እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ሱዳን፡ ኣዛተይቲ ዘለዎም መዋጥር እንታይ እዩ?
ሱዳን ብሓፈሻ ካርቱም ከኣ ብፍላይ ዞባ ኲናት ኣብ ዝተቐየረትሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣሜሪካን ስዑዲ ዓረብን፡ እቶም ክልተ ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ሓይልታት ኣብ ጅዳ ውዕል ምቍራጽ ተኵሲ ክኸትሙ ደጋጊመን ይጽውዓ ኣለዋ። ነዚ ጽሑፍ ዘዳለወ፡ ፈጻሚ ዳይረከተር ‘ዎርልድ ፒስ ፋውንደሽን’ ኣብ ፖለቲካ ሱዳን ዓሚቝ ኣፍልጦ ዘለዎ መምህር ሕጊን ዲፕሎማስን ኣብ ዩኒቨርስቲ ቱፍትስ ኣሌክስ ደዋል፡ 'እዚ ህጽጽ ስጕምቲ፡ ፍታሕ ሓጺር ግዜ ጥራይ እዩ፡' ይብል፤
ከም ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ዝኣመሰላ ንጉዳይ ሱዳን ክሽማግላ ዝጽዕራ ዘለዋ ሃገራት፡ እቲ ነዞም ተዋጋእቲ ወገናት ናብ ሓደ ስምምዕ ንምብጻሕ ዘቕርባኦ መሰማምዒ ሓሳባት ሱዳን ናበይ ገጻ ከተምርሕ ትኽእል ወሳኒ ስለዝዀነ ኣብ መዋጥር’የን ዘለዋ።
ኣብ ሱዳን ኲናት ደው ክብል እንተዀይኑ፡ ኣሜሪካን ስዑድያን ኣብቶም ብክልቲኦም ጀነራላት ተላኢኾም ኣብ ጅዳ ዝርከቡ ሰሰለስተ ተዛተይቲ’የን ክምርኮሳ።
ቀንዲ ኣጀንዳ ናይዚ ዘተ፡ ምቍራጽ ተኵስን ሰብኣዊ ረዲኤት ዝኣትወሉ መስመር ምኽፋትን’ዩ ክኸውን፤ ምኽንያቱ ክልቲኦም ጀነራላት ንፖለቲካዊ ዘተ ድልዋት የለዉን።
ሱዳን ብዑመር ኣልበሽር ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ምስ ተመርሐት፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ብህዝቢ ዝተወደበ ሰለማዊ ሰልፊ ምስ ተጀመረ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ተሓዊስዎ’ዩ እቲ ስርዓት ተኣልዩ።
እዞም ሕጂ ኣብ ረጽሚ ተጸሚዶም ዘለዉ ክልተ ጀነራላት፡ ኣብዚ እዋን ናብ ምሉእ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክበጽሑ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ።
ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ንሱ ነቲ ሕጋዊ መንግስቲ ዝውክል ሕጋዊ ፕረዚደንት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ላዕለዋይ ሓላፊ ሰራዊት ሱዳን ከምዝዀነን ነቲ ብሕሜቲ ዝፍለጥ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ከም ተቓዋሚ ገይሩ እዩ ዝሓስቦ።
እንተዀነ ክሳብ'ዚ ኲናት ዝውላዕ ሕሜቲ’ውን ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳንን ምክትል ፕረዚደንት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ስለዝነበረ፡ ንነብሱ ከም ተቓዋማይ ኣይሓስባን’ዩ።
ነታ ቀንዲ ማእከል ኲናት ኰይና ዘላ ካርቱም፡ ዝበዝሐ ክፋላ ኣብ ትሕቲ ሕሜቲ’ያ ዘላ። ልኡኻት ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ናብ ስምምዕ ክበጽሑ እንተኾይኖም፡ ሰራዊት ሕሜቲ ካብ ካርቱም ይውጻእ ዝብል ነጥቢ ከምቕድመ ኵነት ከምጽእዎ ይኽእሉ’ዮም።
እዚ ብልኡኻት ጀነራል ሕሜቲ ተቐባልነት ይረክብዶ? ዝብል ከኣ እቲ ዝዓበየ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ’ዩ።
ቀንዲ ኣብቲ ነቶም ኣሸማገልቲ ንምፍትሑ ግድል ክዀኖም ዝኽእል ነጥቢ’ውን እዚ’ዩ።
ክልቲኦም ተዛተይቲ ሕጂ ኣብ ስዑድያ ዝበጽሕዎ ስምምዕ፡ ሓይሊ ሚዛን ናበይ ገጹ ከምርሕ ይኽእል ቅርጺ ዝህብ ስለዝዀነ ብጥንቓቐ’ዮም ከካይድዎ፡ ኣብዚ ዘተ’ዚ ዝተዓበለለ ኣብ ፖለቲካዊ ዘተ’ውን ምዕብላሉ ስለዘይተርፎ።
እዞም ክልተ ጀነራላት ካብ 2019 ጀሚሮም፡ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ምስግጋር ሓንጊዶም ንሱዳን ክመርሕዋ ጸኒሖም’ዮም፡ እዚኣ ክልተኦም ጀነራላት ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ከምዘይደልዩ እተርኢ ነጥቢ’ያ።
እቲ ካልእ ክልተኦም ክሰማምዕሉ ዝኽእሉ ነጥቢ ኣብ ኲናት ገበን ንዝገበሩ ምሕረት ምግባር ዝብል ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ኣብ ታሪኽ ምልስ ኢልና እንድሕር ተወኪስና፡ ብጀነራላት ዝግበር ዘተ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብስምምዕ ምቍራጽ ተኵሲ’ዩ ዝዛዘም።
እንተዀነ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ኲናት ደው እንተዘይኢሉ ሱዳን ናብ ዝኸፍአ ዓዘቕቲ’ያ ክትሽመም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዝነበረን ኣብ 2021 ካብ ስልጣን ዝተኣለየን ዓብደላ ሓምዶክ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኲናት መዕለቢ እንተዝተገይርሉ፡ ካብቲ ኣብ የመንን ሶርያን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክብእስ ከምዝኽእል ስክፍታኡ ገለጹ ነይሩ።
ዓብደላ ሓምዶክ፡ ከምቲ ንየመንን ሶርያን ዝገለጸን ንዳርፉር’ውን ክገልጻ ይኽእል ነይሩ’ዩ።
ክልቲኦም ወገናት ሰራዊቶም ኣብ ምድልዳል’ዮም ዝርከቡ
ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ከመይ ኢሉ ከምዝጀመረ ዝወሃብ ግምታት ምናልባት እኹል ስእሊ ዘይክህብ ይኽእል’ዩ።
ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት ኣብ ዝነበራ መዓልታት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ጀነራላትን ታሕተዎን ሽማምትን ብሕርቃን ተላዒሎም ሓደ ኣብ ልዕሊ'ቲ ካልእ፡ ሓደ ነቲ ሓደ ናይ ምእላይ ስምዒታት ከርእዩ ጀሚሮም።
ኣብ ከምዚ ኵነታት መን ናይ መን ጸግዒ ሒዙ ኣሎ መንከ ዘይሻራዊ ኣሎ ንምፍላይ’ውን ዘሸግር ኣይነበረን።
እዚ ኣብ 1983 ኣብ ሱዳን ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝተወለዓሉ ተራእዩ’ዩ፤ ድሕሪ ዕስራ ዓመት ናይዚ ክስተት’ውን ኣብ ዳርፉር ተራእዩ።
ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 ካብ ሱዳን ንምንጻል ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ውግእ’ውን ብተመሳሳሊ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ 2013 ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝተወልዓሉ’ውን ተመሳሳሊ ነገር ተራእዩ ነይሩ።
ኣብ 15 ሚያዝያ 2023 ኣብ ሱዳን ኣብ መንጐ ብሕሜቲ ዝምርሑ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምርሑ ሰራዊትን፡ ኲናት ምስ ተወለዐ’ውን ብተመሳሳሊ ሓደ ነቲ ሓደ ንከዕንዎ ሓሊኖም’ዮም ነቲ ኲናት ጀሚሮምዎ።
ነፍሲ ወከፎም፡ ኣብ ካርቱም ከጋጥም ዝኽእል ዕንወት ዕሽሽ ብምባል ሓደ ነቲ ሓደ ኣብ ዘሕሞ ስትራተጂያዊ ቦታ ንምህራም ኵሉ ዝክኣሎም ነገር’ዮም ገይሮም።
ቅድሚ ሕጂ ካብ ዘተራእየ ክስተታት ምርኩስ ብምግባር፡ እቲ ኲናት ብቕልጡፍ ደው እንዘይኢሉ ካብ ዘለዎ እናኸፍአ’ዩ ክኸይድ።
ነፍሲ ወከፎም ካብ ደገፍቶም ሃገራት ሓገዝ እናተመጠወሎም ኣብ ቅድመ ግምባር ንዝርከብ ሰራዊቶም ኣብ ምድልዳል’ዮም ዝርከቡ፤ ኣብ ከምዚ ደረጃ’ዩ ተበጺሑ ዘሎ።
እዚ ወጥሪ ከምዚ ኢሉ እንተቀጺሉ፡ ነበርቲ ዝዀነ ዓዲን ከባቢታትን ነብሶም ንምክልኻል ብረት ክዓጥቁ ክጅምሩ’ዮም፤ ካብ ከምዚ ዓይነት ወጥሪ ዝረብሓ ሃገራት ከኣ ነቲ ወጥሪ ዝያዳ ንምትሕልላኹን ንምጥንናጉን ክሰርሓ’የን።
እዚ ነገራት ድሮ ክቀላቐል ጀሚሩ ኣሎ፤ ኣብታ መበቆል ሕሜቲ ዝዀነት ዳረፉር ዳግማይ ኲናት ጀሚሩ ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ ዓሌቶም ግዳይ ዝዀኑ ሰለማውያን ሰባት ምህላዎም ኣይሰማዕናን ኣለና።
እንተዀነ እዛ ዘረባ ሓንሳብ እንተተሰሚዓ እቲ ሓደ ሕነ ክፈዲ፡ እቲ ካልእ’ውን ዓጸፋ ክፈዲ፡ መዓልቦ ናብ ዘይርከቦ ቅልውላው ክዓርግ ይኽእል’ዩ።
ናብ ከምዚ ደረጃ እንተበጺሑ ከኣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኲናት ንኽልሕም ግዜ ኣይክወስደሉን’ዩ።
ብረት ዝዓጠቝ ጕጅለታት፡ ምንጪ እቶቶም ንምውሓስ ጽርግያ፡ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ናይ ዕደና ቦታታን ማእከላት መከፋፈሊ ረድኤትን ንምቍጽጻር ዝክኣሎም ክገብሩ’ዮም።
ኣብ ዳርፉር ኣብ 2003-2004 ኣሽሓት ዝሞቱሉ ኲናት ምስ ተኻየደ እቲ ዞባ ክሳብ ሕጂ ስርዓት ኣልቦ’ዩ ኰይኑ ዘሎ።
እዚ ሕጂ ዘሎ ‘ሲናርዩ’ ከኣ መላእ ሱዳን ንዳርፉር ክትመስል ትኽእልያ ዘብል ስግኣታት ዝፈጥሩ ስእልታት የቐላቕል ኣሎ።
‘ኣብቲ ሓገዝ ዝደለናሉ ዕሽሽ ተባሂልና’
ንክልቲኦም ወገናት ዘዛትዩ ዘለዉ ኣሜሪካውያንን ስዑዳውያንን ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዝርከቡ ሰብ መዚ’ዮም።
ዘይከም ካልኦት ሃገራት ኣዕራብ፡ ግብጺ፡ ንዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ክትድግፍ እንከላ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሕሜቲ’ያ ትድግፍ፡ ስዑድያ ግን ጸግዓ ኣየፍለጠትን ዘላ።
ኣሜሪካ ከም ቀዳማይ ስጕምቲ እገዳ ወሲና ኣላ፤ እንተዀነ ነዞም ጀነራላት ካብ ኲናት ደው ከብሎም ዝኽእል ኣይመስልን።
ሱዳን ካብ 1989 ጀሚሩ ብኣሜሪካ እገዳ ተነቢርዋ ነይሩ’ዩ፤ እዚ ግን ንዑመር ኣልበሽር ኣብ ስልጣን ካብ ምቕጻል ኣይዓገቶን።
ነዚ ኲናት ደው ንምባል ሓባራዊ ጸቕጢ’ዩ ዘድሊ፣ ነዚ ከኣ ቻይናን ሩስያን ዝርከብአን ሃገራት ከይተረፋ እቲ ኲናት ናብ ዝኸፍአን ኣዕናውን ኣንፈት የምርሕ ከምዘሎ ኣሚነን ጸቕጢ ክገብራ ከድሊ’ዩ።
ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን እዚ ኲናት ዝፈጥረለን ስግኣት ኣብ ባይቶ ጸጥታ ከስምዓ ኣለወን።
እቲ ናይ ሕጂ ኲናት ዝኸፍአ ዝገብሮ፡ እቲ ኲናት ኣብ ማእከል ካርቱም ይካየድ ምህላዉ’ዩ።
ነበርቲ እታ ከተማ ኤለትሪክን ማይን ስለዘየለ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ደረጃ’ዮም ወዲቘም ዘለዉ።
ካብ ባንክ ሰልዲ ከውጽኡ ስለዘይክኣሉ ከኣ ብሕጽረት ሰልዲ ይሳቐዩ ኣለዉ፤ እዚ ከኣ ናብ ጥምየት’ዩ ዘምርሕ።
ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ካብታ ከተማ ስለዝወጽኣ ከኣ ዝጽበይዎ ረድኤት የለን።
ብዙሓት ሱዳናውያን፡ ኣብታ ሓገዝ ተድልዮም እዋን ማሕበረሰብ ዓለም ሕቘኡ ከምዝሃቦም’ዮም ዘማርሩ።
እቲ ካልእ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ፡ ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ከይከውን’ዩ።
ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ኢድ እቶም ዕጡቓት ከይኣቱ፡ ትካላት ወሃብቲ ረድኤት፡ ረድኤተን፡ ብቐጥታ ናብ ተጸበይቲ ረድኤት ዘብጽሓሉ መስመር ከድልየን’ዩ።
ነዚ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ቀሊል ዝበሃል መፍትሒ የብሉን።
እቲ ኣብ ስዑድያ ዝካየድ ዘሎ ዘተ፡ ዝምጽኦ ፍረ ከኣ ሱዳን ንዝመጽእ ብዙሓት ዓመታት እንታይ ክትመስል’ያ ኣንፈት ዝህብ’ዩ ክኸውን።