እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ እንዳ መስተ 'ተባሪረ' ብዝብል 11 ሰባት ብምቕታል ዝተጠርጠረ ሰብ ተታሒዙ
ካብ እንዳ መስተ 'ኣባሪሮሙኒ' ብዝብል ምኽንያት ነቲ እንዳ መስተ ኣቃጺሉ 11 ሰባት ከም ዝቐተለ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።
እቲ ፍጻመ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ኣብታ ምስ ኣሜሪካ እትዳወብ ሳን ሉዊዝ ሪዮ ኮሎራዶ እዩ ኣጋጢሙ።
እቲ ኣብ ግዝኣት ሴኖራ ዝርከብ እንዳ መስተ ካብ ዶብ ኣሜሪካ ሒደት ሜትሮታት ጥራይ ርሒቑ ዝርከብ እዩ።
እቲ ሰኺሩ ዝነበረ መንእሰይ ካብቲ ባር እናተባረረ እንከሎ ‘ሞሎቶቭ ኮክቴል’ ዝተበሃለ ፈሳሲ ከምዝደርበየ ሰብመዚ ይገልጹ።
ሞሎቶቭ ኮክቴል ማለት ኣብ ጫፉ ሓዊ ዘለዎ ተባራዓይ ፈሳሲ ዝሓዘ መስተ እዩ።
እቲ ጥርጡር ካብቲ እንዳ መስተ ቅድሚ ምብራሩ ንደቂ ኣንስትዮ የሸግር ከም ዝነበረ'ውን ይግለጽ።
ከንቲባ እታ ከተማ ኣብ ትዊተር፡ እቲ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ሓቢሩ።
መንነት እቲ ጥርጡር ግን ብስም ኣይተገለጸን።
ብሰንኪ እቲ መንእሰይ ዘስዓቦ ባርዕ ካብ ዝሞቱ እቶም ሸውዓተ ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ እየን።
ካልኦት ጉድኣት ዘጋጠሞም ሰባት ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይከታተሉ ከም ዘለዉ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ግዝኣት ሴኖራ ሓቢሩ።
ብዙሓት ካብቶም ዝቖሰሉ ኣብ ስግር ዶብ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣሜሪካ ተዓቚቦም ይርከቡ።
"ብመሰረት ሓያሎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ እቲ ጥርጡር ንደቂ ኣንስትዮ ይሃርም ስለዝነበረ ካብቲ ቤት መግቢ ከም ዝተባረረ" መግለጺ ቤት ጽሕፈት ኣኻባሪ ሕጊ የመልክት።
እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ወሲኾም፡ እቲ ሰብኣይ "ከም ሞሎቶቭ ኮክቴል ዝመስል ነገር" ናብቲ እንዳ መስተ ከም ዝደርበየ ሓቢሮም።
"ኣብ ግዝኣት ሴኖራ ልዕሊ ሕጊ ዝዀን ሰብ የለን" ይብል እቲ መግለጺ።
ወሲኹ "ፍትሒ ክስዕር'ዩ" ብምባል ቀጻሊ መርመራ ይካየድ ከም ዘሎ የመልክት።
ሜክሲኮ ንዓመታት ብዝተወደበ ገበን ከም እትሳቐ ዝፍለጥ’ኳ እንተዀነ፡ እቲ መንእሰይ ዝፈጸሞ ተግባር ምስ ዝተወደበ ገበን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ግን ገና ንጹር ኣይኰነን።