ጭውያ፡ ዝቕባበን ዕዳን ዝሓደገ ፕረዚደንት

ዝመጽእ ሰሙን ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ ፕረዚደንት ናይጀሪያ ሙሓመዱ ቡሃሪ ዝያዳ፡ ካብቲ ኣብ 2015 ናብ ስልጣን ዝመጸሉ እዋን ናይጀርያውያን ጸገም ድሕነት ዘለዎም፡ ድኻታትን ዝያዳ ብዕዳ ዝተዋሕጡሉ ኵነታት ፈጢሩ ይገድፎም ኣሎ።

እቲ ወተሃደራዊ መራሒ ነበር፡ ኣብቲ ኣብ እዋን መሪሕነቱ ትሑት ኣፈጻጽማ ዝነበሮ ጕድላክ ጆናታን ዝተሳዕረሉ ኣገዳሲ ሃገራዊ መረጻ ድሕሪ ምዕዋቱ'ዩ ፕረዚደንት ኰይኑ።

ለውጢ ይከኣል እዩ ዝብል ማዕበል ተስፋ እናቐለሰ ብሓያል ጥምረት ተደጊፉን ነገራት ዝፍጽም ተሪር ወተሃደር ዝብል ዝናኡ ተጐልቢቡን ናብ ስልጣን ደየበ።

ቡሃሪ ኣብ 1980ታት ንሓጺር እዋን ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንኻልኣይ ግዜ ናብ ኮረቻ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዝምዕብል ዝነበረ እስላማዊ ናዕቢ ንምንካይን ሰፊሕ ብልሽውና ንምምካትን መብጽዓታት ብምእታው እዩ ነይሩ።

ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ሰልጢኖም ሃገር ንምምሕዳር ንቕድሚት ዝመጽኡ እዩ።

እዚ ወዲ 80 ዓመት ሰብኣይ ድሕሪ ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ምጽናዕ፡ ንብዙሓት ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ገዲፉዎም ይእለ ኣሎ።

ኣብ ግዜኡ፡ ካብ ኣሜሪካ ብዝተረኽበ ዝተመሓየሸ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ተጠቒሙ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ንዝርከቡ ቦኮ ሓራምን ካልኦት ኣኽረርቲ ጕጅለታትን ኣብ ምምካት መኽሰብ ተራእዩ እዩ።

እቶም ጕጅለታት ግን ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰባትን ወተሃደራዊ ትካላትን መጥቃዕቲ ክፍጽሙ እንከለዉ፡ ብናጽነት ዝንቀሳቐሱሉን ሰፊሕ ክፋል መሬት ናይጀርያ ዝቈጻጸሩሉን ዓመታት ተራእዩ ኣሎ።

ቡሃሪ ብተወሳኺ ነቲ ዝተበላሸወ ትሕተ ቅርጺ ጽርግያታትን ባቡርን ንምምሕያሽ፡ ኣብ ሌጎስ ሓድሽ ወደብ ንምህናጽ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዘሎ ኣገዳሲ ድልድል ንምዝዛም፡ ከምኡ’ውን ኣገደስቲ ሕጊታት መረጻን ጽላት ነዳድን ንምስፋሕ ገዚፍ ልቓሕ ቻይና ተጠቒሙ’ዩ።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ዝተመዝገበ መኽሰብ ግን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ኣብ ካልእ ክፋላት እታ ሃገር ማዕረ ማዕሪኡ ዓመጽቲ ጕጅለታት ብምፍራዮም ተባሕጒጉ እዩ።

ንዓመታት ኣብ መንጐ ሓረስቶትን ጓሶት ከብትን ብሄር ፉላኒ ዝፍጠር ዝነበረ ግጭት፡ መንግስቲ እቲ ጸገም ንምፍታሕ ብዝብል እንስሳታት ዝጓሰይሉ ሓሳባት ብምምጽኡ እቲ ምትፍናን ናብ ዓሌታዊ ጐንጺ ሓፍ ኢሉ ናብ ቀታሊ ዕጥቃዊ ወጥሪ ዓቢይ ተራእዩ ነይሩ።

ቡሃሪ ንርእሱ ካብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ዝመጽአ ተወላዲ ፉላኒ ኰይኑ፡ ኣብቲ ግጭት ወገናውነት ኣለዎ ብዝብል ተኸሲሱ’ዩ፤ ንጓሶት ኢሉ ዘቕረቦ እማመ መጋሃጫ ድማ ከም ኣገባብ ምዝማት መሬት ስለ ዝተርኣየ ብሓያላት ኣመሓደርቲ ደቡባዊ ክፍለ ግዝኣታት ከም ዝተነጽጐን ይፍለጥ።

ገለ ካብቶም ብቅልውላው ሓረስቶትን ጓሶትን ዝተፈጥሩ ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ሞተር ብሽክለታ ሒዞም ናብ ዝንቀሳቐሱ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብን ማእከላይን ግዝኣታት ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ዒላማ ዝገብሩ ባንዳታት ተሰጋጊሮም’ዮም።

እዞም ጕጅለታት ኣታዊ ዝረኽብሉ ጭውያ ናብ ሓደ ዓቢ ንግዲ ቐይሮምዎ፤ ሕጂ ኣብ መላእ ሃገር ዝተዘርግሐ መርዘን ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ቀዳማይ ዓሰርተ ዓመታት ናይቲ ክፍለ ዘመን፡ ሰራሕተኛታት ነዳዲ ኣብ ኒጀር ደልታ ተጨውዮም ነይሮም፤ እዚ ተግባር ዒላማ ንዝገብሮም ክፋላት ሕብረተሰብ ቀይሩ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ዝጠጥዐ ተግባር ኰይኑ።

ንኣብነት ካብ ታሕሳስ 2020 ክሳብ መስከረም 2021 ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ህጻናት ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝተጨውዩ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍ ይጠቅስ።

እዚ ድማ ልዕሊ እተን ኣብ 2014 ርእሰ ዜና ዓለም ዝዀና ኣብ ቺቦክ ካብ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ዝተጨውያ 270 ኣዋልድ ኰይኑ እዩ።

እዚ ገበን'ዚ ግን ቡሃሪ ንጆናታን ንምስዓር ዝተጠቐመሉ ወሳኒ ረቛሒ እዩ ነይሩ።

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ግዝኣት ካኖ ዝነብር ሓረስታይ ሙሳ ኣሕመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ከም ወተሃደራዊ ገዛኢ ነበር መጠን ንጸጥታዊ ብድሆታት ናይጀርያ መፍትሒ ክህልዎ'ዩ ኢለ ሓሲበ ነይረ" ኢሉ።

መበቆሉ ካብታ እቲ ፕረዚደንት ዝነብረላ ግዝኣት ካትሲና ዝዀነ ኣሕማዱ፡ ብሰንኪ ምንቅስቓሳት ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብቲ ዞባ፡ መሬቱ ገዲፉ ምስ ካልኦት ኣሽሓት ሰባት ናብ ጐረቤት ካኖ ሃዲሙ ይርከብ።

ካልኦት ብዙሓት'ውን፡ ቡሃሪ ነቲ ብመራሒ ተገንጸልቲ ናምዲ ካኑ ዝተቐልቀለ ኵነታት ዝነበሮ ኣተሓሕዛ ጌጋ እዩ ነይሩ ኢሎም ይኣምኑ።

ካኑ ነቲ ብመንግስቲ ዝተኸልከለ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ምግንጻል ዝደሊ ጕጅለ ደቀባት ቢያፍራ (ኢፖብ) ይመርሕ።

ንሱ ብኢንተርነት ብዝመሓላለፍ ራድዮኡ ኣቢሉ ነቲ ኣብታ ሃገር ኣዝዩ ኣካታዒ ዝዀነ ጉዳይ ምግንጻል ይጕስጉስ።

ኢፖብ ክሳብ ካኑ ንመጀመርያ ግዜ ብመንግስቲ ቡሃሪ ኣብ 2015 ብጥልመት ሃገር ተኸሲሱ ዝእሰር፡ ብዓቢኡ ብብዙሓት ናይጀርያውያን ዕሽሽ ተባሂሉ እዩ ጸኒሑ።

ድሕሪኡ ግን ብመንግስቲ ዝተወደበ መጥቃዕቲ ኣብ ገዛኡ ክፍጸም ምስ ጀመረ ካብ ቅውውጽጽር ወጻኢ ናብ ዝዀነን ህይወት ኣማኢት ሰባት ናብ ዝመንዝዐን ዕጥቃዊ ጐነጽ ኣምሪሑ።

ካኑ፡ ኣብ 2017 ሃዲሙ'ኳ እንተነበረ፡ ንጹር ብዘይኰነ ኵነታት ኣብ ወጻኢ ተታሒዙ ኣብ 2021 ናብ ናይጀርያ ተመሊሱ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ተገይሩ።

መስርሕ ምምላሱ ዘይሕጋዊ ስለ ዝነበረ ግን ዳኛ ክፍታሕ'ኳ እንተኣዘዘ፡ ሰብ መዚ ግን ክሰድዎ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን።

እዚ ጸጥታዊ ብድሆታት እዚ፡ ቡሃሪ ነቲ ሕምብርቲ ክእለት ክኸውን ዝነበሮ ዓውዲ ዘርኣዮ ኣተሓሕዛ ኣብ ሕቶ ኣእትይዎም።

ተንታኒ ጸጥታ ጥሮተኛ ኮሎኔል ሓሰን ስታን-ላቢ፡ "ኵሉ መብጽዓታት ምስ ኣተወ፡ ኣብቲ ዝምረጸሉ ዞባ፡ ሰራዊት እታ ሃገርን ዘምጽኦ ደረጃ ሕፍረት ክሓስቦ እንከለኹ ይገርመኒ'ዩ" ኢሉ።

"ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፍሉይ ሞያ ከመይ ጌርካ ክትፈሽል ትኽእል?" ኢሉ ድማ ይሓትት።

ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ቡሃሪ ብደረጃ ሃገር ዝነበረ ዘይምርግጋእ ብዓቢኡ ኣብታ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዕጡቓት ነዳዲን ሸፋቱ ባሕርን ስልጣን ዘርኣዩላ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ኒጀር ደልታ ድምጺ ኣልቦ ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ሰላም ግን ምስቲ ሰፊሕ ስርቂ ነዳዲ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ዝሳነ ይመስል።

መንግስቲ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ናይቲ ዞባ ካብ ሻምብቆታት ዘይተጻረየ ነዳዲ እናሰረቝ ኣማዕፍዩ ይርእዮም ኣሎ እናተባህለ ይኽሰስ።

እዚ ድማ ምህርቲ ናይጀርያ ኣብ 2022 ናብ ናይ ድሕሪ 30 ዓመታት ናብ ዝወሓደ ደረጃ ክወርድ ምኽንያት ኰይኑ።

እቲ ነበርቲ ካብ ሓገዝ ሰብ መዚ መንግስቲ ወጻኢ “ዳርጋ ዘይክኣል” ክብሉ ዝገለጹዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ሓደ ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ሻምብቆ ነዳዲ ንምስራቕ ዝተገብረ ዘሰንብድ ፍጻመ ካልእ ሕመቕ እቲ መሪሕነት እዩ።

ኣብ ሓደ ቦታ፡ ሸፋቱ በቲ ብብዝሒ ዝሕሎ ወሽመጥ ኣቢሎም ናብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ዝወስድ ናይ ገዛእ ርእሶም 4 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ሻምብቆ ነዳዲ ሰሪሖም።

ኣብኡ ድማ ነቲ ዝተሰርቀ ነዳዲ ክጽዓን ገይሮም።

ብኸምዚ ዝበለ ደረጃ ስርቂ ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ቡሃሪ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ እዚ ነቲ ንብልሽውና ይቃለስ ኣለኹ ዝብሎ ስርሓት ከም ዘዳኸሞ ሰራሕተኛ ዘይመንግስታዊ ትካል ጸረ ብልሽውና ክሊን ፋውንደሽን ዝዀነ ሳላውዲን ሃሺም ንቢቢሲ ገሊጹ።

ቡሃሪ እቲ ልዑል ወጻኢታት ዝሓትት ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝገብሮ ዝነበረ ተደጋጋሚ ሕክምናዊ መገሻታት እውን ካልእ መካትዒ ጉዳይ እዩ።

ኣብዚ ግሉጽነት ብዘይምህላው "ገንዘብ ከፈልቲ ግብሪ ኣጥፊኡ፡ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ፋይናንስን ክህሉን እቲ ምምሕዳር ጌጋ እዩ ዝብሎም ካልኦት ምንቅስቓሳት ብልሽውናን ኣተባቢዑ እዩ” ክብል ሓላፊ ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ኣብ ናይጀርያ ኣውዋል ራፍሳንጃኒ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ራፍሳንጃኒ እቲ ምምሕዳር ኣብ ምቅላስ ብልሽውና ካብ 10 ኣርባዕተ ነጥቢ ከም ዝረኸበ ይገልጽ።

ቡሃሪ ቀጻሊ ክስታት ብልሽውና ዘለዎም ሰባት ናብ ካቢነ ሚኒስተራት ምሻሙን በዓልቲ ቤቱ ኣብ ክቡራት ኣባይቲ ዱባይ ንነዊሕ እዋን ምጽንሓን "ንብልሽውናን ዘይግቡእ ምሕደራን ዝቃለስ ዝነበረ ምምሕዳር ንዝነበሮ ብሉጻት ልምድታት ዝጻረር እዩ" ክብል ይገልጽ።

ቡሃሪ ካብ ስልጣን ኣብ ዝሰናበተሉ ዘሎ እዋን ኣብ ኣተሓሕዛ ቁጠባ ናይጀርያ ንዝነበሮ ኣፈጻጽማ በቲ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ንባጤራ ውሽጢ ዓዲ ዳግማይ ንምንዳፍ ብዝገበሮ ፍሹል ፈተነ ዝዝከር ምዃኑ ርዱእ እዩ።

ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ሕጽረት ሓደስቲ መተዓዳደጊ ገንዘብ ናይራ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብታ ሃገር ንመሰረታዊ ድሌታቶም ኣብ ጥረ ገንዘብ ዝምርኮሱ ሚልዮናት ሰባት ሰፍ ዘይብል ጸገም ኣስዒቡ እዩ።

“እቶም ንሰርሓሎም ዝነበርና ንኣሽቱ ንግዲታት በቲ ሰብኣይ ዓንዮም” ትብል ኣብ ኣቡጃ እትነብር ሓንቲ ምርቕቲ ዩኒቨርሰቲ። ንሳ ቅድሚ እቲ ቅልውላው ጥረ ገንዘብ ንዓማዊላ ኣብ ምብጽጻሕ ትሰርሕ ነይራ።

ንሙሁራት መናእሰይ ዝኸውን ሓደሽቲ ዕድላት ስራሕ ዘይምህላዮም’ውን ካልእ ጸገም ብዙሓት እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሓደ ካብ ሰለስተ ክሰርሑ ዝደልዩ ናይጀሪያውያን ስራሕ ክረክብ ኣይኽእልን። ቡሃሪ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ እዚ ኣሃዝ ትሕቲ ሓደ ካብ ዓሰርተ እዩ ነይሩ።

መንግስቲ ኣብ ፈለማ እዋን ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ፣ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምኡ’ውን ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዘካየደቶ ኲናት ናይዚ ምኽንያት’ዩ ክብል ነቒፉ ነይሩ።

ገለ ከም ገደብ ባጤራን ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ንምዕባይ ብዝብል ምዕጻው ዶባት መሬትን ዝበሉ ገለ ካብ ፖሊስታት እቲ ምምሕዳር ግን፡ ነቲ ሚልዮናት ክደኽዩ ኣብ ሓደ እዋን ማእከላይ እቶት ዝነበሮም ሰባት’ውን ገንዘቦም ኣብ ቅልውላው ክኣቱ ዝገበረ ልዑል ዝቕባበ ዋጋ ክርአ ኣበርክቶ ገይሮም’ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቡሃሪ ንኣባላት ባይቶ ካብ ባንኪ ዓለም ዝመጽእ ልቓሕ 800 ሚልዮን ዶላር ብቕልጡፍ ከጽድቝ ተማሕጺኑ ነይሩ።

ኣብዚ ዓመት ዕዳ ናይጀሪያ ልዕሊ 150 ቢሊዮን ዶላር በጺሑ እዩ፤ እዚ ንሱ ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ ልዕሊ 60 ቢሊዮን ዶላር ጥራይ እዩ ነይሩ።

ንሱን በዓልቲ ቤቱን ዝኣተውዎ መብጽዓታት ብዘይምፍጻሞም ይቕሬታ'ኳ እንተሓተቱ፡ ቡሃሪ ግን ዝከኣሎ ከም ዝፈተነ እዩ ዝገልጽ።

ካልኦት ሰብ መዚ እቲ ምምሕዳር እውን ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ጽቡቕ ከም ዝነበረ ይምጕቱ።

"[ናይጀርያውያን] ንሕና ክንመጽእ እንከለና ነገራት ከመይ ከም ዝነበሩን ክንወጽእ ከለና ከመይ ከም ዘለዉን ክርድእዎ ይደሊ” ክብል ዝሓለፈ ዓመት ብዛዕባ ውርሻታቱ ምስ ተሓተተ መልሲ ሂቡ ነይሩ።

እቲ ሓቂ ግን ናይጀርያውያን ቅድሚ ቡሃሪ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ዝያዳ ውሑስ ድሕነት፡ ዝሓሸ መነባብሮ፡ ውሑድ ዕዳ ነይሩዎም።