ ዘመላኽት ምዃኑ፣ "ብቐጥታ ኣብቲ ኲናት ከእትውዎም እዮም፡" ካብ ዝብል ስክፍታ ህዝቢ ተሸቝሪሩ ምህላው እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ኢትዮጲያ ዳግም ዝተላዕለ ኲናት ሕድሕድ ተኣሳሲሩ፡ ኣብ ኤርትራ ገዚፍ ህላወ ወተሃደራት ኢትዮጲያ ከም ዘሎ ክንገርን፡ ኤርትራ ድማ ኣብቲ ኲናት ኢዳ ተእቱ ምህላዋን ክትክሰስ ጸኒሓ'ያ።

ኤርትራ ግን ነዚ ኣመልኪቱ ዝቐርብ ክሲታት ዝዀነ ምላሽ ኣይሃበትን።

እንተዀነ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት 'ታ ሃገር ጽዑቕ ግፋ መንእሰያት ክካየድ ከም ዝጸንሐ ተቓሊሑ እዩ።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ጐረቤት ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናትን፡ በብእዋኑ ዝካየድ ግፋታትን ዝፈጠሮ ሃዋሁን፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ንዝጸንሐ “ሻቕሎትን ሰንፈላልነትን፡ እዚ ጻውዒት ኣጋዲድዎ'ሎ፡" ክብል ይገልጽ - እቲ ካብ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ።

ነዚ እዋናዊ መጸዋዕታ ኣኽቢሩ፡ “ክኸትት ዝተበገሰ” ብዝሒ ኣባል ዕቑር ሰራዊት ዛጊት ብልክዕ ኣይተፈልጠን። 

ኣካላዊ ብቕዓት ዘለዎም መንእሰያት ኤርትራ ካብ መወዳእታ ዓመት ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ጀሚሮም ናብቲ ገደብ ኣልቦ ኮይኑ ዘሎ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክጽንበሩ ይግደዱ።

ካብኣቶም ነቲ ግዱድ ዕስክርና ዝጸልኡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ናብ ስደት ክውሕዙ ምጽንሖም ይፍለጥ።