ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጃልባ 60 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ተገሊጹ

ስደተኛታት ዝጥቀሙን ጀላቡ

ምንጪ ስእሊ, SOS Méditerranée

ስደተኛታት ጽዒና ማእከላይ ባሕሪ ተቋርጽ ኣብ ዝነበረት ካብ ጎማ ዝተሰርሐት ጀልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ ብውሑድ 60 ሰባት ከምዝሞቱ ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ መሰኻኽር ገሊጾም፡፡

እቶም 25 ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ዋንነታ ናይ 'ኤስ-ኦኤ-ስ መደተራንያን' ዝተባህለ ገባር-ሰናይ ማሕበር ብዝኾነት ‘ኦሽን ቫይኪንግ’ ዝተባህለት መርከብ እዮም ካብቲ ባሕሪ ድሒኖም፡፡

እቶም ስደተኛታት ቅድሚ ምስታ መርከብ ምርኻቦም ቅድሚ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ካብ እትርከብ ደሴት ዛውያ ከምዝተበገሱ ነቶም ዘድሓንዎም ነጊሮምዎም፡፡

ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ሞተር ናይታ ጀልባ ብምብልሻዉ፡ ብዘይ ምግብን ማይን ጸንበለል እናበለት ክትቅኒ ተገዲዳ፡፡

እቶም ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ መሰኻኽር ከምዝሓበርዎ፡ እቶም ግዳያት ደቂ ኣንስትዮን ብውሑድ ሓደ ህጻንን ዝርከቡዎም እዮም፡፡

ኤስ-ኦ-ኤስ ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣባላት ናይታ ኦሽን ቫይኪንግ ዝተባህለት መርከብ፡ ነታ ጀልባ ብረቡዕ ኣቕሪቡ ብዘርእይ መነጸር ከምዝረኣይዋን ምስ ሓለውቲ ባሕሪ ኢጣልያ ብምትሕብባር ንሕክምና ከምዘግዓዝዎምን ገሊጹ፡፡

እቶም ብህይወት ዝተረኸቡ ስደተኛታት ‘‘ኣብ ድኹም ኩነታት ጥዕና’’ ከምዝነበሩን ሕክምናዊ ክትትል ይግበረሎም ከምዘሎን እውን እቲ ትካል ገሊጹ፡፡

ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ኣብ ከቢድ ጸገም ጥዕና ዝነበሩ ክልተ ስደተኛታት ድማ ንዝሓሸ ሕክምና ናብ ሲሲሊ ከምዝተወሰዱ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (ኣይ-ኦ-ኤም) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ቁጽሪ ኣብ ጉዕዞ ዝሞቱ ስደተኛታት ምምዝጋብ ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ 2023 እቲ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝሞቱሉ ዓመት ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ኣብ ዝርከቡ ናይ ስደት መንገዲታት ብውሑድ 8 ሽሕን 565 ስደተኛታት ሞይቶም፡፡

እዚ ቁጽሪ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ20 ምኢታዊት ከምዝወሰኸ እዩ እቲ ትካል ዝገልጽ፡፡

ማእከላይ ባሕሪ ንምቁራጽ ዝግበር ጉዕዞ ሕዚ እውን እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ መንገዲ ኮይኑ ቀጺሉ ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻብ ናይቲ ትካል፡ ኣብ 2023 ጥራሕ ብውሑድ 3 ሽሕን 129 ስደተኛታት ከምዝሞቱን ሃለዋቶም ከምዝጠፍኡን ኣመልኪቱ፡፡ እዚ ቁጽሪ ካብ 2017 ንደሓር እቲ ዝለዓለ እዩ፡፡