እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
“ሬሳ ሰባት ሰጊረ እየ ወጺአ"- 19 መምሃራን ካብ ዝቐተለ ሓደጋ መኪና ዝደሓነ መምህር
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ብዘጋጠመ ክፉእ ሓደጋ መኪና 19 ሰራሕተኛታት ዩኒቨርሲቲ መደ ወላቡ ክሞቱ እንከለው፡ ልዕሊ 18 ሰባት ድማ ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ኣካላዊ መጉዳእቲ በጺሑዎም እዩ።
ካብዚ ህይወት ብዙሓት ዝመንዝዐ ሓደጋ ግን ክልተ መምሃራን ዝዀነ ዓይነት መጉዳእቲ እንከይበጽሖም ብህይወት ክተርፉ ክኢሎም።
ካብኦም እቲ ሓደ፡ ደስታ ሙላቱ ዝብሃል ኰይኑ ‘ብተኣምር ፈጣሪ’ ብህይወት ክተርፍ ክኢለ እየ ይብል።
ብቀዳም 12 ግንቦት 2015 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ኣስታት 50 መምህራን እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሻሸመኔን ዶዶላን ኣብ ዝርከቡ ቀጽርታት ዝወሃብ ትምህርቲ ‘ኤክስቴንሽን’ ንምሃብ’ዮም ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ወጋሕታ ሰዓት 11፡30 ካብ ሮቤ ተላዒሎም።
ይኹን’ምበር፡ እቲ ዝጉዓዝሉ ዝነበረ መኪና ኣብ ውሽጢ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ “ዎሻቲ” ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ክበጽሕ እንከሎ መገዲ ስሒቱ ናብ ጸድፊ ኣትዩ።
በዚ ኣዝዩ ክፉእ ሓደጋ ህይወት 19 መምሃራን እቲ ዩኒቨርሲቲ ክሓልፍ እንከሎ ብዙሓት ድማ ቀሊልን ከቢድን ኣካላዊ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሖም ዩኒቨርሲቲ መደ ወላቡ ገሊጹ እዩ።
ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ መንቀሊ እዚ ሓደጋ ብወግዒ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።
ደስታ፡ “ኣብ ዶዶላ ንጉሆ ሰዓት 2፡30 ንክንበጽሕ ካብ ከተማ ሮቤ ወጋሕታ 11፡30 ወጺእና” ይብል።
መምህር ደስታ፡ እቲ ዝጉዓዝሉ ዝነበረ መኪና ቴክኒካዊ ጸገማት ከም ዝነበሮ ይዛረብ።
“እቲ ዝተሳፈርናሉ መኪና ጸገም ነይሩዎ እዪ፤ ሰብስቤ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ክንበጽሕ እንከለና እቲ መራሒ መኪና ነታ መኪና ደው ኣቢሉ ናብ ትሕቲ እታ መኪና ኣትዩ ዝዀነ ነገራት ይተዃቱኽ ነይሩ” ይብል።
ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ መራሒ መኪናን ተሓጋጋዚኡን እቲ መኪና ጸገም ከም ዘለዎ ይዘራረቡ ከም ዝነበሩን ተጉዓዝቲ ብምኽንያት ጸገም ፍራቻ ነቲ መኪና ንምቁጽጻር ይጽገም ምህላው የውግዑ ከም ዝነበሩን ይገልጽ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ መራሒ እታ መኪና ቁሩብ ጽገና ገይሮም፡ ጉዕዝኦም ምስ ቀጸሉ ግን ድሕሪ ደቓይቕ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።
“ንክልተ ደቒቕ’ውን ኣይተጉዓዝናን፤ እታ መኪና ብናህሪ ክትጉዓዝ ድሕሪ ምጽናሕ ሓፍ ኢላ ናብ ጸድፊ ኣትያ። ፍራቻ ዀነ ካልእ ኣይሰርሕን ኢሉ ኣርባዕቲኡ እግራ ከም ነፋሪት ኣብ ኣየር ተንሳፊኡ ኢና ናብ ቁልቁለት ጸዲፍና” ብምባል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ይዝክሮ።
ካብዚ ሓደጋ ዝዀነ ዓይነት ሓደጋ እንከይበጽሖ ብህይወት ምትራፉ “ዓብዪ ሓጐስ’ዩ ተሰሚዑኒ፤ ንኣምላኸይ የመስግኖ” ዝብል መምህር ደስታ፡ እቲ ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ ካብቲ ኰፍ ኢልሉ ዝነበረ ቦታ ዘይምልዓሉ ሓጊዙዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምት።
“ኣብ መወዳእታ ገጽ እየ ኰፍ ኢለ ነይረ፤ መብዛሕትኦም ህይወቶም ዝስኣኑ ሰባት ኣብ ቅድሚት ኰፍ ኢሎም ዝነበሩ እዮም። መብዛሕትኦም ድማ ሰንቢዶም (እቲ መኪና ናብ ጸድፊ ቅድሚ ምእታው) ኰፍ ካብ ዝበሉዎ ተላዒሎም ደው ዝበሉ’ዮም፡ ይብል።
“ከም ዕድል ኰይኑ ኣነ ድንን ኢለ እየ ኰፍ ኢለ ነይረ። እቲ መኪና ኣብ ኣየር ክንሳፈፍ እንከሎ ርእሰይ ሒዘ ድንን ኢለ ነይረ። ሽዑ ኩላትና ተወዲእና ኢልና ነይርና። ናብ ሞት ይኸይድ ከም ዘለኹ ተሰሚዑኒ፤ እቲ መኪና ናብ ጸድፊ ኣትዩ ክሳብ ዝሕምሸሽ ተስፋ ቘሪጸ እየ ነይረ” ብምባል፡ ቅድሚ እቲ ሓደጋ ኣውያት እቶም ተጉዓዝቲ ይስማዕ ከም ዝነበረ ይዝክር።
ንሱን ንብረቱን ግን (ስልኩን ላፕቶፑን) ዝዀነ ዓይነት ሓደጋ ከይበጽሖም ብህይወት ወጺኡ ኣሎ።
“ሬሳ ሰባት ሰጊረ እየ ካብቲ ጸድፊ ወጺአ”።
መምህር ኢንፎርሜሽን ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ መደ ወላቡ ዝዀነ ደስታ ሙላቱ፡ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ህይወት 19 መሳርሕቱ ከም ዝሓለፈ ገሊጹ።
እዚ ሓደጋ፡ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ስፖርት ሳይንስ እቲ ዩኒቨርሲቲ ልዑል ሓደጋ ከም ዘብጽሐ’ውን ሓቢሩ።
“ሓቢርና ዝወጻእና መምሃራን ኣብ መገዲ ምትራፍና ክኣምን ኣይክኣልኩን። ሕጂ’ውን ተመሊስና ከም እንራኸብ’የ ዝሓስብ” ብምባል ብሕልፈት መሳርሕቱ ዝተሰምዖ ከቢድ ሓዘን ገሊጹ።