እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፖሊስ ፌደራል ናብ ከተማ መቐለ ከም ዝኣተወ ተሓቢሩ
ፌደራላዊ ፖሊስ ኢትዮጵያ ትካላት ፌደራል መንግስቲ ንምሕላው ብዝብል ናብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ከም ዝኣተወ ተገሊፁ።
እቲ ትካል ሎሚ 20 ታሕሳስ 2015 ከም ዝሓበሮ፡ ኣባላቱ ናብ ከተማ መቐለ ትግራይ ብምውፋር ትካላት መንግስቲ ፌደራል ናይ ምሕላው ስርሖም ጀሚሮም ኣለው።
ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ መንጎ መንግስት ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ንዝተበጽሐ ስምምዕ ስዒቡ ሰራዊት ፌደራልን ሓይሊ ፖሊስን ናብቲ ክልል ክዋፈሩ ምዃኖም ተገሊጹ ነይሩ።
ብመሰረትሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ትካላት ፌደራል መንግስቲ ናይ ምሕላው ስልጣን ዘለዎ ፌደራል ፖሊስ፡ ኣብቲ ክልል ዘለዋ ትካላት ፌደራል ንምቁፅፃር ሎሚ ናብ ከተማ መቐለ ኣትዩ’ሎ።
ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተበፅሐ ስምምዕ ተግባራዊ ኣብ ዝኾነሉ ዘሎ እዋን፡ ፌደራል ፖሊስ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መዕርፎ ነፈርቲ፡ ትካላት ኤሌክትሪክን ቴሌኮምን፡ ባንክታትን ካልኦት ማሕበራዊ ግልጋሎት ዝህባ ትካላትን ከም ዝሕሉ ኣፍሊጡ።
ፌደራል ፖሊስ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ትግራይ ብምውፋር "ሕብረተሰብ ክረጋጋእን ናብ ዝነብረሉ ከባቢ ክምለስ ብምግባርን ናይ ጸጥታን ድሕንነትን ምኽባር ስራሕቲ ክሰርሕ ጸኒሐ እየ" ኢሉ ኣብ መግለፂኡ።
ኲናት ሓድሕድ ምስ ተወልዐ መንግስቲ ፌደራል ንመቐለ ተቖጻጺሩ ነቲ ክልል ዘመሓድር ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዘጣየሸሉ እዋን እውን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ፌደራልን ንሸሞንተ ኣዋርሕ ተዋፊሮም ምንባሮም ይዝከር።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ካብ ሓሙስ 20 ታሕሳስ 2015 ጀሚሩ ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ናብ መቐለ ከም ዝኣቱን ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ከበድቲ ኣጽዋር ከረክቡ ከም ዝጅምሩን ብማሕበራዊ መራኸቢ ገሊፁ ነይሩ።
ሰራዊት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ዝኾነት መቐለ ኣትዩ ሓላፍነቱ ክፍፅም ከም ዝጅምር እውን ሓቢሩ።
ዛጊድ ሰራዊት ምክልኻል መንግስቲ ፌደራል ናብ መቐለ ምእታዉ ዝገልጽ ሓበሬታ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ናብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝቐረቡ ከባብታት ከም ዝተፀግዑ ግን ጸብጻባት የመልክቱ።
ሎሚ ሓሙስ እቶም ቀንዲ ኣሸማገልቲ ዝኾኑ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆን ኡሁሩ ኬንያታን ከምኡ’ውን ኣቦ መንበር ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ ምስ ንብዙሓት ሃገራት ዝወከሉ ኣምባሳደራት ኣብ መቐለ ዘተ ከም ዝጀመሩ ተፈሊጡ’ሎ።