እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ‘ክሳብ መዓስ’ዩ ህዝቢ ብራዕዲ፡ ሃገር ብግፋ ክትመሓደር?'
ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብፍላይ ከኣ ኣብ እዋን ህዝባዊ በዓላት ካብ ሰራዊት ብገዛእ ፍቓዶም ናብ ስድራኦምን ናብራኦምን ንዝተመልሱ፣ ወይ’ውን ተፈቒድዎም መዓልቶም ዘሕለፉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ዓቕመ ኣዳም በጺሖም ክነሶም ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኽይፍጽሙ ንዝተሓብኡ መንእሰያትን ንምህዳን ጽዑቕ ግፋ ክካየድ ከም ንቡር ካብ ዝውሰድ ነዊሕ ኰይኑ እዩ።
ኣብዚ ቅንያት እዚ ግን ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ሰገነይቲ ናብቲ ህዝቢ ዘነጻጸረ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩን ተገይሩን ዘይፈልጥ ንነብሰ ጾራትን ቘልዓ ሰበይትን ከይተረፈ ሓያል ግፋ ይካየድ ምህላው ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዛራቢ ዛዕባ ኰይኑ ኣሎ።
ቢቢሲ ትግርኛ ካብ ምንጭታቱን ዝረኸቦ ሓበሬታን ኣብቲ ከባቢ ብጭቡጥ እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎን ኣብ ስደት ንዝነብሩ ክልተ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ኣዘራሪቡ ኣሎ፤ ትሕዝቶኡ ብኸምዚ ዝስዕብ ይቐርብ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ እግሪ ናብ ጐቦታት ኣባሓንን ዲዖትን ዝወስድ ቦታ ዝተደኮና፡ ኣኹሩር፡ ምዔላ፡ ዓዲ-ቘንጺ፡ ዓዲ-ፊኚሕ፡ ሔቦ ኣብ ዝተባህላ ዓድታት ጽዑቕ ግፋ ቀንዩ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ዕጡቓት ኣባላት ምክልኻል ነቶም ካብ ሰራዊት ኮብሊሎም ከምኡ’ውን ዓቕመ ኣዳም በጺሖም ክነሶም ንሳዋ ከይከዱ ተሓቢኦም ንዝበሉዎም ሰባት ክደልዩ፡ ገዛ ገዛ ብምፍታሽ ንስድራ-ቤት እቶም ዘይረኸብዎም ዘበሉ ካብ ኣባይቶም እናውጽኡ ነቲ ገዛውቶም ይዕሽግዎ ከም ዘለው ኣብ ኖርወይ ዝነብር ተወላዲ እቲ ከባቢ ኣድሓኖም በራኺ ይዛረብ።
“እቶም ሰራዊት ካብ ምምሕዳራት ናይቲ ከባቢ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ናይ ዝኾብለሉን ትምህርቲ ዘቋረጹን ዓቕመ ኣዳም በጺሖም ክነሶም ናብ ሳዋ ዘይከዱን ዝርከብዎም ዝርዝር ኣስማት ዝሓዘ ወረቐት ሒዞም ብምምጻእ፡ ናይቶም ዘይረኸብዎም ስድራ ኣባይቲ ስለዝዓሸጉዎ ቈልዓ ሰበይቲ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ይርከቡ ኣለው” ይብል ኣድሓኖም።
ህዝቢ እቲ ከባቢ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዳርጋ ኣብ መላእ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከብ መንእሰይ ናይ ኣገልግሎት ግዜ ስለ ዝነውሖን ዝረብሕ ገንዘብ ስለዘይክፈሎን ኣብታ ናይ ዕረፍቲ ግዜኡ ፍቓድ ሓቲቱ፡ ኣብ ዓዓዱ ኣብ ማሕረስን መንደቕን ሚነዋለን እናሸቀለ እዩ ንወለዱን ሓዳሩን ክኣሊ ጸኒሑ።
ዝበዝሓ እተን ንምብራቓዊ ኣጻድፍ ተጐዝጒዘን ዝተደኮና ዓድታት ጸንዓደግለ ሰፊሕ በረኻታት መጋሃጫ ስለዘለወን፡ እቶም ንገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ራሕሪሖም ስድራኦም ክኣልዩ ዝወሰኑ መንእሰያት ኣብ ጸናዕቲ በረኻታት ዓዶም ተኸዊሎም ናብራኦም ክመርሑ ምጽንሖም ነባሪ ከተማ ሚላኖ ኣብርሃም መሓረና ሓቢሩ።
ሕጂ እቲ ስርዓት ገዚፍ ሓይሊ ኣዋፊሩ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓዲ ዓስኪሩ፡ ንስድራ ቤታት ደቅኹም ኣምጽኡ እናበለ፡ ኣባይቶም ዓሺጉ ንደቈምን ኣንስቶምን ወለዶምን ኣብ ግዳም ብምድርባይ ከቢድ ግፍዒ ይፍጽም ከም ዘሎ ይዛረብ።
“ክሳብ መዓስ እዩ ንህዝቢ ብራዕዲ ንሃገር ብግፋ ከመሓድር ዝፍትን፤ ካብ ምስ ህዝብን መንእሰያትን ምትህልላኽ ስርዓቱን ምሕደራኡን ከዐሪ እዩ ዝግባእ!” ክብል ሓሳቡ የቕርብ።
ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ዝእወጅ ኣትሒዙ፡ ዓቕመ ኣዳም ዝበጽሐ መንእሰይ ግድን ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽም ኣለዎ።
ድሕሪ’ቲ ኣዋጅ ትምህርቱ ዝወደአ ዘቋረጸን 18 ዓመት ዝመልአ መንእሰይ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ዓመታዊ ኣገልግሎት ክፍጽምን ይግደድ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዶባት ብዝተመኽነየ ምስምስ ካብ 1998-2000 ኣብ ደማዊ ኵናት ካብ ዝኣትዋ ንደሓር ከኣ ዓመታዊ ናብ ሰራዊት ዝጽንበር እምበር ኣገልግሎቱ ወዲኡ ካብ ሰራዊት ዝሰናበት መንእሰይ ኤርትራ ተራእዩ ኣይፈልጥን።
ከም ኣምኒስት ኢንተርናሽናል፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝኣመሰላ ኣህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ካብ 18 ኣዋርሕ ናብ ገደብ ኣልቦ ግዱድ ዕዮ ዝተሰጋገረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጥንቂ ስደትን ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ እየን ዝገልጻ።
እቶም ብስም ሃገራዊ ልምዓት ኣብ ዝተፈላለየ ውልቃዊ ዋኒን ላዕለዎት ሰበስልጣን ክሰርሑ ዝቕሰቡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብቲ መስርሕ ብጨካን ወተሃደራዊ መቕጻዕትን ስቓይን ሃገሮም ገዲፎም ናብ ጐረባብቲ ሃገራትን ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳን ክስደዱ ምጽንሖም፡ “ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ” እትብል መጽሓፍ ዝጸሓፈ ዶ/ር ጋይም ክብረኣብ ይገልጽ።
ኣብ ሓደ እዋን ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃዲሙ ዶብ ክሰግር ዝተረኽበ ኣባል ብጥይት ክህረም ዝእዝዝ መምርሒ ተመሓላሊፉ ምንባሩ ዝጠቅስ ዶ/ር ጋይም፡ ሓያሎ ሰባት ግዳይ እቲ ፖሊሲ ምዃኖም የረድእ።
እዚ ሕጂ ኣብ ዓድታት ዞባ ደቡብ ሰገነይትን ከባቢኣን ካልእ ከባቢታት ኤርትራን ንዝኾብለሉ መንእሰያት ንምህዳን ክትብል ንስድራቤቶም ደቈምን ወለዶምን ምክልባት ብሕጊ ዘሕትት ዝዀነ ሕልና ዘለዎ ፍጡር ኮነ ስርዓትን ምምሕዳርን ክፍጽሞ ዘይትጽበዮ ግፍዒ እዩ ክብል ይገልጾ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ሕዳር 2020 ኣብ ዝተወልዐ ውሽጣዊ ጎንጺ ኢትዮጵያ ንሰራዊት ፈደራል ደጊፉ ኣንጻር ህወሓት ስለዝተዋግአ፡ “ወያነ ክትወረና ትዳሎ ኣላ” ብማለት፡ ኵሉ ኤርትራዊ ‘ታሪኻዊ ግድነታዊ መድረኽ’ ክብል ኣብ ዝሰየሞ ናይ ክተት ወፍሪ ክሳተፍ ይጽውዕ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ኣብርሃም መሓረና፡ እዚ ሕጂ ኣብ መላእ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ጽዑቕ ግፋ ከኣ ናብኡ ዝዓለመ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምት።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት እታ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልአይቲ ዝነኣሰት ሃገር ኤርትራ፡ ብደረጃ ዓለም ድሕሪ ሶርያ ቀንዲ ኣፍራይት ስደተኛታት ተባሂላ ምጥቃሳ ዝዝክር ኣብርሃም፡ እዚ ሕጂ ኣብ ጸንዓደግለን ካልእ ከባብን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ጨካን ግፍዒ፡ ህዝቢ ኣንጸርጺሩ ዓዱን መሬቱን ገዲፉ ንኽስደድ ዝቕስብ እዩ ክብል ምረቱ ይገልጽ።
“እቶም ሰራዊት፡ ቅድሚ ሕጂ ጓሶት ዓዲ’ኳ ኣትዮምዎ ናብ ዘይፈልጡ በረኻታት ስያሕን ዓሊገደን እናወረዱ፡ ነቶም መንእሰያት ከም ጸላእቲ ይሃድኑዎም ኣለው። እቲ ስርዓት ከኣ ብሃድንን ግፋን ዝእክቦ መንእሰይ ነቲ ዝደልዮን ዝሓስቦን ዕላማ ክፍጽመሉ ከምዘይክእል ይፈልጥ እዩ። እቲ ዘሕዝን ኣብ ልዕሊ ቘልዓ ሰበይቲ ዝፍጸም በደል እዩ” ይብል ኣብርሃም።
ብመንፈስ እቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ብጽኑዕ ድስፕሊን ዝተሃንጸ ህዝባዊ ሰራዊት ክፍጠር ዝተደልየ መንእሰይ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብሰንኪ ንውሓት ግዜን ብሓለፍቲ ዝግበር ጨካን ምሕደራን ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ከምዘይኮነ ኣቶ ኣብርሃም ይዛረብ።
“ፍትሒ ዝረግጽ ስርዓት ኣብ መወዳእትኡ በቲ ዝረገጾ ፍትሒ እዩ ዝርገጽ” ክብል እቲ መንግስቲ ኣብ ኵሉ መዳያት ርትዓውን ፍትሓውን ኣገባብ ክጥቀም ከም ዝግባእ ይገልጽ።
ኣቶ ኣድሓኖም፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓርሰሉን ዝዘርኣሉን ወቕቲ፡ ካብ መነባብሮኡ ምምዝባል ኣጥሚኻ ከተንበርክኾ ዝግበር ፈተነ፡ ዝዀነ መመኽነይታ ዘይወሃቦ በደል ምዃኑ ይገልጽ።
“ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ሃገሩ ካብ ሓደ ስድራ ክሳብ ሓሙሽተ ኣባጽሕ መስዋእቲ ከፊሉ ከብቅዕ ብዶባት ኣብ ዝተሳበበ ኲናት ከኣ ሃገር ኣብ ሓደጋ ወዲቓ ምስ ተባህለ ነቶም ዝተረፉ ደቁ ብገዛእ ፍቓዱ ናብ ግንባራት ኣኽቲቱ እዩ ልኡላውነቱ ኣውሒሱ። ነዚ ብወለንታኡ ብፍቓዱ ዝብጆን ዝስዋእን ህዝቢ ብግፋን ሃድንን ከተሰልፎ ምፍታን ቅቡል ኣይኮነን” ይብል።
እቲ ኣብተን ዝተጠቕሳ ዓድታት ጸንዓደግለ ሰፊሩ ዘሎ ሰራዊት፡ ንዅሉ መውፈርን መእተውን መገድታት ዓጽዩ፡ ስድራ ቤታት ኣብ በረኻ ንዘለው ደቆም መግብን ስንቅን ከይልእኩሎም ነቶም ብኣገልግሎት ዘይሕተቱ ንእሽቱ ጓሶት እናፈተሹ የሕልፍዎም ከም ዘለው፡ ብሰንኪ እቲ ጽኑዕ ቍጽጽር ከኣ ንፍረ ዝበጽሐ ናይ ብዙሓት ስድራታት ጀራዲን ኮሚደረ ዝኣርዮን ዝእክቦን ስኢኑ ከምዝባኸነ ኣቶ ኣብርሃም ይሕብር።
ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ግፋን ሃድንን ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።
ይዅን እምበር ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግፋን ሃድንን ኣዕሪፉ ስለዘይፈልጥ፡ ግፋ ከም ንቡር ተርእዮ ከምዝወሰዶ ዝገልጽ ኣቶ ኣድሓኖም፡ እቲ ሕጂ ኣብ ዓድታት ጸንዓደግለ ዝርአ ድሮ ክልተ መንእሰያት ሔቦ ብጥይት ዘቝሰለ ግፋ፡ ናብ ሓደግቲ ዓድታት ማዕረባን ከባቢኣን እውን ይልሕም ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣቶ ኣድሓኖም ከምዝሕብሮ፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ካብ መፋርቕ 1994 ኣትሒዙ ቀዳማይ ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ዝእወጅ ክሳብ ሕጂ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዘይ እኹል ከፍሊት ብናይ ጁባ ገንዘብ ንኣስታት 20 ዓመት ብዘይ ዝዀነ ይዅን ረብሓን ሞሳን ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ከም ዘገልገሉ ይሕብር።
ካብ ምንዋሕ ግዜ ዝተላዕለ እቶም መንእሰያት ንቡርን ስሩዕን ህይወቶም ክመርሑ ስለዘይከኣሉ ብዕድመን ጥዕናን ንዝተጸገሙ ሽማግለታት ወለዶምን ከም ሓያማት ንበይነን ደቀን ምስ ዘዕብያ ጽጕማት መርዑቶምን ክሕግዙ፡ ገሊኦም ምስ ሓለፍቶም ተሰማሚዖም ብፍቓድ፡ እቶም ዕድል ዘይረኸቡን ዝተኸልኩሉን ከኣ ደቀይን ስድራይን ብጥሜት ካብ ዝሞቱ ንዓይ ዝወረደ ይውረደኒ ብምባል ናይ ዓቕሊ ጽበት ስጕምቲ ከም ዝወስዱ ይገልጽ።
ህዝቢ ኤርትራ ድማ ከምዚ ዓይነት ከቢድ በደል ካብ መንግስቱ ክበጽሖ ዘይትጽበዮ ምዃኑን፡ እዚ ዝግበር ዘሎ ሃድን መንእሰያትን ሽማግለታትን ከቛርጽ ድማ ይምሕጸን።
ብኣዋጅ ቁጽሪ 82/1995 ዝቘመ ሃገራዊ ኣገልግሎት
- “ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ ቅርጡውን ኣድማዕን ሓይሊ ምክልኻል ምቛም፤
- ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተኾስኮሰ ባህልን ክብርታትን ዓቂብካ ንተረካቢ ትውልዲ ምውራስ፤
- ፈታው ስራሕ፡ ብዲሲፕሊን ዝተሃንጸ ሓዲሽ ትውልዲ ምፍራይ፤
- ጸጋ ሰብ ብዝተወደበን ዝሰልጠነን መገዲ ኣብ ልምዓታዊ ስርሓት ብምውፋር ቁጠባ ሃገር ምምዕባል፤
- ሓድነት ኣብ ሃገራውነት እናኾስኮስካ፡ ትሕተ ሃገራዊ ስምዒታት ብምጥፋእ ሃገራዊ ውህደት ምርግጋጽ” ዝብሉ ሓሙሽተ ቀንዲ ዕላማታት እዩ ዘለዎ።