ሰራዊት ፈደራል ናብ ከተማ ዓዲግራት ከም ዝኣተወ ነበርቲ ሓቢሮም

ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያ፡ ሎሚ 17 ጥሪ 2023 ናብ ከተማ ከተማ ዓዲግራት ከም ዝኣተወ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እታ ከተማ ገሊጾም።

እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ሰራዊት ፈደራል ብእግሪ፡ ከምኡ'ውን ፈኮስቲ ኣጽዋር ብዝጸዓና ኦራላትን ኣውቶብሳትን ናብታ ከተማ ከም ዝኣተዉ ሓቢሮም።

ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ናብ ዓዲግራት ክኣትዉ እዮም ዝብል ሓበሬታ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ፍጹም ዝተበሃለ ነባሪ እታ ከተማ፡ እቲ ሰራዊት “ናብ ዓዲግራት ዩኒቨርስቲ፡ ናብ ቤት ሓራ ትበሃል ቦታ፡ ናይ ቀደም ካምፕ ዝነበረ” ኣትዩ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ዝተረባበሸ ነገር ከም ዘየለ ዝገለጸ’ኳ እንተኾነ፡ "ምስቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ተተሓሒዙ ሰፊሕ ስግኣት ኣሎ፡ ክሳብ ሕዚ ግን ዝተረኣየ ነገር የለን” ኢሉ።

ካልእ ነባሪ እታ ከተማ ብወገኑ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ናብታ ከተማ ከም ዝኣተዉ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ዛጊድ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ሰብመዚ ትግራይ ብዛዕባ ምእታው ሓይልታት ፈደራል ናብታ ከተማ ዝሃብዎ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ገደብ ክኣቱ፡ ተቛሪጾም ዝጸንሑ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሱ፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሓይልታት ወጻእን ኣባላት ፌደራል ዘይኮኑ ዕጡቓት ክወጹን ዝብሉ መሰረታዊ ነጥብታት ንምፍጻም ምስምመዖም ዝዝከር እዩ።

ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ መንጎ መንግስት ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ንዝተበጽሐ ስምምዕ ስዒቡ ሰራዊት ፌደራልን ናብቲ ክልል ክዋፈሩ ከም ዝጀመረ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተበፅሐ ስምምዕ ተግባራዊ ኣብ ዝኾነሉ ዘሎ እዋን፡ ፌደራል ፖሊስ ብ29 ታሕሳስ 2022 ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መዕርፎ ነፈርቲ፡ ትካላት ኤሌክትሪክን ቴሌኮምን፡ ባንክታትን ካልኦት ማሕበራዊ ግልጋሎት ዝህባ ትካላትን ንምሕላው ናብ ከተማ መቐለ ምእታዉ ይዝከር።

ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ከምኡ’ውን፡ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ዕጽዋን ምቁራጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪጾም ዝጸንሑ ኤሌክትሪክን ቴሌኮምን፡ ባንክታትን ካልኦት ማሕበራዊ ግልጋሎታት እውን ይጅምሩ ከም ዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ኣገልግሎት ቴሌኮም ከም ዝጀመረ ዝሕብር ፍጹም፡ ነቲ ዕጸዋን ክባን ስዒቡ ኣብታ ከተማ ዝተፈጠረ ኩነታት ብዙሕ ምዕባለ ከም ዘየርኣየ ይገልጽ።

“ባንኪ ክሳብ ሕዚ የለን፡ ሸቐጣሸቐጥ የለን። ካብ ስልኪ ወጻኢ ዝጀመረ ማሕበራዊ ኣገልግሎት የለን” ይብል።

እቲ ክልል በቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዐበን ደማዊ ኩናት፡ ሰፊሕ ትሕተ ቅርጺ ስለዝዓነወ፡ እቲ ኣገልግሎት ብዝግባእ ኣብ ዝሓጸረ ክጀምር እዩ ዝብል ግምት ከም ዘይብሎም ገለ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

እቲ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ንሞት ኣማኢት ኣሻሓት፡ ምፍንቓል ሚልዮናትን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምኽንያት ኮይኑ እዩ።