ብዛዕባ'ታ ስደተኛታት ሒዛ ዝጠሓለት ጃልባ ዝተረኽበ መርትዖታት እንታይ እዩ?

ቢቢሲ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ ዘጋጠመን ብኣማኢት ዝቝፀሩ ስደተኛታት ደሃዮም ዝተስኣኑሉን ሓደጋ ምጥሓል ጀልባ ኣመልኪቱ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ጥርጣረ ዘስዕብ መርትዖታት ረኺቡ።

ካልኦት መራኽብ ኣብቲ ከባቢ ዝገበራኦ ምንቅስቓስ ዘመልክት ገምጋም ከም ዝሕብሮ፡ እታ ልዕሊ ዓቐን ብስደተኛታት ኣዕለቕሊቓ ዝነበረት መርከብ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ቅድሚ ምግልባጣ እንተወሓደ ንሸውዓተ ሰዓታት ኣብ ምንቅስቓስ ኣይነበረትን።

እቶም ሓለዋ ባሕሪ ግን እታ ጃልባ ኣብተን ሰዓታት ናብ መስመር ኢጣልያ ተምርሕ ምንባራን ሓገዝ ምድሓን የድልያ ከምዘይነበረን እዮም ዝካትዑ።

ሰብመዚ ግሪኽ ንርኽበታት ቢቢሲ ዛጊድ ዝሃብዎ መልሲ የለን።

በቲ ሓደጋ ብውሕዱ 78 ሰባት ከምዝሞቱ ክረጋገጽ እንከሎ፡ 500 ሰባት ግን ክሳዕ ሕጂ ደሃዮም ከምዘይተፈለጠ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ግሪኽ ነቲ ሓደጋ ኣብ ዝሃበቶ ግብረ-መልሲ ምጽራይ ክካየድ ክጽውዕ እንከሎ፡ ምሉእ ፈተነ ምድሓን ህይወት ንምክያድ ኣቐዲሙ ተወሳኺ ስጕምቲ ክውሰድ ነይርዎ ዝብል ነቐፌታታት ይቐርብ ኣሎ።

ሰበስልጣን ግሪኽ ግን እቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ሰባት ሓገዝ ክግበረሎም ከምዘይደለዩን፡ ጃልባኦም ቅድሚ ምጥሓላ ኣብ ሓደጋ ከምዘይነበሩን እዮም ሕጂ’ውን ዝምጕቱ።

ቢቢሲ፡ ’ማሪንትራፊክ’ ብዝተባህለ ፕላትፎርም ትንታነ ባሕሪ ንዝቐረበ ምክትታል ዳታ ‘ኮምፒዩተር ኣኒሜሽን’ ረኺቡ።

ዳታኦም ድማ እታ ጃልባ ስደተኛታት ፀኒሓ ኣብ ዝጠሓለትሉ ንእሽተይን ፍሉይን ከባቢ ዘተኮረ ንሰዓታት ዝቐጸለ ንጥፈታት ዘርኢ ኰይኑ፡ ‘እታ ጀልባ ኣብ ፀገም ኣይነበረትን’ ኣብ ዝብል ወግዓዊ ምጕት ጥርጣረ ፈጢሩሉ ኣሎ።

ዝተዋቕዐ ወግዓዊ ሓበሬታ ሓለዋ ባሕሪ

ዶባዊ ሓይሊ ሕብረት ኣውሮጳ ዝዀነ ‘ፍሮንቴክስ’ ነታ ናይ ስደተኛታት ጃልባ ንመጀመርያ ግዜ ብሰሉስ ከባቢ ሰዓት 08፡00 GMT ከምዝረኣያን ንሰበስልጣን ግሪኽ ከምዝሓበረን ይገልጽ።

ኣብ ባሕሪ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ስደተኛታት ዘገልግል ህጹጽ መስመር ቴሌፎን ‘ኣላርም ፎን’ ድማ ሰዓት 12፡17 GMT እታ ጃልባ ኣብ ሓደጋ ከምዘላ ዝገልጽ ጻውዒት ከምዝበጽሖ የመልክት።

ኣብቶም ዝቐፀሉ ሰዓታት ኣብቲ ከባቢ ንዝነበረ ምንቅስቓስ መራኽብ ንምትንታን፡ ብ ‘ቢቢሲ ቨሪፋይ’ ዝተረጋገጸ ቪድዮን ስእልታትን ከምኡ'ውን መዛግብቲ ቤት ፍርድን ምልክታት ጕዕዞ መርከብን ተጠቒምና።

እቲ ናይ ባሕሪ ‘ትራፊክ ኣኒሜሽን’፡ ላኪ ሰይለር (‘Lucky Sailor’) ዝተባህለት መርከብ፡ ሰዓት 15፡00 GMT ሃንደበት ናብ ሰሜን ክትጥወ እከላ የርኢ።

ወናኒ እታ መርከብ ድማ፡ ናብታ ጃልባ ስደተኛታት ቀሪቡ መግብን ማይን ክህቦም ብሓለዋ ባሕሪ ከምዝተሓተተ ኣረጋጊጹልና።

ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ፡ ሰዓት 15፡35 GMT፡ ሄሊኮፕተር ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ነታ ጃልባ ረኺባታ። ሰብመዚ እታ ጀልባ ኣብቲ እዋን ኣብ ርጉእ መስመር ከምዝነበረት ምግላጾም ቀጺሎም ኣለዉ።

ድሕሪ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ግን ከባቢ ሰዓት 18፡00 GMT ካልእ ‘ፈይዝፉል ዋሪየር’ ዝተበሃለት መርከብ ናብ ተመሳሳሊ ከባቢ ብምጕዓዝ ነታ ጃልባ ዝተፈላለየ ሓገዛት ሂባ።

በታ ‘ፈይዝፉል ዋሪየር’ ዝተበሃለት መርከብ ዝተቐድሐ ምዃኑ ዝንገረሉ ቪድዮ ወጺኡ እዩ፤ ኣብ ማይ ብዝተዘርግሐ ገመድ ኣቢሉ ናብታ መርከብ ስደተኛታት ሓገዛት ክቐርብ ከሎ የርኢ ተባሂሉ’ሎ። ካልኦት መራኽብ ግን ኣብቲ ቪድዮ ኣይረኣያን።

‘ቢቢሲ ቨሪፋይ’፡ እታ ኣብቲ ቪድዮ ዘይንቀሳቐስ ጃልባ ምስ ቅርጺ ናይታ ኣብ ስእልታት ዝተራእየት ስደተኛታት ዝፀዓነት ጃልባ ዝመሳሰል ከምዝዀነን ኵነታት ኣየር ድማ ምስቶም ኣብቲ እዋን ዝተገልጹ ከምዝሰማማዕን ብዘካየዶ ምፅራይ ኣረጋጊጹ ኣሎ። እቲ ቪድዮ መዓስ ከም ዝተቐድሐ ብርግጽ ዝፍለጥ ኣይኮነን።

ሰበስልጣን ግሪኽ ኣብ መንጐ ሰዓት 19፡40 ክሳብ 22፡40 እታ ጃልባ "ርጕእ መስመርን ፍጥነትን" ትሕሉ ከምዝነበረት እዮም ገሊጾም።

እቲ ናይ መጀመርታ መግለጺኦም ካብ ቀረባ ርሕቀት ኰይኖም ከምዝተኸታተልዎ ዝሕብር ኰይኑ፡ ድሒሮም ዘሕተምዎ ተጸጊዖም ዝሰኣልዎ ስእሊ ግን፡ እታ ጃልባ ስደተኛታት ካብቲ ግዜ ጀሚራ ናብ ዝኾነ ቦታ ከምዘይከደት የመልክት።

ድሒሩ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓለዋ ባሕሪ ነቲ ሓደጋ ንምግምጋም ናብታ ጃልባ ክስቀሉ ፈቲኖም'ኳ እንተነበሩ፡ እቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ግን ነቲ ገመድ [ነታ ጀልባ ምስታ ናይ ሓለዋ ባሕሪ መርከብ ዘራኽብ] ከምዝኣለይዎን ሓገዝ ከምዘይደልዩ ምግላጾምን ኣረዲኡ።

ኵሉ ኣብተን ዝሓለፋ ሸውዓተ ሰዓታት ዝነበረ ንጥፈታት መራኽብ ኣብ ዙርያ ሓደ ፍሉይ ቦታ ዘተኮረ ብምንባሩ፡ እታ ናይ ስደተኛታት ጃልባ ዳርጋ ከምዘይተንቀሳቐሰት የመልክት።

መጠን ናይቲ ተንቀሳቓሲ ካርታ (‘ኣኒሜትድ ማፕ’)፡ እታ ጀልባ ትሕቲ ሒደት ማይላት ጥራይ ከም ዝተጓዕዘት ዝሕብር ኰይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ ዝዓሞቐ ክፋል ባሕሪ ሜዲተራንያን ብንፋስን ማዕበልን ካብ ዝተናግዐት መርከብ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ።

እቶም ኣብ ጭንቀት ዝነበሩ ሰባት ዝፍጽምዎም ተግባራት ነታ መርከብ ብምንቅጥቃጥ ዝዀነ ምንቅስቓስ ክትገብር ኣበርክቶ ገይሩ ክኸውን ይኽእል።

እታ ጀልባ ኣብ ውሽጢ እዚ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ጸገም ከምዘይኣተወት እኳ ደኣብሰላም ናብ ኢጣልያ ትጓዓዝ ከምዝነበረት ዝገልጹ ሰበስልጣን ግሪኽ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ነቶም ስደተኛታት ንምድሓን ከምዘይፈተኑ ብትሪ ይምጕቱ ኣለዉ።

ሰዓት 23፡00 እታ ጃልባ ኣማኢት ስደተኛታት ሒዛ ዝጠሓለት ኰይና፡ እቲ ናይ ምክትታል ኣኒሜሽን ድማ ጸፋዕፋዕ ዝብላ መራኽብ ንሓገዝ ክመጻ ከለዋ የርኢ።

ብድሕሪኡ ንግስቲ ማያን (‘Mayan Queen’) ዝተባህለት ምቾት ዘለዋ ጃልባ ንገለ ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ 104 ሰባት ናብ ገምገም ባሕሪ ብምውሳድ ክትሕግዝ መምርሒ ተዋሂብዋ።

እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ኣብ ወደብ ቃላማታ ናብ ዝርከብ ውሑስ ቦታ'ኳ እንተ ተወሰዱ፡ ብዛዕባ ግሪኽ ነቲ ሓደጋ ዝሃበቶ ግብረ-መልሲ ግን ገና ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ተሪፎም ኣለዉ።