እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክልተ ወርሒ ኣብ ባሕሪ ምስ ከልቡ ጠፊኡ ዝደሓነ ሰብኣይ
ኣብ ውቅያኖስ ፓሲፊክ፡ ኣብ ልዕሊ መርከቡ ብዝወረደ ሓደጋ፡ ምስ ከልቡ ንኽልተ ኣዋርሕ ጠፊኡ ዝጸንሐ ኣውስትራልያዊ ኣብዚ ሰሙን ድሒኑ።
እቲ ጥረ ዓሳ እናበልዐን ማይ ዝናብ እናሰተየን ዝደሓነ ኣውስትራልያዊ ባሕረኛ፡ "ርጉእን ኣዝዩ ጽቡቕን" ኣሎ ክብል ዶክተር እታ ዘድሓነቶ መርከብ ሓቢሩ።
እቲ ወዲ 51 ዓመት ተቐማጢ ሲድኒ ዝዀነ ቲም ሻዶክን ቤላ ዝተባህለ ከልቡን፡ ኣብ ሚያዝያ እዮም ካብ ሜክሲኮ ናብ ፈረንሳዊት ፖሊነዥያ ነቒሎም፤ እንተዀነ ድሕሪ ሓያሎ ሰሙናት ግን ጃልባኦም ብህቦብላ ተወቒዓ ኣንፈታ ኣጥፊኣ።
ኣብዚ ሰሙን ግን ብሄሊኮፕተር ድሕሪ ምርኣያ ብዓባይ መርከብ ገፋፊት ዓሳ ድሒኖም ኣለዉ።
እቲ ኣብታ ዘድሓነት መርከብ ዝነበረ ዶክተር፡ ንማዕከን ዜና ኣውስትራልያ 9ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሰብኣይ "ንቡርን ንኵነታቱ ዘረጋግጹ ኣገዳሲ ምልክታትን" ከምዘለዎ ገሊጹ።
ሚስተር ሻዶክ፡ ነቲ ዝጽበዮ ዝነበረ ልዕሊ 6ሽሕ ኪሎሜተር ጕዕዞ ባሕሪ፡ ካብ ከተማ ላ ፓዝ ሜክሲኮ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ብሰንኪ ብሕማቕ ኵነታት ኣየር ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታቱ ብኣጋ ኣቋሪጹ።
በዚ ኸኣ እቲ ባሕረኛን ከልቡን ኣብቲ ሰፊሕን ተጻባእን ምዃኑ ዝፍለጥ ውቅያኖስ ሰሜናዊ ፓስፊክ ንኽንሳፈፉ ተገዲዶም።
እቲ ባሕረኛ መወዳእታኡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሜክሲኮ ምስ ከልቡ ምስ ተረኽቡ፡ ኣመና ዓቢሩን ልዕሊ ዓቐን ጭሒሙን ጸኒሑ።
ኣገልግሎት ዜና 9ኒውስ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ እቲ ባሕረኛ “ኣዝዩ ከቢድ መከራ ኣሕሊፈ'የ" ክብል ይስማዕ።
"ኣብቲ ባሕሪ ንነዊሕ እዋን በይነይ ስለዝጸናሕኩ ዕረፍትን ጽቡቕ መግብን ጥራይ እዩ ዘድልየኒ እምበር ጥዕናይ ኣመና ጽቡቕ'ዩ ዘሎ፡" ኢሉ።
ዝነበሮ ናውቲ ምግፋፍ ዓሳ፡ ብህይወት ንኽጸንሕ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረሉ ሚስተር ሻዶክ ይገልጽ።
ኣብ ትሕቲ ጽላል ጃልባኡ ብምዃን እውን ካብ ጸሓይ ከውሊ ከምዝረኸበ ሓቢሩ።
ድሕሪ ምድሓኑ፡ ሚስተር ሻዶክ፡ ፍሽኽ እናበለ ኵነታት ጥዕናኡ ንኽፈልጥ ኣብ ቅልጽሙ መለክዒ ጸቕጢ ደም ክገብር ተራእዩ።
ብመጠኑ መግቢታት እውን ክበልዕ ይኽእል እዩ።
ኣብዚ እዋን ሚስተር ሻዶክ፡ ምስታ ናብ ሜክሲኮ ትምለስ ዘላ መርከብ ዓሳ ይምለስ ኣሎ። ኣብኡ ኸኣ ተወሳኺ ሕክምናዊ መርመራታትን ክንክንን ክግበረሉ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።