ብኵናት ንዝተመዛበሉ ተጋሩ ዝሕግዙ ዘለው ኤርትራውያን

ብ በሪሁ ሊላይ

ኣብ ሕዳር 2020፡ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ህወሓትን ተወሊዑ ኣሽሓት ሰባት ዘህለቐን ዘመዛበለን ኵናት፡ ንብዙሕ ህዝቢ ዓለም ብፍላይ ከኣ ንጎረባብቲ አሕዋት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣሰንቢዱን ኣሻቒሉን እዩ።

እቲ ኵናት ምስተባርዐ፡ ገሊኦም ነቲ ባእስን ዕግርግርን ዘጓህሩ ገለ ከኣ ነቲ ጽልእን ህልኽን ዝጻረሩ ወገናት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ርእይቶም ከፍስሱ ጀሚሮም።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስደት ዝርከቡ ሓያሎ ኤርትራውያን ከኣ ነቲ ኣብ ዕጽዋን ከበባን ዝርከብ ብሰንኪ ኵናት ካብ ቤት ንብረቱ ዝተመዛበለን ዝተገፍዐን ሓውን ጎረቤትን ህዝቢ ትግራይ ተወዳዲቦም በብዓቕሞም ክድግፉ ተራእዮም።

ሓያሎ ኣብ ሜድያ ዝነጣጠፉ ወገናት ከኣ፡ ነቲ ንፍቕሪ አሕዋት ዘጠጥዕ፡ ንሕልና ዘርግእ ሰናይ ተግባር ኣብ መደባቶም ከቃልሕዎ ጀሚሮም።

ሓደ ካብኦም ከኣ “ተፈታዊ ቶክሾው” ንእትብል መደብ ዘሰናድእ መንእሰይ ሰልጠነ ግርማይ ንገለ ካብቲ ኣብ ጸገም ዝወደቐ ህዝቢ ትግራይ ንምድጋፍ፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ኣተኣኻኺቡ ከምዝለኣኸ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ።

ነቲ ሰናይ ተግባራቱ ከኣ ብምክትል ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳያትን ትግራይ ወ/ሮ ኣለማትን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወትን ኣፍልጦን ናይ ምስጋና ደብዳቤን ተዋሂብዎ።

መንእሰይ ሰልጠነ፡ ኵናት ትግራይ ቅድሚ ምውልዑ እውን ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣብ ሊብያን ካልእን ጸገማት ንዘጋጠሞም ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ንደቂ ኣንስትዮ ብመገዲ ‘ ጎ - ፋንድ- ሚ’ ንጽጉማት ይሕግዝ ምንባሩ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻኒሒት ገሊጹ።

ኣብ ትግራይ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ምስ ኣጋጠመ እውን ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝተኣኻኸበ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ይልእኽ ከምዝነበረ እውን ይገልጽ።

ለበዳ ኮቪድ ንዓለምና ምስ ወረራ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ሰብ ሃብቲ ተጋሩን ቤት ጽሕፈት ሓለዋ ጥዕና ትግራይን ኣስታት 171 ሽሕ ብር ዝግመት ከም ሳምናን ኣልኮልን፡ መሸፈኒ ኣፍ 'ማስክ'ን ዝኣመሰለ መከናኸሊ ኮቪድ ናብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ከምዘብጽሑ ኣብ ቢቢሲ ትግርኛ ተቓሊሑ ነይሩ።

ግዳይ ኵናት ሕዳር 2020 ተጋሩ፡ ካብ ኣባይቶም ተመዛቢሎም ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ዓዶምን ስግር ዶቦም ንሱዳንን ምስ ተሰዱን ኣብ ስደት ዝነብሩ ተጋሩን ኤርትራውያንን በብዓቕሞም ክደጋገፉዎም ፈቲኖም።

መንእሰይ ሰልጠነ እውን ኣብቲ ኵናት ኣብ ገዛ እንዳ እኖሓጎኣ እንከላ ብዝተደርበየ ከቢድ ብረት ኣዲኣ፣ እኖሓጎኣን ሓዋን ንዝሞቱዋ ክልተ ኣእጋራ ዝስኣነት ንእስቲ ቤቲን፡ ኣብ ዛላምበሳ ወለዶም ንዝሰኣኑ ሓሙሽተ ቆልዑን ካብ ገዳም ደብረ ኣባይ ተሰጕጎም ብእግሮም ናብ ከተማ ሽረ እንዳስለሰ ንዝኣተዉ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ጸጋ ዕድመ ዝርከብዎም መነኮሳትን ንምሕጋዝ ካብ ገበርቲ ሰናይ ኤርትራውያን አሕዋት ንዝተዋጽአ ገንዘብ ናብቶም ግዳያት ከምዝበጽሕ ገይሩ።

“እቲ ገንዘብ ካብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብስም ትውልዲ ዓዶምን ኣውራጃኦም ተኣኻኺቦም ንዝልእኹለይ ገንዘብ ኣኻኺበ እየ ዝሰዶ” ዝብል ኣቶ ሰልጠነ “እቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ናብቶም ግዳያት ይበጽሕ ከምዘሎ ብቪድዮ ዝተደገፈ መርትዖ ከቕርብ ምስ ጀመረ ሰባት እምነት ከሕድሩ ከምዝጀመሩ ሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም ብመገዲ ሰልጠነ ግርማይ ንግዳያት ኵናት ተጋሩ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝለኣኸ ነባሪ ኣመሪካ ድራር ገብረኺዳን፡ “ ተጋሩ ኣብ ጸገምና ስለዝሓገዙናን ዘዕቆቡናን ክንድግፎም ሕውነታውን ሕልናውን ግዴታ ኣለና” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ ከም ደለይቲ ፍትሒ፡ ነቲ ብዕጽዋን ከበባን ኣብ ሽግር ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ምሕጋዝ ማለት፡ ሓደ ሰብ፡ ሰብኣዊ ፍጡር ስለዝኾነ ጥራይ ክገብሮ ዝግባእ ሓገዝ ኢና እንገብር ዘለና” ኢሉ።

ካልእ ኢሳይያስ ዓደይኮታ ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ነባሪ ኣመሪካ ኤርትራዊ፡ “ኣብ ልዕሊ እቲ ብኹለንትናኡ ንዓና ዝመስል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከብ ቀንዲ ሓው ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ዝበጽሕ ኣደራዕን ሽግርን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝበጽሐ ኢና እንቖጽሮ” ይብል።

ዘረብኡ ብምቕጻል “እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወሪዱ ዘሎ ጸበባን ጥምየትን ኣብ ኤርትራውያን ወሪዱ እንተዝኸውን እሞ ህዝቢ ትግራይ ኢዱን እግሩን ኣኪቡ እንተዝጥምተና እንታይ ምተሰማዓና? ክብል ድሕሪ ምሕታት፡ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዘለዎ ሽግር ተናጊፉ እንተስ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ክልል ኮይኑ እንተስ ብሪፈረንደም ሃገር ኮይኑ ከም ምርጭኡ ኣብ ክልተ ሃገራት ከም እንነብር ጎረባብቲ ህዝብታት ነንሓድሕድና ክንደናገጽ ንቡር’ዩ” ክብል ርእይትኡ የቐምጥ።

ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ተቐማጣይ ሃገረ እስራኤል ኤርትራዊ ኣቶ ሓጎስ ኣብርሃ ብወገኑ “ብሰንኪ ኣብ ሃገረይ ዘሎ ስርዓት ካብ ዓደይ ተሰዲደ ናብ ትግራይ ምስ ኣተኹ፡ ህዝቢ ትግራይ ንሰለስተ ዓመት ሓብሒቡ ስለዘዕቖበኒ ኣብ ግዜ ሽግሩ ሓገዘይ ክገብረሉ ሕልናይ ይድርኸኒ’ዩ” ድሕሪ ምባል ንቐጻሊ’ውን ንሱን ካልኦት ኤርትራውያን ንኽሕግዙን ጎስጓስ ከምዝገብርን ገሊጹ።

ኣብቲ ንተጋሩ ግዳያት ኵናት ዝግበር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብዓቕማ እትሳተፍ፡ ዓባይኣ “መዓስ ኮን እያ እዛ ዶብ ትኽፈት” ክብላ እትዝክር ሓንቲ ኤርትራዊት መንእሰይ፡

“ተሰዲድናያ ዝኸድናዮ ህዝቢ ትግራይ ገጹ ኣብሪሁ ዝተቐበለና ሓው ስለዝኾነ፡ ኣብ ጸገሙ ክንሕግዞ ሕልናውን ሕውነታውን ግዴታ ኣሎና” ኢላ።

ካብ ጅቡኡ እውን እንተኾነ ብርክት ዝበለ ኣሽሓት ናብ ህዝቢ ትግራይ ከምዝለኣኸ ዝዛረብ መንእሰይ ሰልጠነ፡ እቲ ንተጋሩ ምሕጋዝ ዘይተዋሕጠሎም ሓደ ሓደ ሰባት ናይ ጸለመ ጎስጓስ ከምዘካይዱ ይሕብር።

እንተኾነ እቲ ገበርቲ ሰናይ ኤርትራውያን ዜጋታት ዘዋጽኡዎ ገንዘብ፡ ወግዓዊ ማሕተም ብዘለዎ ወረቐትን ብቪድዮ ዝተደገፈ መረዳእታን ኣብ መዓልኡ ይውዕል ከምዘሎ ስለዝፈልጥ ዕጉብ ምዃኑ ይገልጽ።

 ኣቶ ሰልጠነ ግርማይ፡ ዘሕዝን ዛንታ እታ ወላዲታ ኣብ ቅድሚ ዓይና ዝተቐትለታን ድሃይ ኣቦኣ ዘይብላን ጓል 12 ዓመት ጸሃይቱን ምንኣሳ ፍርቱና ሓፍታን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ሰምዐ ሽዑ ንሽዑ ሓደ ሽሕ ዶላር ከምዝለኣኸላን ክሳብ ምስ ወላዲአን ዝራኸባ ድማ ከም ኣቦ ኮይኑ ክናብየን ፍቓደን ሓቲቱ ይሕግዘን ከምዘሎ፡ ካብ ዓድግራት ናብ መቐለ ወሲዱ፡ ገዛ ተኻርዩ ንከምህረን መደብ ከምዘለዎ ብምግላጽ “ኣብ ትግራይ ክልተ ደቀይ ኣለዋኒ” ይብል።

ሰልጠነን ካልኦት ሓያሎ ኣብ ሚድያ ዝነጣጠፉ ሰባት፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ሊብያን ሱዳንን ንዝርከቡ ጽጉማት ኤርትራውያን ተመሳሳሊ ሓገዝ ከምዝገብሩ ይፍለጥ።

እቲ መንእሰይ “እዚ ኣብ ክልተ ሃገራት ዝነብር ኣሕዋት ህዝብታት ካብ ሕሰምን መከራን ክሳብ ዝናገፍ ዓቕመይ ዘፍቀደለይ ኣበርክቶ ክገብር’የ” ክብል ኩሉ ሕልና ዘለዎ ሰብ ምእንቲ ሰላምን ፍቕርን እዚ አሕዋትን ጎረባብትን አህዛብ እጃሙ ከበርክት ይምሕጸን።