ኤርትራዊ ተዋስኣይ ሰዓረ ፍጹም ንኣህጉራዊ ሽልማት ፊልም ተሓጽዩ

ምንጪ ስእሊ, Eritrean profile
ኤርትራዊ ተዋስኣይ ሰዓረ ፍጹም፡ ‘ሰዓረ’ ኣብ ዘርእስታ ሓጻር ፊልም ብዝተላበሶ ገጸባህሪ በቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝመደበሩ ንኣፍሪቃውያን ተዋሳእቲ ዝሽልም ኣህጉራዊ ሽልማት ሰቱጌ ኣብ ሰለስተ ዓውድታት ንሽልማት ተሓጽዩ።
ተዋስኣይ ሰዓረ፡ ኣብ ዝበለጸ ተዋስኣይ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ወርቃዊ ሽልማት ንዝበለጸ ተዋስኣይ ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ብህዝቢ ዝተሓረየ ዝበለጸ ተዋስኣይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝብል ዓውድታት’ዩ ንሽልማት ተሓጽዩ ዘሎ።
ወዲ 28 ዓመት ሰዓረ ፍጽም፡ ምስ ጋዜጣ ኤሪትርያን ፕሮፋይል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ካብ ህጻንነቱ’ኳ ኣብ ስነጥበብ እንተኣተወ፡ ካብ ካብ 2015 ጀሚሩ ግን ብሞያዊ መገዲ ኣብ ፊልም ክዋሳእ ከምዝጀመረ ገሊጹ።
ኣባል 26 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝዀነ ሰዓረ፡ መጀመርታ ዝተዋስኣላ ፊልም ብዘርእሰናይ ዓንደብርሃን ዝተሰርሐት ፊልም "ፍቕሪ ሎሚ ቕነ" እትብል ኰይና፣ ብኡ ብዝጀመሮ ሞያ ክሳብ ሕጂ ኣብ 23 ዝተፈላለያ ፊልምታት ከምዝተዋስአ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብታ ብደበሳይ ወልዱ ዝተደርሰት ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ክትርአ ዝጸንሐት ተኸታታሊት ፊልም ማጨሎ፡ ክእለቱ ከም ዘንጸባረቐ ይግለጽ።
እታ ሕጂ ንሽልማት ተሓጽዩላ ዘሎ ሓጻር ፊልም ‘ሰዓረ’፡ ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ዝተመርኮሰት ፊልም ኰይና ብዮሃንስ ኣብርሃ ዝተደርሰትን ዝተኣልየትን እያ፤ ሕመረት ዛንታኣ ኸኣ፡ ነቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ኵናት ምርኵስ ዝገበረ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
ሰቱጌ ኣዋርድ ካብ ዝጅመር ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ክሽልመ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ንሻውዓይ ግዜኡ ዝካየድ ዘሎ እዩ።
መስርሕ ምዕዳል ሽልማት ካብ 9 ክሳብ 12 ሕዳር ዝካየድ ኰይኑ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ፊልም 42 ተዋሳእቲ ተሓጽዮም ኣለዉ።
ፕረዚደንት ሽልማት ሰቱጌ ከቪን ሞን፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ሽልማት፡ ቀንዲ ዕላማ ሰቱጌ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ብኣፍሪቃውያን ዝፈሪ ብሉጽ ፊልምታት ኣፍልጦን ሽልማትን ምሃብ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።
ኣብ 2021 ኤርትራዊት ተዋሳኢት ዊንታ ገብረእግዝኣብሄር በቲ ኣብ ተኸታታሊት ፊልም ማጨሎ ዝተላበሰቶ ገጸ ባህሪ ብጽላት 'በስት ሆፕ ኣፍሪካን ቲቪ ሾው' ንሽልማት ተሓጸያ ምንባራ ዝዝከር’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







