ዘይተወድአ ጕዕዞ ህይወት ንጉሰ ሃይለ መንስዓይ፡ ዛንታ ስነጥበብ፡ ቃልስን ስደትን

“ኣነ ኣብ ምድረ መንሳዕ ተወሊደ፡ ኣብ ዉሽጢ ስድራቤት መንሳዕ ዓብየ፡ ብሓልዮት ማሕበረሰብ መንሳዕ ተማሂረ፡ ቋንቋና (ትግረ) እናተዛረብኩን ንፋስ ዓደይ እናተወቓዕኩን ስለ ዝዓበኹ፡ እቲ ተዘክሮታት ዓደይን መንነተይን ብኽብሪ’የ ዝዝክሮ” ኢሉ ንጉሰ ሃይለ መንስዓይ ንመንነቱ ገለጸ።

ንጉሰ ብ1944’ዩ ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ሓድሽ-ዓዲ (ዓዲ ኣደኡ) ተወሊዱ። ቀንዲ ዓዱ ግን ኣብ ኢራ መንሳዕ’ዩ። ተወሳኺ መግለጺ መንነቱን ኣተዓባብያኡን ክካፍለና ተወኪስናዮ።

“ኣነ ኣብ ውሽጢ ሓደ ፈቃር ስድራቤት ብኽንክን’የ ዓብየ። ኣብ ከባቢና ኸኣ ብመቕርብና ተኸቢበ’የ ዓብየ ... ስለዚ፡ ዓለመይ ብስድራቤተይን ብመቕርበይን ኣጊጸ’የ ዓብየ ክብል እኽእል። ካብኡ ዝዓቢ ጸጋ የለን ኢለ ኸኣ እኣምን” ብምባል ዕላሉ ይጅምር።

ንጉሰ ዕላሉ ልዙብ፡ እቶም ሓውሲ ግጥሚ ዝጥዕሙ ሓረጋቱ ድማ ብሓላል ስምዒት ተሰንዮም ጦብላሕታ ዝገድፉ ‘ዮም ክበሃል ይከኣል። ሰማዒኡ ኸኣ ካብ ኣዘራርባኡ ክኢላ ኣዘንታዊ ምዃኑ ክርዳእ ይኽእል።

“ብቘልዓይ ከለኹ ሕፍረት ዘይፈልጥ፡ ተጻዋታይ፡ ዕላለኛ፡ መላገጺ ኔርካ ይብሉኒ። ንኣብነት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺአ ክዋሳእ እዝከረኒ። ‘ኣሰዓስዓ ኣቦኻ እከለ ኣርእየና’፣ ወየከኣ ‘ኣደኻ እከላኸ ከመይ ኢለን’የን ዝበኽያ?’ ክብሉኒ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እኩብ ኰይነ ከይሓፈርኩ ከምዚ ገይሮም’ዮም ዝስዕስዑ፡ ከምዚ እናበላ’የን ዝበኽያ ኢለ እናላገጽኩ ተዋስኦ እሰርሕ ነበርኩ” ኢሉ እናሰሓቐ የዘንቱ።

“ኣነ ከም ዝመስለኒ ሓድሓደ ባህርያት ኣቦይ ወሪሰ’የ ክብል እኽእል። ኣቦይ ኣብ ሕብረተሰብና ንጡፍ፡ ተዋዛያይ፡ መዳራይ ከም ዝነበረ እዝከረኒ። ኣዝዩ ፍትው ሰብ ነበረ” ኢሉ ብናፍቘት ይዝክሮም።

ብዛዕባ ተዘክሮታት ኣደኡ እንከዕልል ከኣ፡ ኣደኡ ሓያል ግን ፍትሓዊት ከም ዝነበራ፡ ምስአን ዝነበሮ ምትእስሳር ድማ ሓያል ምንባሩ ይገልጽ።

ንጉሰ፡ ኣብ ብካቶሊካውያን ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ’ዩ ተማሂሩን ዓብዩን።

“መባእታዊ ትምህርትና ኣብ ምሕላብ ብቛንቋ ትግረ ኢና ተማሂርና። ካብኡ ንላዕሊ ትምህርቲ ስለ ዘይነበረ ግን ጸገም ነይሩ’ዩ። ኣነ ግን ዕድለኛ’የ ትምህርተይ ክቕጽል ብምኽኣለይ” ኢሉ ንቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኣዝዩ የመስግን።

ሕልሚ ምጽሓፍ ተዋስኦ

“ኣብ ምሕላብ፡ ኣብ ሓሙሻይ ክፍሊ ከሎኹ፡ ኣባ ኣጎስቲኖ ዝበሃሉ መምህር ተዋስኦ ብቛንቋ ትግረ ብምድላው ከዋስኡና እዝከረኒ” ይብል ንጉሰ።

ርግጽ’ዩ፡ ኣባ ኣጎስቲኖ ተድላ፡ ወይከኣ ኣባ ኣጎስቲኖስ ዘሔቦ፡ ብ1921 ኣብ ሔቦ ተወሊዶም ብ1989 ኣብ ኣስመራ ዝሞቱ ዓቢ ካህን ማሕበር ካፑቺን ነበሩ። ካህን ጥራይ ዘይኰኑስ ሊቅ ከም ዝነበሩ ሰነዳት ታሪኽ ይምስክሩ’ዮም።

“ኣባ ኣጎስቲኖ ንቛንቋ ትግረ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣጽኒዖም ክምህሩሉን ክፈላሰፍሉን ምኽኣሎም ብዙሕ ሰብ ብኣድናቘት ክዛረበሎም እዝክሮ” ኢሉ ንጉሰ ይገልጾም።

ኣባ ኣጎስቲኖ ኣብ ኤርትራ፡ ብዓቢኡ ኸኣ ኣብ ሕብረተሰብ ካቶሊክ፡ ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበሩ፡ ፍሉይ ዓቕምን ብልሕን ዝነበሮም መምህር ነበሩ። ንሶም ብግዜ ደርግ ንሽድሽተ ዓመትን ሽድሽተ ወርሕን ዝተኣስሩ ካህን ነበሩ። ንሶም’ዮም ንንጉሰ ኣብ ዓለም ትያትር ንኽኣቱ መገዲ ዝኸፈትሉ ክበሃል ይከኣል።

ንጉሰ ኣብቲ ብኣባ ኣጎስቲኖ ዝተዳለወ ተዋስኦ ክሳተፍ ዕድል ስለ ዝረኸበ፡ ብኡ ኣቢሉ ፍቕሪ ምውሳእ ኣብ ልቡ ዓሰለ፣ ኣብ ዝሰዓበ ክፋል ህይወቱ ድማ - ኣብ ማሕበር ትያትር ኣስመራ - ማ.ት.ኣ. ድሕሪ ምሕዋሱ ማለት’ዩ - ከም ሞያኡ ገይሩ ክሕዞ በቕዐ።

ንጉሰ ናብ ኣስመራ ምስ ገዓዘ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ቤተ ክርስትያን ኰይኑ ትምህርቱ ቐጸለ። ኣብ እንዳ ኣቡን ካቶሊክ ኰይኑ ክዓቢ ዕድል ስለ ዝረኸበ ድማ፡ ነቲ ዕድል ተጠቕመሉ። እናተማህረ ንኵነታት ኤርትራ ብቐረባ ይዕዘቦ ነበረ። ናይ ምጽሓፍ ሃረርታ ስለ ዝነበሮ ድማ ዓቕሙ ንኸሐይል ህርድግ ይብል ነበረ።

ንጉሰ ሓሳቡ ብጽሑፍ፡ ቃል-ብቃል ናይ ምግላጽ ዓቕሚ’ኳ እንተነበሮ፡ ኣብቲ እዋንቲ ሳንሱር፡ ማእሰርቲ’ውን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ኤርትራ ንዝነበረ ኵነታት ብተዘዋዋሪ መገዲ ወይ ብጥንቃቐ ዝግለጹ ሓረጋት ተጠቒሙ ናይ ምግልጽ ዓቕሚ ኣጥረየ።

ንጉሰ ኣብ ማ.ት.ኣ.

ንጉሰ ሃይለ መንስዓይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓንኬላት ኤርትራ ፍሉጥ ዜጋ’ዩ። ንኣብነት፡ ስሙ ምስ ዝጽዋዕ ኣብ ማሕበር ትያትር ኣስመራ (ማ.ት.ኣ.) ዝነበሮ ተራ ይጥቀስ’ዩ።

ማ.ት.ኣ.፡ ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ስምዒት ኣብ ምፍጣር ዓቢይ ተራ ዝተጻወተ ማሕበር’ዩ - ብሙዚቃን ተዋስኦን ኣቢሉ።

ቅድሚ ማ.ት.ኣ.’ውን ዝተፈላለዩ ውልቀሰባትን ማሕበራት ባህሊን ሃገራዊ ስምዒት ዝውሕዘሉ መገዲ ጸሪገን’የን፡ ዜማታት ብተምሳሌትን ድርብ-ትርጕምን ዝሓዙ ሕላያት ተጠቒመን ስምዒት ህዝቢ ቀስቂሰን’የን።

ኣብ መጀመርታ 60’ታት ብረታዊ ቃልሲ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምስ ተጀመረ፡ ምስኡ ኸኣ ሃገራዊ ስምዒት ዝያዳ ክዓቢ ጀመረ። ከም “ሽገይ ሃቡኒ” ወይከኣ “እቲ ገዛና ዓቢ ህድሞ፡ ትዃን ቁንጪ መሊኦሞ” ዝኣመሰሉ ዜማታት ማ.ት.ኣ. ኣብ ፈቐዶ ባራትን እንዳሻሂን እናገነኑ ስለ ዝኸዱ፡ ሰማዒ ልቡ ናብ ሜዳ ኤርትራ ኣንቀደ፣ ምናዳ ቀልቢ መንእሰያት።

ንጉሰ ከም ዝብሎ፡ ናይ ተወልደ ረዳ ‘ሽገይ ሃቡኒ’ ዝተደርፈትሉ ምሸት ኣብ ትያትር ኣትዩ ንማ.ት.ኣ. ንመጀመርታ እዋን ምስ ረኣዮም፡ በቲ ምርኢት ተመሰጠ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኸኣ ንኽሕወሶም ሕልሙ ዀነ።

“ኣይጸናሕኩን፡ ዋላ’ኳ ብዕድመ ንኡስ እንተነበርኩ፡ ደብዳበ ንኣካየድቲ ማ.ት.ኣ. ጽሒፈ - ንበዓል መም. ኣለማዮ ካሕሳይ (ኣቦ መንበር)፡ መም. ኣስረስ ተሰማ (ተሓዝ ገንዘብ)፡ ኣቶ ኣርኣያ በላይ (መራሕ መደብ) - ክሕወሶም ድሌተይ ከም ዝዀነ ገለጽኩሎም፤ ተቐበሉኒ ኸኣ፡” ብምባል ንጉሰ ይዝክር።

“ዋላ’ኳ ኣብቲ እዋን ኣብ ጽንኩር ኵነታት ንንበር፡ እቲ ዘመን’ቲ ብናፍቘት’የ ዝዝክሮ - ንሕና ኤርትራውያን፡ ከምዚ ሎሚ ከይኰነ፡ ሰሚርና ኢና ንሰርሕን ንጓዓዝን ንቃለስን ዝነበርና” ክብል ይውስኽ።

ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ፈደረሽን ፈሪሱ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣቦታት ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝመረጽሉ፡ መንእሰያት ድማ ኣንጻር ወለዶም ዝሓከልሉ፡ ብረታዊ ቓልሲ ዝነሃረሉ፡ ሓይሊ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ብተዓጻጻፊ ዝኻዕበተሉ፡ ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብ ኣብያተ ትምህቲ ኤርትራ ዝተኣታተወሉ፡ ብሓጺሩ ኤርትራ ኣብ መቓቕሮ ዝኣተወትሉ ዘመን ነበረ። ኣብ’ቲ ዘመንቲ ድማ’ዩ “ኣስላማይ ክስታናይ” እናተባህለ ዝተደርፈ።

ዳርጋ ኵሉ ኤርትራዊ፡ ኣውራ’ኳ እቲ ዝቐደመ ወለዶ፡ እታ ብኣቶ ኣተወብርሃን ሰጊድ ዝተደርፈት “ኣስላማይ ክስታናይ” ዘርእስታ ደርፊ ዘይፈልጥ ሰብ የለን ክበሃል ይከኣል። እታ ደርፊ ብንጉሰ ሃይለ መንስዓይ ዝተደርሰት ኰይና መልእኽታን መቓልሓን ሓያል ነበረ።

“ኣስላማይ ክርትያናይ ወዲ ቖላ ደጋ፡

ንምኽሪ ጸላኢ ኣይትሃቦ ዋጋ፡

ኣይትሃቦ ዋጋ ከይትኾን ዕዳጋ”

 ... እናተባህለ ክድረፍ ዘርከቡ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ ብናፍቘትን ቅያን ጅግንነትን’ዮም ዝዝክርዋ።

ንጉሰ ኣብ ማ.ት.ኣ. ምስ ተሓወሰ እታ ንመጀመርታ ዝደረሳ ተዋስኦ “ጽቡቕ ውሳነ” ዘርእስታ ተዋስኦ ነበረት። ኣብቲ እዋን’ቲ ንጉሰ ብዕድመ ንኡስ ነበረ፣ ዓቕሚ ድርሰታቱ ግን ዓቢ። ኣተሓሳስባኡ ሰፊሕ፡ ዓሚቝ፡ ጠርናፊ፡ ድልየትን ስምዒትን ህዝቢ ኣንቢቡ ኣብ ድርሰታቱ ከስፍሮም ዘኽእል ተውህቦ ስለ ዝነበሮ፡ ክእለቱ ብግቡእ ይጥቀመሉ ነበረ ክበሃል ይከኣል።

ትሕዝቶ “ጽቡቕ ውሳነ” ምዕዶ ንመንእሰያት ነበረ። ኣብ ዕንደራን መስተን ዳንኬራን ዝነበሩ መንእሰያት ሓላፍነቶም ብምርሳዕ ግዜኦም ኣብ ዝርጋን የሕልፉዎ ነበሩ። ሓደ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ዕጉስን እርኑብን ዓርኮም ግን ኣብነት ብምዃን ነቶም ብጾቱ ናብ ልቦም ከም ዝምለሱ ገበረ። እታ ተዋስኦ ፖለቲካዊ ሸነኽ ነይሩዋ፣ ነቶም ናይቲ ዘበን መንእሰያት ሃየ ብዕብዳን ኣይትታለሉ ሃገርኩም ኣይትረስዑ ዝብል መልእኽቲ ዝብል።

ገለ ካብ መሳቱኡ ንድሕሪት ተመሊሶም ብኣራሚ ባህርያት ዝነበሮም ጽሑፋቱ’ውን ይዝክርዎ’ዮም። ብ60ታትን 70ታትን ኣብ ‘ህብረት’ ዝተባህለ ኣብ ኤርትራ ዝሕተም ዝነበረ ጋዜጣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ማዕዳን ነቐፌታን ዝሓዘሉ ጽሑፋት የበርክት ከም ዝነበረ ዝዝክርዎ ሰባት ኣለዉ።

ንኣብነት ኣብ ግዜ ጾመ ሮሞዳን፡ ህዝቢ ኣብ ዳንኬራን ሳዕስዒትን ክቱር መስተን ጥሒሉ ምስ ረአየ “ሮሞዳን እናበልካ ዕብዳን” ዘርእስቱ ጽሑፍ ኣቢሉ ዓገብ ከም ዝበለ ይዝከር። “እቲ ግዜ ጾም ክኽበር’ምበር ሰባት ክዓብዱ ኣይግድን ስለ ዝበልኩ ሓድ-ሓደ ምትዕርራያት ኣደባት ክርአ እዝከረኒ” ኢሉ ባዕሉ ይምስክር።

ንጉሰ ኣብ ሜዳ ኤርትራ

ንንጉሰ ሃይለ መንስዓይ ዘዘክር ካልእ ኣብነት’ውን ክጥቀስ ይከኣል። ብእዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሓላፊ ክፍሊ ሙዚቃ ምንባሩ’ውን ይግለጽ’ዩ።

“ኵሎም እቶም ዓበይቲ ደረፍቲ ኤርትራ ኣብ ሜዳ ምሳይ ነይሮም፣ በረኸት መንግስትኣብ፡ ነጋሽ ተኪኤ፡ ወዲ ገብሩ፡ ተወልደ ረዳ፡ ጸሃይቱ በራኺ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት መንእሰያት” ብምባል ንድሕሪት ተመሊሱ ተዘክሮታቱ ይጽብጽብ።

ንጉሰ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝነበረሉ እዋን ብናፍቘት’ዩ ዝዝክሮ። “ሜዳ ከይጸገብናዮ ኢና ተዀሊፍና!” እናበለ ኸኣ ይዛረብ። እቲ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ዝተፈጸመ በደል ከም ዘይረስዖ’ውን ይዛረብ።

“ውግእ ሓድሕድ ንህዝቢ ኤርትራ ሃስዩዎ’ዩ፣ እቲ ናይ ሽዑ ሰለሎ ኸኣ ስምብራቱ ገና ምሳና ኣሎ” ይብል።

ንጉሰ፡ “ከመይ ኢልካ ናብ ሜዳ ወረድካ?” ንዝብል ሕቶ ብኸምዚ ይምልስ።

ገድሊ ኤርትራ ምስ ዓበየ ናይ ባህልን ልምድን ጕጅለ ንምቍቛም ሓሳብ ኣምጽአ። ንሙዚቀኛታትን ደረፍትን ደረስትን ተዋሳእትን ጠርኒፉ ከሳትፍ ዝኽእል ሰብ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ በቶም ናይ ከተማ ተጋደልቲ ኣቢሎም ክድህስሱ ጀመሩ። እቶም ተጋደልቲ ድማ ናብ ንጉሰ ከዱ።

እቲ ዛንታ ነዊሕ’ዩ፣ ሕልኽላኻት’ውን ነይሩዎ’ዩ። ዝዀነ ኰይኑ፡ ንጉሰ ንብጾቱ ኣኪቡ ብዛዕባቲ መደብ ኣካፈሎም። ፈታኒ እዋን’ዩ ነይሩ፣ እቲ ሽዑ ኣብ ኤርትራ ገርጊሩ ዝነበረ ሃገራዊ ስምዒት ብቓላት ክግለጽ ከቢድ ከም ዝነበረ ክሳብ ሎሚ ይዝረበሉ’ዩ። ኤርትራውያን ግን ቈሪጾም ስለ ዝተላዕሉ እቲ ሃገራዊ ስምዒት ሰዓረ።

ኣብቲ ዘመን’ቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ካብ መንበሮም ዝለቐቕሉ፣ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ኣብ ስልጣን ዝመጽሉን ዝተቐትለሉን፣ ናይ ወኪ-ዛግር ዕርቂ (ኣብ መንጎ ሻዕብያን ጀብሃን) ዝተቐላቐለሉ፣ ጭካነ ጕጅለ ዓፋኝ (ጸጥታ ኢትዮጵያ) ዝተራእየሉ፣ እሱራት ካብ ሰምበልን ዓዲ ዃላን ብኮማንዶ (ተ.ሓ.ኤ.) ሓራ ዝወጽሉ፣ ተጋደልቲ ኣብ ኣስመራ ኣትዮም ውግኣት ዘካየዱሉ፡ ኣብ ኤርትራ ህጹጽ ኣዋጅ ዝተበየነሉ፡ ናይ ወኪዱባን ኦምሓጀርን ኣቝርደትን ህልቂታት ዝተኻየደሉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ንሜዳን ሱዳንን ዝወሓዝሉ ... ወዘተ. ዘመን ነበረ።

ንጉሰ ኣብ መወዳእታ ’75 ንሜዳ ወረደ። ክብል-ክብል ከኣ እቲ መደብ ስለ ዝሳዕረረ ናይ ባህልን ልምድን ጕጅለ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ክትከል በቕዐ።

ንጉሰ ኣብ ስደት

ንጉሰ ምስ ሓዳሩ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት’ዩ ዝነብር። ንበዓል ንጉሰ ብክብሪ ኣብታ ዝተወልዱላን ዝዓበዩላን ዝተቓልሱላን ሃገር ምሓዝ ምተገብአ ነይሩ፣ ክቢ ዑደት ህይወቶም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ዝብሉ ብዙሓት’ዮም።

እቲ ካብ ኢራ ጀሚሩ፡ ብምሕላብ ኣቢሉ፡ ብከረን ኣላጊሱ ኣብ ኣስመራ ዝሰገረሉ እዋን ኣይረስዖን። ኣብ ኣስመራ ኸኣ እቲ ምስ ማ.ት.ኣ. ተጸንቢሩ ዘሕለፎ ስሉም እዋን ኣይኰነንዶ ባዕሉ ንጉሰ እቶም ኣብቲ እዋን ምስ ሃገራዊ ስምዒት ዝተፋለጡ ሰባት’ውን ኣይርስዕዎን፣ ክፋል ታሪኾምን ክፋል ታሪኽ ኤርትራን ስለ ዝዀነ።

ብኻልእ ሸነኹ፡ ንጉሰ ንብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ከቶ ክርስዖ ኣይክእልን፣ ኣርባዕተ ኣሕዋቱ ዝወሰደ ቃልሲ ስለ ዝዀነ።

ብመፈለምታ 80’ታት ንስደት ምስ ኣምርሐ ካብ ኤርትራ ጨሪሱ ኣይረሓቐን ክበሃል ይከኣል። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝርከቡ ኣብ ናይ ኤርትራውያን ማእከላት-ሚድያ እናተረኽበ ነዚ ሓድሽ ወለዶ ብዛዕባ መንነቱን መንነት-ማ.ት.ኣ.ን ደጋጊሙ ብምዝንታው ግቡኡ ገይሩ’ዩ።

ኣብ ‘መርሓባ’ ዝበሃል ባዕሉ ዘዳልዎ ዝነበረ መጽሔት’ውን፡ ብዛዕባኡን ዘሕለፎ ህይወትን ብደቂቕ ገሊጹዎ ኣሎ።

ንጉሰ ዕብየት’ኳ እንተ ኣርከቦ መንፈሱ ግን ልዑል’ዩ። ከም ሰቡ ኸኣ ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ሓቢሮም ዝተኣኻኸብሉ ግዜ ክመጽእ ብናፍቘትን ተስፋን ይጽበ።