ትግራይ፡ ላዕለዎት ሰብመዚ ትምህርቲ ፌደራል መቐለ ኣትዮም

ላዕለዎት ሰብመዚ ትምህርቲ ፌደራል መቐለ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, Tigray TV

ሰበስልጣን ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቲ ብሰንኪ ኲናት ዝተቛረጸ ኩነታት ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንምዝርራብ መቐለ ኣትዮም።

እቲ ብሚኒስተር ዲኤታ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ሳሙኤል ክፍለ ዝምራሕ ጉጅለ፡ "ምስ ኣመራርሓ ቢሮ ትምህርትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ትግራይ ተራኺቡ ብሰንኪ. . .ኩናት ዝዓነወ ስርዓት ትምህርቲ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ዝኽእሎ ዕማም ክዝቲ ምዃኑ" መንግስታዊ ማዕከን ዜና እቲ ክልል ሓቢሩ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓልን ዕንወትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ።

ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ቆልዑ ካብ ትምህርቲ ከምዝበኾሩን፡ ንመጀመርታ ግዜ ቀዳማይ ብርኪ ክጅምሩ ዝነበሮም ዓሰርተታት ኣሽሓት ድማ ትምህርቲ ከምዝተሓረሙን ጸብጻባት ይገልጹ።

ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ'ውን በቲ ኲናት ዓንየን፡ እተን ዝተረፋ'ውን መዕቆቢ ተፈናቐልቲ ኮይነን ዝጸንሓሉ ኩነታት'ዩ ዘሎ።

ብፍላይ ካብ ምዕራብ ትግራይ፡ ደቡብ ትግራይን ሰሜን-ምዕራብን ዝተፈናቐሉ ማሕበረሰባት ዛጊት ናብ መረበቶም ከምዘይተመልሱ ሰብመዚ እቲ ክልል ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ'ውን ንቡር መስርሕ ትምህርቲ ዛጊት ኣይጀመራን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓላፊ ጉዳያት ትምህርቲ ትካል ህጻና ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ቻንስ ብሪግስ ንቢቢሲ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ብምሉኡ ስርዓተ ትምህርቲ ትግራይ ፈሪሱ'ዩ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት (2022) ሓምለ ጀሚሩ 2.3 ሚልዮን ህጻናት ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ኰይኖም ኣለው” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ብመሰረት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ መረጻ ክሳብ ዝካየድ፡ ነቲ ክልል ክመርሕ ዝተመስረተ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትማሊ 27 መጋቢት 2015 (ግእዝ) ብዕሊ ተረኪቡ'ሎ።

ፌደራላዊ መንግስቲ ነቲ ሓድሽ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቐዲሙ ኣፍልጦ ምሃቡ ይዝከር።

እቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ፈላማ ሕዳር 2022 ብዝተፈረመ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት'ዩ ደው ኢሉ።

ኣባል እቲ ሓድሽ ካቢነ ዝኾነ ሓላፊ ሴክሬታሪያት ትልሚ ስግግር ማሕበራዊ ልምዓትን ትግራይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት፡ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶኦክተ ኪሮስ ጉዕሽ፡ ፕረዚዳንት ዩኒቨርቲ መቐለ ዶክተር ፋና ሓጎስ፡ ፕረዚዳንት ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ዶኦክተር ዛይድ ነጋሽን ካልኦት ኣመራርሓን ምስቶም ሰብመዚ ፌደራል ብምርኻብ ይላዘቡ ኣለዉ።

ፌደራላዊ መንግስቲ ነቲ ኣደስኪልዎ ዝጸንሐ ባጀት ክልል ትግራይ ክሰዶ ትጽቢት ይግበረሉ።

ብሰንኪ ምቁራጽ ባጀት፡ ኣሽሓት መምሃራን ዝርከብዎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ደሞዝ ከምዘይተኸፍሎም ይግለጽ።

መምህራን ዩኒቨርሲ ከይተረፉ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቖም ነይሮም'ዮም። ኣገልግሎት ባንክ ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጹ ብምንባሩ'ውን ነቲ ኩነታት ኣጋዲድዎ'ዩ።

ምብጻሕ ናይዞም ሰብመዚ ፌደራል፡ ኣብቲ ክልል ትምህርታዊ ንጥፈታት ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ኩነታት ንምቅልጣፍ ሓጋዚ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ።