ቅልውላው ሱዳን፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካብ ሱዳን ዝወጽኣሉ ሓደገኛ ጕዕዞ

ሪፖርተር ቢቢሲ ዓረብ መሓመድ ዑስማን መዋእሉ ኣብ ሱዳን’ዩ ክነብር ጸኒሑ።

ኣብ ሱዳን ኣብ መንጐ ብክልተ ጀነራላት ዝምርሑ ሓይልታት ኵናት ምስ ተባረዐ፡ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ኰይኑ ጸብጻብ ከቕርብ ኣብታ ሃገር ክጸንሕ ወሲኑ። እንተዀነ መዓልታዊ እቲ ኵነታት እናኸፍአ ስለዝመጽአ ካብታ መዳሕንቱ ዝተቐበረላ፡ ሓመዳ ቍሒሙ ዝዓበየላ፡ ዓቕመ ኣዳም በጺሑ ተመርዕዩ ዝሰደረላ፡ ሃገሩ ኣመና ኣሸጋሪ ዝዀነ መስገደል ዝበዝሖ ጕዕዞ ሓሊፉ ናብ ግብጺ ክሰግር ወሲኑ።

ኣብ ሰማያት ካርቱም ፈቘድኡ ጸሊም ትኪ መዓልታዊ’ዩ ዝርአ፡ እዚ ከኣ ስግኣት ኣብ ልዕሊ ስግኣት’ዩ ዝፈጥር።

ዋላ’ኳ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ እንተተበጽሐ፡ ኣብ ካርቱም፡ ኡምዱርማንን ባሕርን ግን ፈጺሙ ምልውዋጥ ተኵሲ ኣየቋረጸን፤ ክልቲኦም ወገናት መዓልታዊ ተደረብቲ ሓይልታት ናብቲ ቦታ ከእትዉ’ዮም ዝርኣዩ።

እቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ ከኣ እቲ ተኵሲ ከቢድ ብረት ናብቲ ኣነ ዝነብረሉ ከባቢ እናቐረበ ምምጽኡ’ዩ።

ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ዕጡቓት ውሃቢ ህጹጽ ገደፍ [ኣር ኤስ ኤፍ] ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት የጕባዕብዑን መካይን የሕድጉን ኣለዉ፡ ዝብል ወረ’ውን ናብ እዝኒ ኵሉ ክበጽሕ ጀሚሩ።

እዚ ዅሉ ተደማሚሩ’ዩ እቲ ሓሲበዮ ዘይፈልጥ ጕዕዞ ንኽጅምር ክውስን ደሪኹኒ።

ከም ጋዜጠኛ፡ ኣብ ባይታ ሱዳን እንታይ’ዩ ዘጋጥም ዘሎ፡ ኣብ ማእከል ኰይነ ጸብጻብ ከቕርብ ንዓለም ኣዝየ ጠቓሚ ምዃኑ ኣይሰሓትክዎን።

እንተዀነ ከም ድላይካ ክትንቀሳቐሰሉ ዘይትኽእል ኵነታት፡ ኢንተርነትን መስመር ተሌፎንን ኣብ ዝተደረተሉ እንታይ’ዩ ክስራሕ ዝክኣል!? ብዓቢኡ ከኣ ድሕነት ስድራይን ነብሰይን ንምሕላው ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ክጅምሮ ነይሩኒ።

ጕዕዞና 28 ሚያዝያ’ዩ ጀሚሩ። እቲ ዝነበረ ምልውዋጥ ተዅሲ ህድእ ኣብ ዝበለሉ፡ ካብ ገዛ ፍርቂ መዓልቲ ወጺእና ።

ምስቶም ካብ ኡምዱርማን ናብ ዶብ ግብጺ ገጾም ብኣውቶቡስ ዝግስግሱ ዝነበሩ ተጓዕዝቲ ጕዕዞና ጀሚርናዮ።

10 ደቒቕ ዝኸውን ምስ ተጓዕዝና ግን ነፋሪት ውግእ ኣብ ልዕለና ክትዝምቢ ጀሚራ፤ ኣብ ጥቓና ከቢድ ብረት ሒዞም ዝነበሩ ሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ከኣ ነታ ነፋሪት ወግእ ንምውቓዕ ኣድራጋ ጠያይት ክትኵሱ ጀሚሮም።

ሃንደበት እታ ዝነበርናያ ኣውቶቡስ ካበይ ከምዝመጻእናን ናበይ ንኽይድ ከምዘለናን ብዝሓቱ ዕጡቓት ተኸቢባ ደው በለት።

እቶም ዕጡቓት ብረቶም ናባና ኣብ ዘወጣወጥሉ ደቀይን በዓልቲ ቤተይን ኣብ ብርቱዕ ራዕዲ ኣትዮም።

እቶም ዕጡቓት ናብ ውሽጢ እታ ዝነበርናያ ኣውቶቡስ ኣትዮም ድሕሪ ምፍታሽ መንገድና ንኽንቅጽል ፈቐዱልና።

ነዊሕ ከይከድና ከኣ፡ ካልኦት ጕጅለ ዕጡቓት ብተመሳሳሊ መንገዲ ደው ኣቢሎም ፈቲሾምና፡ ብዙሕ ከየጽንሑ ግን መንገድና ክንቅጽል ፈቐዱልና።

ብማእከል ዓበይቲ ጐደናታት ኡምዱርማን ክንሓልፍ እንከለና፡ እታ ከተማ ጭው ጭው’ያ ትብል ነይራ። ብሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ ዝውነና መካይን ፈቐዶኡ ይርኣያ፤ መብዛሕትአን ከኣ ካብተን ኣብ ሰማይ ዝዝምብያ ዝነበራ ነፈርቲ ውግእ ንምክልኻል ኣብ ትሕቲ ዓበይቲ ኣግራብ’የን ነይረን።

ንምዕራብ ገጽና ጕዕዞ ኣብ ዝቐጸልናሉ፡ ህላወ ሰራዊት እናውሓደ ከይዱ። ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ዝተዋፈሩ ሰባት ከኣ ክንርኢ ጀሚርና።

ዋላ’ኳ ዝሕል ዝበለ እንተዀነ ኣብያተ ንግዲ ተኸፊቱ እቲ መብዛሕትኡ ብደቂ ኣንስትዮ ዝካየድ ድኳናትን ኣብያተ ሻህን ክሰርሕ ጸኒሑና፣ ህዝባዊ ኣግልግሎት ዝህባ ኣውቶቡሳት’ውን ክሰርሓ ጸኒሐናና።

እንተዀነ ብስም ፈታሽ ደው ዘብሉ ብረት ዝዓጠቝ ጕጅለታት ፈቐዶኡ’ዮም ዘለዉ።

ሓለዋ ጸጥታ ኣብ ዘይብለ ከባቢታት ብዕጡቓት በጋሚንዶ ዝፍጸም ስርቂ ክህሉ ትጽበዮ ነገር’ዩ፤ ብሓቒ ከኣ ኣሎ - እኳ ደኣ ብኣዝዩ ብዙሕ ቍጽሪ።

እንተዀነ ካብ ኡምዱርማን ክንብገስ እንከለና በየን እንተኸድና ካብ ስርቅን ዘረፋን ክንድሕን ከምእንኽእል ስለዝተነገረና ዕድልና ተሓዊስዎ ዝዀነ ስርቂ ኣየጋጠመናን።

ኣብ ዶብ ካርቱምን ዞባ ሰሜንን ኣብ ዝበጻሕናሉ፡ እቲ ብሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ዝግበር ዝነበረ ፈታሽ ኣይጸንሓናን።

ኣብቲ ቦታ ማእለያን ዘይብለን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህባ ናይ ግሊ መካይንን ኣብ ሰሜን ሱዳን ናብ ዝርከባ ከተማታት መረወ፡ ዶንጎላን ዋዲ ሓልፋን ዝነቐሉ ተጓዓዝቲ’ዮም ምልእ ኢሎም ጸኒሖምና።

ኣነን ስድራይን’ውን ጕዕዞና ናብ ዋዲ ሓልፋ’ዩ፣ ካብ ኡምዱርማን ናብዛ ከተማ ንኽንበጽሕ ከኣ 24 ሰዓታት ወሲዱልና።

ንዝያዳ ጥንቓቐ ካብ ልሙጽ ጽርግያ እናወጻእና ጕዕዞና ነካይዶ ስለዝነበርና፡ እቲ ጕዕዞ ኣዝዩ ኣድካሚ’ዩ ነይሩ።

ዋዲ ሓልፋ ንኽትበጽሕ ንቕድም ንዶንጎላ ኢኻ ትረኽባ።

ኣብ ከተማ ዶንጎላ ኣብ ዝበጻሕናሉ መስዩ ስለዝነበረ፡ ኮቦርታ ዘይብሉ ዓራት ተኻሪና ብቝሪ ክንቅፍቐፍ ሓዲርና። ከምዘይወግሕ የለን ወጊሑ።

ወዲ ሓልፋ ምስ በጻሕና እታ ከተማ ብኣሽሓት መደቀሲ ዝሰኣኑ ተጓዓዝቲ ኣዕለቕሊቓ ጸንሓትና።

ቈልዓ ሰበይቲ ፈቘዶኡ ኣብ ትሕቲ ጽላልን ኣብያተ ትምህርትን ኣብ መሬት ደቂሶም ይርኣዩ።

ሓንቲ ጓል 50 ዓመት ሰበይቲ ኣብታ ከተማ መደቀሲ ስኢና ብዘይ እኹል መግብን ማይን ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ትሕቲ ገረብ ከምዝደቀሰት ኣዕሊላትኒ።

ከተማ ዋዲ ሓልፋ ኣብ ገምግም ፈለግ ኒል ስለዘላ፡ ቀትሪ ብጸሓይ ትልብልብ፡ ለይቲ ብቝሪ ተድርቕ ከተማ’ያ።

እታ ጓል 50 ዓመት ሰበይቲ ወዳ ናብ ግብጺ ንኽወስዳ ቪዛ ትጽበ ከምዘላ’ያ የዕሊላትኒ።

ዋዲ ሓልፋ፡ ናብ ዶብ ግብጺ ክትበጽሕ እታ ናይ መወዳእታ እትረኽባ ከተማ ሱዳን’ያ።

ኣብቲ ዶብ ግብጺ ኣብ ዝኸድኩሉ ዜጋታት ሱዳን ኣይኰኑን ጸኒሖምኒ፡ ህንዳውያን፡ ጋናውያን፡ የመናውያን፡ ሶርያውያን፡ ሰኔጋላውያንን ሶማላውያንን’ውን ማእለያ የብሎምን።

መብዛሕትኦም ኣብ ‘ካርቱም ኢንተርናሽናል ዩኒቨርስቲ ኦፍ ኣፍሪካ’ ክምሃሩ ዝጸንሑ’ዮም።

ሓደ ኣብ መንጐኦም ዝነበረ ጋናዊ ተመሃራይ፡ ኣብ ካርቱም ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ደብደብ ከቢድ ብረት ስለዝሰክሐ፡ ብዝዀነ መንገዲ ንግብጺ ክሰግር ከምዝደሊ የዕሊሉኒ።

ኣብ ከምዚ ጽንኩር ህሞት ተስፋ ህይወት ዘስንቕ ክስተት ግን ኣይተሰኣነን። ልግስን ምቝሉልነትን ሰባት።

ነበርቲ ናይተን ናብ ግብጺ ክትከይድ እንከለኻ ዝርከባ ከተማታት፡ ንዝሓለፈ ሰብ ማዕጾኦም ከፊቶም ንዓ እቶ ብምባል ዘለዎም ቀሪቦም’ዮም ንተጓዓዝቲ ዘአንግዱ። ኵሉ ከኣ ብዘይ ዝዀነ ክፍሊት፡ ብነጻ!

ባድሪ ሓሰን ኣብ ዋዲ ሓልፋ ዓቢ ገዛ ዘለዎ ነባሪ እታ ከተማ’ዩ፤ ኣብ ገዛኡ ከኣ ዓሰርተታት ስደተኛታት ኣዕቊቡ ኣሎ።

ባድሪ “ግድን’ዩ ሓላፍነት ክስምዓና፡ እዞም ኣብዚ ዘለዉ ሰብ መዚ ዋላ እንተደለዩ ነዞም ካብ ኵናት ሃዲሞም ናብ ከተማና ዝመጽኡ ዘለዉ ስደተኛታት ዝገብርዎም ነገር የብሎምን። እቲ ዝጕዓዝ ዘሎ ሰብ ከኣ ኣብ ኢዱ ዘለዎ ነገር የብሉን፣ ንሕና ዘየዕቀልናዮን ዘየዐንገልናዮን ደኣ መን’ሞ ክገብሮ” ይብል።

ኣብቲ ዶብ ሱዳንን ግብጽን መዓት ሰብ’ዩ መሊኡ ዘሎ።

ዓሰርተታት ዓበይቲ ኣውቶቡሳትን ናይ ግሊ መካይንን ኣብቲ ጽርግያ ለም ኢለን ይርኣያ።

ኣብታ ዶብ ሓንቲ ዓይኒ ምድሪ ዘላቶም ሰራሕተኛታት ኢሚግረሽን’ዮም ዘለዉ፣ ነዚ ኵሉ ሰብ ኣገልግሎት ንኽህብዎ ዓቕሚ’ውን የብሎምን። እንተፈተኑ’ውን መዓልታት’ዩ ክወስደሎም።

ስርሖም ብትግሃት ብምዕማም ግን ነቶም ውዱእ ወረቓቐቲ ዘለዎም ኣጻርዮም ሰዓት ሓሙሽተ ምሸት ኣማኢት ስድራቤታት ብመርከብ ናብታ ኣብ ደቡብ ግብጺ እትርከብ ከተማ ኣቡ ሲምበል ኣፋንዮሞም።

ኣነን ስድራይን’ውን ሪጋና ንጽባሒቱ ናይ ምሸት ኣኺሉ መስርሓት ኢመግረሽን ኣማሊእና ናብ ግብጺ ሰጊርና።

ንዶብ ክልቲኤን ሃገራት ብፈለግ ኒል ብንእሽተይ መርከብ ክሰግሮ እንከለኹ፡ ውሽጠይ ሓዘንን ሓጐስን ይፈራረቘ ነይሩ።

ህይወት ደቀይን፡ በዓልቲ ቤተይን ናተይን ብምድሓነይ እፎይ ክብል እንከለኹ፡ ወለደይ፡ ኣዝማደይ፡ ኣዕሩኽተይን ደቂ ዓደይን ግን ኣብ ማእከል ኵናት’የ ገዲፈዮም መጺአ፤ ካብቲ ኵናት ክከላኸሎም ዝኽእል ከኣ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን።