እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሰንኪ ኲናት ተፈላልዮም ዝጸንሑ ስድራቤታት ዳግም ተራኺቦም
ብሰንኪ ኲናት ትግራይ፡ ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ ምስ ስድርኦም ተፈላልዮም ዝነበሩ ተጋሩ፡ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ እንትኣትው ክነብዑን መሬት ክስዕሙን ተራእዮም።
እዚ ስምዒታዊ ዝዀነ ተርእዮ፡ ትማሊ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ዝግበር በረራ ምጅማሩ ስዒቡ ዝመጽአ እዩ።
እታ ከተማ ኣስታት 500 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ኰይና፡ ብሰንኪ እቲ ጠንቂ ሞት ዓሰተታት ኣሽሓት ዝኾነን ሚሊዮናት ዘመዛበለን ንክልተ ዓመታት ዝዘለቐ ሕሱም ኲናት ካብ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ተቖራሪጻ ጸኒሓ።
ኣብ መወዳእታ፡ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንክግበር ድሕሪ ዝኣተውዎ ስምምዕ፡ ትማሊ ናብቲ ክልል ዝግበር ስሩዕ በረራታት ጀሚሩ ኣሎ።
ትማሊ፡ ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ተጉዓዝቲ ዝሓዘት ፈላመይቲ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ከም ዝኣተወት ተገሊጹ።
ቴሌቪዥን ትግራይ፡ ምስሊ እቶም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ተንበርኪዀም መሬት ዝስዕሙ ዝነበሩ ተጉዓዝቲ ዘርጊሑ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ውን እቶም ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝብገሱ ዝነበሩ ሰባት ዝነበሮም ስምዒታት ዘርእዩ ምስልታት ተቓሊሖም እዮም።
ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ቴሌፎን’ውን ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ገሊኦም ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ ድሃይ መቕርባቶም ዘይነበሮምን ብህይወት ይጸንሑና’ዶ ኣብ ዝብል ሻቕሎት ዝነበሩ’ዮም።
ጓል 47 ዓመት ካሕሳ ሃይሉ፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንፈተና ትዳሎ ናብ ዝነበረት ጓላ ድሕሪ ምምጽኣ፡ በረራታት ብምቁራጾም ካብታ ከተማ ክትወጽእ ኣይክኣለትን ጸኒሓ።
“ካብ በዓል ቤተይን ዝፈትዎ ውላደይን ተፈልየ፡ ኣብዚ ጸኒሐ። እቲ ዜና [ምጅማር በረራታት] ምስ ሰማዕኩ፡ ናብ መሬት ወዲቐ በኽየ” ክትብል ካብ ኣዲስ ኣበባ ክትብገስ እንከላ ንሮይተርስ ተዛሪባ።
ካልእ ጓል 67 ዓመት ዝዀና ንግስቲ ሃይለማርያም፡ ብ2020 ነፍሰ ጾር ዝነበረት ጓለን ንምሕጋዝ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝመጽኣ ገሊጸን።
ንሰን ነቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃብኦ ቃል፡ “ጓለይ ከሕርስ'የ መጺአ። መደበይ ንኽልተ ሰሙን ምስኣ ጸኒሐ ክምለስ’ዩ ነይሩ፤ ሃንደበት ግን ኩሉ ነገር ተዓጽዩ። ልዕሊ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ኰይኑ፤ ሰላም ምምጽኡ ኣዝየ ሕጉስቲ’የ፤ ናብ ገዛይ ምምላሰይ ክኣ ዚያዳ ኣሐጒሱኒ” ኢለን።
ካብኡ ሓሊፉ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ቴሌፎን'ውን ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ከተማ መቐለ ዳግማይ ከምዝጀመረ ተፈሊጡ ኣሎ።
ሃገራዊ ማዕከን ዜና ኤፍቢሲ ንዋና ፈጻሚት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ፍረህይወት ታምሩ ጠቂሱ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ “ብሰንኪ ኲናት ጉድኣት ዝበጽሖ 981 ኪሎሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ፋይበር ብኢትዮ-ቴሌኮም ተጸጊኑ” ምባላ ሓቢሩ።
እቲ ኲናት፡ ብሰንኪ ኣብ ሞንጐ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ ዝዀነ ህወሓትን ብዝተፈጥረ ወጥርን ኣፈላላይን ዝስዓበ እዩ ነይሩ።
ኣብዪ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ክልል ንዝነበረ ሰራዊት ኣጥቂዖምን ካብ ስልጣን ክኣልዩዎ ፈቲኖምን ብዝብል ይኸሶም።
ነዚ ስጉምቲ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ድማ፡ መጥቃዕታት ኣየር ብምፍጻም፣ ህወሓት ካብ ስልጣኖም ንምእላይ ናብ ትግራይ ወተሃደራት ልኢኹ።
ማሕበረሰብ ዓለም፡ እቲ ሕጂ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታትን ምምላስ ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዝጸንሑ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ክመጽእ ዓብዪ ተራ ተጻዊቱ።