ኣብ ማእከል ክልተ ቅልውላዋት ተሸሚሞም መኸዲ ዝስኣኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ንሰራሕተኛታት መፍረ ነዳዲ ደቡብ ሱዳን ከገልግል ዝጸንሐ መዓርፎ ነፈርቲ ፓሎይች፡ መዕቈቢ ካብቲ ሽዱሽተ ሰሙን ኣቚጺሩ ዘሎ ኲናት ሱዳን ዝሃደሙ ኣሽሓት ሰባት ኰይኑ ኣሎ።

ዓይኒ ምድሪ፡ ማይ፡ መግቢን መብሰሊ ቦታን ኣብ ዘይብሉ ቦታ ዝተኣከቡ ሰባት፡ ብባልጃኦም ተኸሊሎም ወይ ግዝያዊ ጽላል ሰሪሖም ግድም ኢሎም ኣብ ቀጻሊ ዝህሉ በረራ ይጽበዩ።

ካብታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ዶብ ሱዳን ንኣርባዕተ ሰዓታት ተጓዒዞም መጺኦም ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተኣከቡ ሰባት ካብኡ ተላዒሎም ናብ ካልእ ቦታ ክኸዱ ተስፋ ዝገብሩ እዮም።

ይዅን’ምበር ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝብገሱ ሒደት በረራታት ስለ ዝዀኑ፡ ነፋሪት ረኺቦም ናብ ካልእ ቦታ ክጓዓዝሉ ዝኽእል ዕድል ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ።

ካብዞም ስደተኛታት ቅድም ኢሉ ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ግዱድ ዕስክርና ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ዝጸንሑ ኤርትራውያን ንኻልኣይ ግዜ ናብ ካልእ ሃገር ዝተሰደዱ ኤርትራውያን ይርከቡዎም።

እዚኦም፡ ናብ ዝዀነ ካልእ ቦታ ንምኻድ ሓያሎ ምክልባት ይወርዶም ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ኲናት ሱዳን ኣብታ ሃገር ልዕሊ 136 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ይነብሩ ነይሮም።

መቕጽዕቲ ሰበ ስልጣን ሃገሮም ብምስጋእ እቶም ስደተኛታት ሽሞም ክገልጹ ኣይደልዩን።

ኤርትራ፡ ካብ ምሉእ ብዘይጐደሎ ሓፈሻዊ ህይወት ህዝባ እትከታተል ልዑል ምቍጽጻር ዝበዝሓ ሃገር ኰይና፡ ብዙሓት ኣብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዘይምስታፍ ካብ ሃገሮም ይስደዱ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ፓሎይች፡ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ዝበጽሐ ተስፊት ግርማይ ግን ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ንከውግዕ ፍቓደኛ ኰይኑ።

ኣብ ጥቓኡ ዘለው ድኳናት እናርኣየ “እቲ ዘለናሉ ኵነታት ኣይኰነን’ዶ ንሰብ ንእንስሳት’ውን ትምነዮ ኣይኰነን” ይብል።

ንሱ፡ በይኑ ስለዝዀነ ካብ ካልኦት ገለ ስደተኛታት ዕድለኛ ምዃኑ ይዛረብ።

“ኣነ ኣብ ግዳም ምሕዳርን ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ መግቢ ምብላዕን ክጻወሮ ይኽእል’የ። እቲ ዓቢይ ጸገም ግን ናይቶም ህጻናት ዝሓዙ ሰባት እዩ። ኣርባዕተ-ሓሙሽተ ቈልዑ ሒዞም ዝመጽኡ ሰባት ኣለው” ኢሉ።

ኣብ ኤርትራ ብምኽንያት እቲ ዘንቈልቁል ዘሎ ቁጠባ፡ ስራሕ እንተረኸብኩ ብዝብል’ዩ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ናብ ሱዳን ተሰዲዱ።

ይዅን’ምበር ኣብ ሱዳን ዝተላዕለ ጐንጺ ብምስጋእ ናብ ጐረቤት ሃገር ደቡብ ሱዳን ዝተሰደዱ ኤርትራውያን ናብዝን ናብትን ክብልሉ ኣብ ዘይክእል ኵነታት ተሸሚሞም ይከላበቱ ኣለው።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 700 ኤርትውያን ናብታ ሃገር ኣትዮም እዮም።

ካብቲ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሃዲሞም ናብ ደቡብ ሱዳን ዝኣተው ዜጋታት ኬንያ፡ ዩጋንዳን ሶማልያን ብሓገዝ መንግስታት እተን ሃገራት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ክኢሎም’ዮም።

ብዙሓት ኤርትራውያን ግን ንመንግስቶም ስለ ዝፈርሑዎ ወይ’ውን ዝዀነ ተስፋ ስለ ዘይርኣዮም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይደልዩን።

ተስፊት ከም ዝብሎ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ጁባ ናብ ዝጓዓዙ በረራታት ከይሳፈሩ ተኸልኪሎም እዮም።

ከምኡ’ውን ኣብታ ሃገር ናብ ዘለው መዓስከራት ስደተኛታት ክኣትው ኣይደልዩን።

ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብኣንፈት ሰሜን ሰለስተ ሰዓታት ዝወስድን ናብ ዶብ ሱዳን ቀረባ ዝዀነን ቦታ ዝርከብ ግዝያዊ መዕቈቢ ስደተኛታት ኣዝዩ ዝተጨናነቐ እዩ።

ሬንክ ኣብ ዝበሃል ቦታ ዝርከብን ተዓጽዩ ዝጸንሐን ዩኒቨርሲቲ ኣፐር ናይል ተዓቒቦም ዘለዉ ስደተኛታት ቍጽሪ ስደተኛታት ሕጂ ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ በጺሑ ኣሎ።

ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ገረብ ከይተረፈ ስደተኛታት እዩ ኣዕቚቡ ዘሎ።

ኣብዚ ሽማ ክጥቀስ ዘይደለየት ሓንቲ ኤርትራዊት ኣብ ሓደ መምሃሪ ክፍል ሰለስተ ደቃ ሒዛ ኣላ።

በዓል ቤታ ድማ መግቢ ክኣላልሽ ናብ ከተማ ወጺኡ።

ንሳ፡ “ፈጣሩ ብዝደለዮ መገዲ ከምልኽ ስለ ዘይተፈቕደለይ ኣብ ሃገረይ ክነብር ኣይክኣልኩን” ብምባል ካብ ኤርትራ ዝወጽኣትሉ ምኽንያት ተብርህ።

እዛ ተኸታሊት እምነት ወንጌላዊ ክርስትና ዝዀነት ውልቀሰብ ኣብ ሃገራ ጸገማት የጋጥሙዋ ከም ዝነበሩ እያ ትዛረብ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታት ጥቡቕ ቍጽጽር ዝግበር ኰይኑ ብመንግስቲ ካብ ዝተፈቕዱ ሃይማኖታት ወጻእ ዝዀኑ ተኸተልቲ ይእሰሩ።

እታ ኣደ ሕጂ ናብ ደቡብ ሱዳን ጁባ ክትኣቱ ተስፋ ትገብር፤ እንተዀነ እዚ ዝክኣል ከም ዘይኰነ ተረዲኡዋ ኣሎ።

“ዋላ ሓደ ናብ ጁባ ክሓልፍ ኣይክእልን፤ እቲ መገዲ ንኤርትራውያን ጥራይ ዕጹው’ዩ። ቀጺሉ ከጋጥም ዝኽእል ኣይፈልጥን”።

ምክትል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ዴንግ ዳው ዴን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ቤት ጽሕፈቱ ዝተፈላለዩ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ንኤርትራ ሓዊሱ ንዅለን ኤምባሲታት ከም ዝሓተተ ገሊጹ።

እንተዀነ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘይደልዩን ምስ ኤምባሲኦም ርክብ ክፈጥሩ ዘይደልዩን ብምህላዎም ጉዳይ ኤርትራውያን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ከም ዝተገንዘቡ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ናብ ጁባ ዝኣተው ኤርትራውያን ብኣስገዳድ ናብ ዝመጽእሉ መዓርፎ ነፈርቲ ፓይሎች ክምለሱ ተገይሩ ንዝብል ክሲ ነጺጉ።

ፕረዝደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብወገኑ ኣብ ሱዳን ዘሎ ጐንጺ ሰጊኦም ናብ ሃገሮም ንዝምለሱ ከም ዝቕበል ተዛሪቡ እዩ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ንጉዳይ ሱዳን ኣመልኪቱ ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ኤርትራ ብዓቕማ ግን ምቕሉል ኣበርክቶ ክትገብር ድልውቲ ምዃና፡ ዝዀነ ካብ ሽግር ሱዳን ክእለ ዝደሊ ሰላማዊ ሱዳናዊ ህዝቢ ይዅን፡ ናይ ዝዀነ ይዅን ሃገር ተወላዲ ወጻእተኛ ንኤርትራ ክመጽእ እንተደልዩ፡ ኤርትራ ናይ ምድርን ባሕርን ዶባታን ክሊ ኣየራን ማዕጾኣ ክፉት ምዃኑ ሓቢሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ከም ስደተኛ ዘይኰነ ከም ዜጋ ይነብር ስለዝነበረ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣሕዋት ሱዳናውያን እንተመጺኦም ኣኣብ ገዝኡ አዕቊቡ ዝርካቡ ትሕዞኡ ከካፍሎም ቅሩብ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣስታት 60 ሽሕ ሰባት ናብ ደቡብ ሱዳን ኣትዮም ብምህላዎም እታ ሃገር ስደተኛታት ናይ ምትእንጋድ ዓቕማ ኣጨኒቘምዎ ኣለው።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ፓሎይች ገለ ደቡብ ሱዳናውያን እንከይተረፈ ናብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ክኸዱ ጻዕሪ ይገብሩ።

ካብዚኦም ሓንቲ ዝዀነት ሳንዲ ማኒጄል ምስ ሓሙሽተ ደቃ ትንገላታዕ ኣላ።

ነቲ ጕዕዞ ዝኸውን ትኬት'ኳ እንተሓዘት እቲ በረራ ናብ ካልእ እዋን ከም ዝተናውሐ ከም ዝንገራ ብምግላጽ ተስፋ ብዝቘረጸ ስምዒት “ኵሉ ብዕድል’ዩ ዝኸውን” ኢላ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ካብ ፓሎይች ብናይ ጽዕነት ነፈርቲ ናጻ በረራታት ይህብ ዘሎ ኰይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ኣጓዓዒዙ።

መደብ መንግስቲ ኵሎም ካብ ሬንክን ፓሎይችን ብምውጻእ መግብን መድሃኒትን ናብ ዝረኽብሉ ቦታ ምዝውዋር እዩ።

እንተዀነ እታ ሃገር እዚ እዩ ዝበሃል ጽርግያ የብላን፤ ናይ ውሽጢ ዓዲ በረራታት’ውን ኣዝዮም ውሑዳት እዮም።

እታ ሃገር ካብቲ ካብ 2013 ክሳብ 2018 ዝተኻየደ ኲናት ኣይተንስአትን።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ኲናትን ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዘለው ካልኦት ጸገማትን ድማ ደቡብ ሱዳን ሓያሎ ብድሆታት ይገጥማ ኣሎ።