ስፖርት፡ ፖል ፖግባ መቅጻዕቱ ካብ 4 ዓመት ናብ 18 ኣዋርሕ ጎዲልሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፈረንሳዊ ዓንተር ኣከፋፋሊ ማእከል ሜዳ ፖል ፖግባ ሓይሊ ዘውህብ መድሃኒት ወሲዱ ተባሂሉ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዝኾነ ጸወታ ከይሳተፍ ተነበርሉ ዝጸንሐ መቅጻዕቲ ናብ 18 ኣዋርሕ ከምዝጎደለሉ ንስፖርታዊ ጉዳያት ዝከታተል ቤት ፍርዲ ኣፍሊጡ።
ምስ ወዲ 31 ዓመት ፖል ፖግባ ቅርበት ዘለዎም ወገናት፡ ፖል ፖግባ ካብ ዝመጽእ ጥሪ ልምምድ ክጅምር ምዃኑን ካብ መጋቢት ጀሚሩ ምስ ጁቬትንቱስ ስሩዕ ጸወታ ከምዝጅምርን ንቢቢሲ ስፖርት ሓቢሮም።
ፖል ፖግባ ኣብ ደሙ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ስለዝተረኸቦ’ዩ ብቤት ፍርዲ ጸረ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ንኣርባዕተ ኣብ ዝኾነ ጸወታ ከይሳተፍ ተኣጊዱ።
ናይቲ ካስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንጉያት ስፖርት ዝካታተል ቤት ፍርዲ ዳይረክተር ዝኾነ ማትዮ ረብ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬት፡ ፖል ፖግባ መቅጻዕቱ 11 መስከረም 2023 ከምዝጀመረ ብምግላጽ ካብኡ ዝሕሰብ መቅጻዕቱ ናብ 18 ኣዋርሕ ከምዝጎደለሉ ኣረጋጊጹ።
መቅጻዕቲ ካብ 4 ዓመት ናብ 18 ኣዋርሕ ከምዝጎደለሉ ምስ ተሓበሮ መግለጺ ዝሃበ ፖል ፖግባ “ኣብ መወዳእትኡ እቲ ዘባህርር ለይትታት ተወዲኡ” ኢሉ።
ፖል ፖግባ ብምስዓብ “ከምቲ ኣቐዲመ ዝብሎ ዝነበርኩ ብፍላጥ ንሕግታት ጸረ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ኣይጥሓስኩን፡ ብዶክተረይ ዝተኣዘዘለይ መድሃኒት’የ ወሲደ፡ እንተኾነ ፈሊጥካ ግብረ ከይፈለጥካ ሕጊ እንጥሒስካ ከኣ ክትቅጻዕ ግድን’ዩ፡ ንጥርዓነይ ሰሚዖም መልሲ ንዝሃቡኒ ፈራዶ ከመስግን ይፈቱ፡ ኣዝኡ ኣጨናቒ ግዜ’የ ኣሕሊፈ ምኽንያቱ እቲ ንኽንደይ ዓመታት ዝጸዓርክሉ’ዩ ሃንደበት ደው ኢሉ” ኢሉ።
ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ብምዃን ዋንጫ ዓለም ዝተዓወተ ፖል ፖግባ በቲ ኣቐዲሙ ተወሲንሉ ዝነበረ ናይ ኣርባዕተ ዓመት መቅጻዕቲ፡ ናብ ክዕሶ እግሪ ክምለስ እንተኾይኑ ኣብ 2027 ምተመለሰ ነይሩ።
ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝነበሮ ውዕል ኣብ ሓምለ 2022 ምስ ኣብቐዐ ብነጻ ናብታ ኣቐዲማ ጋንትኡ ዝነበረት ጁቬንቱን ንኣርባዕተ ዓመታት ዘጽንሖ ውዕል ብምኽታም ምስ ጅቬንቱስ እናተጻወት እንከሎ’ዩ ሃንደበታዊ መርመራ ምስ ተገበረሉ ኣብ ደሙ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ከምዘሎ ክረጋገጽ ክኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







