እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ህዝብና ኣሰሊፍና ክሳብ መወዳእታ ክንቃለሶ ኢና'፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ዝደገፉ ተቓወምቲ ሰልፍታት ትግራይ
ሰለስተ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ትግራይ ነቲ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዝርከብ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ብስም "ኪዳን ተጋሩ ንብሔራዊ ድሕነት" ብዝብል ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ነቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ንምፍራስ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓሳት ኮኒኖም።
እቲ ውድብ ናጽነት ትግራይ (ውናት)፡ ብሔራዊ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)፡ ከምኡ'ውን ዓረና ትግራይ ንዲሞክራስን ሉእላውነትን ዝፈረምሉ ሎሚ ብረቡዕ ዝወጸ መግለጺ ሓይልታት ትግራይ ናብ መዓስከራት (ካምፕ) ክኣትዉ ጸዊዑ'ሎ።
"ሓይሊ ሰራዊት ተጠቒምካ ዝግበር ግዚያዊ ምምሕዳር ናይ ምፍራስ ከይዲ፤ ትግራይ ዓውደ ቀጠናዊ ኩናት ዝገብርን ንህዝብና ናብ ጥፍኣት ዘእቱን ስለዝኾነ ብህፁፅ ደው ክብል ንፅውዕ"።
"ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ንሓደ ፖለቲካዊ ጉጅለ ብምውጋን ነቲ ናይ ህዝቢ ሰራዊት ካብ ልእኽቶኡ ወፃኢ፤ መፈፀሚ ፖለቲካዊ ድሌት ሓደ ጉጅለ ኮይኑ ኣብ ጥፍኣት ህዝቡ ተሳታፊ ክኸውን ምግባር ብህፁፅ ደው ክብልን ሰራዊት ናብ ካምፕታት ክኣቱን ፃውዒትና ነቕርብ" ይብሉ እቶም ተቓወምቲ ሰልፍታት።
ሓደ ካብቶም ፈረምቲ ዝኾነ ዓረና፡ ኣብ 1993 (20010 ኣብ መንጎ ህወሓት ዝተፈጥረ ካልእ ምክፍፋል ካብቲ ውድብ ብዝወጸን ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዝነበረን ነባር ተጋዳላይ ገብሩ ኣስራት ዝተመስረተን ኣብቲ ክልል ፈላሚ ተቓዋሚ ሰልፊ ምዃኑ ይፍለጥ።
ድሕሪ ኲናት ትግራይ ኣብ ውሽጢ ነታ ክልል ንልዕሊ 34 ዓመታት ዝመርሓ ውድብ ህወሓት ኣብ ዝተፈጥረ ምግምማዕ ብዙሓት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ወገን ከምዝድግፉ ምፍላጦም ጸጥታውን ፖለቲካውን ቅልውላው ፈጢሩ ይርከብ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንገለ ኣብ ምፍራስ "መሓውራት መንግስቲ" ተሳቲፎም ዝበሎም ፍሉጣት ኣዘዝቲ ካብ መዝነቶም ከምዘውረዶም ኣፍሊጡ ነይሩ።
እንተኾነ ግን እቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ክፋል ህወሓት እቲ ውሳነ ተቐባልነት ይኹን ተፈጻምነት ከምዘይህልዎ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ወገን ህወሓት ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን "ነዚ ጫፍ ብልሒ መኸተና ዝኾነ ሓይሊ ከይሓዝካ ዝረጋገፅ ድሕንነት ኮነ ብሄራዊ ረብሓ ክህሉ ኣይኽእልን" ክብል መርገጺኡ ኣነጺሩ'ሎ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ፈደራላዊ ቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዘይሃቦ በይናዊ ጉባኤ ዘካየደ ጉጅለ ህወሓት፡ ነቲ ንግዝያዊ ምምሕዳር ዝመርሕ ዘሎ ጌታቸው ረዳ ካብ መዝነቱ ከምዘውረዶ'ዩ ዝገልጽ።
ብደገፍ ገለ ሓይልታት ትግራይ ንወከልቲ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምስንባት ድማ ቅድሚ ኲናት ዝነበሩ ምምሕዳራት ዞባታትን ወረዳታትን ኣብ ምቁጽጻር ይርከብ።
እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብወገኑ፡ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ዘይሕጋዊ "ዕልዋ መንግስቲ" ምዃኑ''ዩ ዝምጉት።
ብሰንኪ'ቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥርን ምትፍናንን ህዝቢ እታ ክልል ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቑ ምህላዉ ጸብጻባት ይገልጹ።
ድሮ'ውን ኣብ ከም ዓዲ-ጉዶም ዝበሉ ገለ ካባቢታት ኣብ ዝተፈጥረ ግጭት ሓያለ ሰባት ተጐዲኦም ኣለዉ።
እቲ ደገፍ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ተነፊግዎ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ፈደራላዊ መንግስቲ ክሕግዞ ተማሕጺኑ'ሎ።
ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ተፈጢሩ ዘሎ ምፍጣጥ ብዘተ ክፍታሕ ዝጸውዑ እቶም ተቓወምቲ ሰልፍታት "ካብዚ ወፃኢ ንዝግበር ከይዲ ግን ህዝብና ኣሰሊፍና ክሳብ መወዳእታ ከምንቃለሶ ንገልፅ" ክብሉ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።