እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንኽትሓርስ ሸውዓተ ሰዓት ብግመል ዝተጓዕዘት ኣደ
ጓል 19 ዓመት ሞና፡ እቲ ናብ ሆስፒታል ዝወስድ 40 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ጕዕዞ ካብቲ ኣብ ርእሲ ኣኻውሕ ዝበዝሖ ኣኽራናት ዝርከብ ገዛኣ ኣርባዕተ ሰዓት እዩ ዝወስድ።
ጽርግያታት ስለ ዘይነበሮ ግን - ምስ ቃንዛ ሕርስን ሕማቕ ኵነታት ኣየርን ኰይና- ሸውዓተ ሰዓት ወሲዱላ።
“ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጕሚ እታ ግመል ይቕንዞ ነይረ።”
እታ ገመል ካብዚ ንላዕሊ ክትከይድ ኣብ ዘይከኣለትሉ እዋን፡ ሞና ካብታ ግመል ወሪዳ ምስ በዓል ቤታ ብእግራ ተጓዒዛ።
ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ የመን ግዝኣት ማህዌት፡ ሆስፒታል በኒ ሳዓድ እቲ ንኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ እንኮ ትካል ጥዕና እዩ።
ሞና፡ ኣል-ማዕቓራ ኣብ ዝበሃል ዓዲ እትነብር ኰይና፡ ካብ ገዛኣ፡ እቲ መሳለጥያ ነቶም በዳህቲ ኣኽራናት እናሰገርካ ብኣግማል ወይ ብእግሪ ጥራይ እዩ ዝኽየድ።
ሞና ኣብ ጕዕዞኣ እንከላ፡ ንድሕነታን ናይቲ ኣብ ከብዳ ዝነበረ ውላዳን ኣዝያ ፈሪሓ።
“እቲ ጽርግያ ኣኻውሕ ዝበዝሖ እዩ ነይሩ፤ ብኣካልን ብኣእምሮን ዘድክም ጕዕዞ’ዩ። ካብቲ ቃንዛ ሩፍታ ንምርካብ፡ ኣምላኽ ንዓይ ወሲዱ ነቲ ዕሸል ከውሕሰለይ ዝጸለኹሉ ሰዓት ነይሩ” ትብል።
ሞና፡ ኣብቲ ሆስፒታል ድሕሪ ምብጽሓ ዝዀነ ዝኽሪ የብላን፤ ኣብ ሕቝፊ እተን መዋልዳንን ሓካይም መጥባሕትን ድምጺ ውላዳ ምስ ሰምዐት ተስፋ ሓፍ ክብል ከም ዝተሰምዓ ግን ትዝክር።
ሰብኣይን ሰበይትን፡ ውላዶም ብስም እቲ ዘዋለዳ ሓኪም ጃራህ ኢሎም ጸዊዖምዎ።
እቶም ናብቲ ሆስፒታል ዝወስዱ ጽርግያታት እቲ ዓዲ ኣዝዮም ጸበብቲ እዮም።
ገሊኦም፡ ዝተበላሸው ገሊኦም ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጐ እቶም ብልፍንቲ ስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ደገፍቲ መንግስትን ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ምንቅስቓስ ሑቲን ንሸሞንተ ዓመታት ብዝጸንሐ ኲናት ዝተዓጸው’ዮም።
ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣባላት ስድራ ወይ’ውን እንዳ ነፍሰ-ጾር ኣደታት በቶም ኣርባዕተ ሰዓት ዝወስዱ ኣኽራናት ናብ ሆስፒታል ንክበጽሓ ይሕግዙወን’ዮም።
ጓል 33 ዓመት ሳልማ ዓብዱ ሓንቲ ብጽሕቲ ወርሒ ሒዛ ናብ ሆስፒታል ትኸይድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብ ፍርቂ መገዲ ምስ በጽሐት ለይቲ ናብ ሆስፒታል ትኸይድ ዝነበረት ካልእ ነፍሰ-ጾር ኣደ ኣብ መገዲ ሞይታ ከም ዝርኣየት ትዛረብ።
ሰባት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምሕረት ክገብሩ ኸኣ ትምሕጸን ኣላ።
“መገዲ፡ ሆስፒታላትን ፋርማሲታትን አና ንደሊ። ኣብዚ ሽንጥሮ ተዓጺና ኢና ዘለና። ካልኦት ክሞታ እንከለዋ እተን ዕድለኛታት ኰይነን ብሰላም ዝገላገላ’ውን እንተዀነ ሓያል ቃንዛ እቲ ጕዕዞ’የን ዝሓልፋ” ትብል።
ገለ ስድራቤታት ንሆስፒታል ዝኸፍልዎ ገንዘብ'ኳ እንተዘይሰኣኑ ናብኡ ከብጽሖም ዝኽእል ፋይናንሳዊ ጸጋታት ግን የብሎምን።
ኣብ የመን ምክልኻል ብዝክኣሉ መንቀሊታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰዓታት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሕርሲ ከም እትመውት ሓበሬታ ፈንድ ህዝቢ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን የመልክት።
ምኽትል ወኪል እቲ ትካል ሂቻም ናሮ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት የመን ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ክትትል ጥንሲ ክገብራ ከም ዘይክእላ ብምግላጽ ኣብ ከቢድ ቃንዛ ምስ ዝዀና ወይ ምፍሳስ ደም ምስ ዘጋጥመን ጥራይ ናብ ትካል ጥዕና ከም ዝኸዳ ይሕብር።
ኣብታ ሃገር ትሕቲ ፍርቂ ወሊድ ብበዓል ሞያ ጥዕና ሓግዝ ክረክብ እንከሎ፡ ሓደ ሲሶ ወሊድ ጥራይ ድማ ኣብ ትካላት ጥዕና ከም ዝፍጸም ትካል ህዝቢ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
40 ሚእታዊት ካብ የመናውያን ዝተማልአ መሳለጥያ ዘለዎ ሕክምና ንክረኽቡ ልዕሊ ሓደ ሰዓት’ዮም ዝጓዓዙ።
እቲ ዝፈራረሰ ስርዓት ጥዕና የመን ቅድሚ እቲ ኲናት ኣትሒዙ’ዩ ጸገማት ነይርዎ።
እቲ ጐንጺ ድማ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት፣ ጽርግያታት ሰፊሕ ዕንወት ስለ ዘውረደ ስድራቤታት ብዘይ ዝዀነ ጸገማት ናብ ሆስፒታል ክጓዓዙ ኣየኽኣሎምን።
እተን ሆስፒታላት ዝሰልጠነ በዓል ሞያ ይስእና፣ መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን ይሓጽረን እዩ ዘሎ፤ ኣብ ጽርግያን ትሕተ ቕርጽን ዝግበር ወፍሪ ድማ ደው ኢሉ’ዩ።
ሕቡራት ሃገራት ከም ዝብሎ እንተዀይኑ፡ ካብ ሓሙሽተ ሓንቲ መሳለጥያ ጥራይ እያ ኣገልግሎታት ወሊድን ጥዕና ህጻናትን ክትህብ እትኽእል።
ዛንታ ሞና፡ ሓደ ካብቲ ብዙሓት ብጹሓት ደቂ ኣንስትዮ የመን ዝሓልፋኦ ዘለዋ ብድሆታት እዩ።
ኣብታ ሃገር፡ ሰባት መኪና ንምግዛእ ዓቕሚ የብሎምን፤ 80 ሚእታዊት ህዝቢ ብረድኤት እዩ ዝናበር።
በዓል ቤት ሃይላህ፡ በዓልቲ ቤቱ ብዝተለቅሓ ሞተር ብሽክለታ ናብ ሆስፒታል ንኽወስዳ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ እናሰርሐ ቅሩብ ገንዘብ ኣዋህሊሉ።
ማይ ክፈሳ ምስ ጀመረ፡ ዘማኣ ኣብ ቀረባ ስለ ዝነበረ በታ ሞተር ብሽክለታ ገይሩ ናብ ሆስፒታል ሒዙዋ እናኸደ እንከሎ ግን ኣብ መገዲ ወዲቓ።
ኣብ ድሃማር ኣብ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ሃዳካ ክበጽሑ እንከለው፡ ሓካም ተጓይዮም ናብ መጥባሕቲ ክፍሊ ወሲዶምዋ።
ጓል 30 ዓመት ሃይላህ፡ “መወዳእታይ መሲሉኒ ነይሩ። ኣነን እቲ ዘይተወልደ ዕሸለይን ብህይወት እንተርፈሉ ዝዀነ መገዲ ኣይነበረን” ትብል።
ብሰንኪ ከቢድ ምፍሳስ ደምን ካልኦት ሕልኽላኻት ጥንስን ኣብ ገዛ ክትወልድ ከም ዘይብላ መጠንቀቕታ ተዋሂቡዋ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ወመዳእታ ሰዓት ክልቲኦም ደሓን ምዃኖም ዶክተር እቲ ትካል ጥዕና ኣበሲርዎም።
ሃይላህ፡ ጓል ተገላጊላ፤ ኣማል ክትብል ድማ ሽም ኣውጺኣትላ። ብቋንቋ ዓረብ “ተስፋ” ማለት እዩ።
“ዳርጋ ስኢነያ’የ ነይረ፤ ህይወት ብጠቕላላ ብሰንኪ እዚ ኲናት ትርጕም ስኢኑ’ዩ፤ እዛ ህጻን ግን ተስፋ ሂባትኒ” ትብል።
ኣብታ ሃገር ዝርከባ ትካላት ዝረኽባኦ ዓለምለኻዊ ሓገዝ ይጽንቀቕ እዩ ዘሎ።
እዚ ድማ፡ ኣብ ቀጻሊ፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ነታ ኣደ ወይ’ውን ነቲ ህጻን ጥራይ ከድሕኑ ክግደዱ ክገብሮም እዩ።