እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፖሊስ ኣካላት ሰባት ዝመልአ 45 ሳናጡ ረኺቡ
ፖሊስ ሜክሲኮ ኣብ ምዕራብ ከተማ ጉዳላጃራ ኣብ 45 ሳናጡ ዝመልአ ኣካላት ሰባት ኣብ ሓደ ዓሚቝ ሽንጥሮ ከምዝረኸቡ ኣፍሊጦም።
ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደሃዮም ከም ዝጠፍአ ዝተገለጹ ሸውዓት መንእሰያት ሰራሕተኛታት ማእከል ጻውዒት ኣብ ዝደልዩሉ ዝነበሩ እዋን’ዮም ነቲ ሬሳታት ረኺቦምዎ።
እቲ ኣብ 45 ሳናጡ ዝተረኸበ ሬሳታት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኰይኑ እቲ ዝበዝሐ ናይ መን ምዃኑ ኣይተፈለጠን ኣሎ።
እቲ ኣብ ሓደ ቦታ ዝተረኸበ ኣካላት ናይ ሰባት ዝሓዘ 45 ሻንጣታት፤ ፖሊስ ተወሳኺ ተመሳሳሊ ነገር እንተሎ ንምድላይ ከምዘተባብዖ’ኳ እንተገለጸ፡ ቅርጺ መሬት ናይቲ ከባቢ ኣሸጋሪ ኰይኑ ከምዘሎ ኣብሪሁ።
ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ዞባ ምዕራብ ጃሊስኮ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንሸውዓት ሰባት ክደልዩ ክንድዚ ሬሳታት ክረኽቡ ትጽቢት ከምዘይነበሮም ብምሕባር፡ ኣብቲ እቲ ሬሳታት ዝተረኸበሉ ሚራዶር ድ ቦስክ ጽዑቕን ተወሳኽን ተፍትሽ ንምግባር ውጥን ሒዞም ከምዘለዉ ገሊጹ።
ኣብቲ መስርሕ ድልያ፡ ፖሊስን ወተሃደራትን ሰራሕተኛታት ኣጥፋእቲ ሓውን ብሄሊኮፕተራት ተሓጊዞም ብሓባር ይሰርሑ ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ፡ እታ መጀመርታ ኣካላት ዝሞቱ ሰባት ዝሓዘት ሳንጣ ብሰሉስ ከምዝተረኸበት ብምሕባር፡ ብሰንኪ ዘይምቹእ ቅርጺ መሬት እቲ መስርሕ ምድላይ ረቡዕ ተቋሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሰዓበ መዓልታት እቲ ዝተረፈ ሬሳታት ከምዝተረኸበ ሓቢሩ።
ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ሬሳታት ናይ መን ምዃኑ? መን ከምዝቐተሎምን ንምንታይ ከምዝተቐተሉን ክሳብ ዝፈልጡን ተወሳኺ ተመሳሳሊ ነገራት ከይህሉ ንምፍላጥን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለዉ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደሃዮም ከም ዝጠፍአ ዝተገለጹ ሸውዓት መንእሰያት ሰራሕተኛታት ማእከል ጻውዒት ሃለዋቶም ንምፍላጥ’ውን ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ፡ ሰብ መዚ እቲ ዞባ ሓቢሮም ኣለዉ።
ኣብ ሜክሲኮ መጭወይትን ምስዋርን ሰባት ዳርጋ ብተደጋጋሚ ዝርአ ገበን’ዩ።
ኣብታ ሃገር ልዕሊ 100 ሽሕ ሃለዋቶም ዝጠፍአ ምዝጉባት ሰባት ከምዘለዉ ሰነዳት መንግስቲ ይሕብር፤ መብዛሕትኦም ከኣ ግዳያት ውዱባት ገበነኛታት’ዮም።
እቶም ከምዚ ዓይነት ገበናት ዝፍጹም ሰባት ተታሒዞም ግብእ መቕጻዕቲ ክወሃቦ ከኣ ሳሕቲ ጥራይ’ዩ ዝርአ።
ኣብታ ሃገር ፕረዚደንት ፍሊፐ ጋልዶሮን ኣብ 2007 ‘ኲናት ኣንጻር ሓሺሽ’ ካብ ዝእውጅ ቍጽሪ ዝጭወዩን ዝስወሩን ሰባት ከምዝበዝሑ’ዩ ሰነዳት እታ ሃገር ዝሕብር።
ካብዞም ሃለዋቶም ጠፊኦም ተባሂሎም ኣብ መንግስቲ ተመዝጊቦም ዘለዉ፡ እቶም ሰለስተ ርብዒ ደቂ ተባዕትዮ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቶም ሓደ ሕምሲት ከኣ ዕድመ'ኦም ትሕቲ 18’ዩ።
ኣባላት ስድራኦም ዝተጨወይዎም ሜክሲካውያን፡ መንግስቲ ንጭዉያት ንምርካብ ከምቲ ዝግባኦ ይሰርሕ ከምዘየሎ’ዮም ዝኸሱ።
ዞባ ጃሊስኮ ቀንዲ ማእከል ዕግርግር ናይቶም ሓሽሽ ዝነግዱ ውዱባት ጕጅለታት’ያ፤ ጃሊስኮ ኒው ጀነረሽን ካርተልን ኒውዮ ፕላዛን ዝተበሃሉ ፍሉጣት ጕጅለታት ከኣ ኣብዛ ዞባ’ዩ ማእከሎም።