እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ብዝተላዕለ ባርዕ ልዕሊ 30 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ኣብ ዝርከብ ማእከል ስደተኛታት ሲዩዳድ ጁዋረዝ ቀታሊ ባርዕ ሓዊ ብኣሰርተታት ዝግመቱ ሰባት ከም ዝቐተለ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቲ ባርዕ ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን፡ ኣስታት 70 ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ብሃገራዊ ትካል ስደተኛታት ሜክሲኮ ዝመሓደር ማእከል ከም ዝነበሩ ይግመት።
ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ብውሑዱ ልዕሊ ሰላሳ ሰባት ብሰንኪ እቲ ባርዕ ሓዊ ከም ዝሞቱ ይገልጻ።
ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ መግለጺ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ማዕከን ዜና ኤፈ ግን ሪፖርተሩ ካብቲ መሳለጥያ ወጻኢ ሬሳታት ተሰሪዖም ከም ዝረኣየ ሓቢሩ።
እቲ መሳለጥያ ኣብ ጥቓ እቲ ንሜክሲኮን ኣሜሪካን ዘራኽብ ድልድል ስታንቶን-ለርዶ ይርከብ።
ጠንቂ ናይቲ ባርዕ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ወግዓዊ መግለጺ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ጋዜጣታት እቲ ከባቢ ግን ቅድሚ እቲ ባርዕ ኣብ ውሽጢ እቲ ማእከል ምዝንባዕ ከም ዝነበረ ጸብጺበን።
ሮይተርስ ዘውጽኦ ስእልታት፡ ብመሸፈኒ ዝተጠቕለሉ ብርክት ዝበሉ ሬሳታት ካብቲ ህንጻ ወጻኢ ተሰሪዖም የርእይ።
ብዙሓት ካብቶም ግዳያት ናብ ኣሜሪካ ክሰግሩ ዝፍትኑ ቬንዙዌላውያን ምዃኖም ይግመት።
ሲዩዳድ ጁዋረዝ ካብ ኤል ፓሶ ቴክሳስ ስግር ሩባ ሪዮ ግራንደ እትርከብ ከተማ ሜክሲኮ ኰይና፡ ዝሓለፈ ሰሙናት ዋሕዚ ሰባት ኣአንጊዳ እያ።
ብዙሓት ስደተኛታት፡ ዶባታ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ብቕልጡፍ ናይ ምስጓግ ስልጣን ዝህብ ፖሊሲ መንግስቲ ኣሜሪካ ከብቅዕ ትጽቢት ብምግባር ናብ ደቡባዊ ዶብ ኣሜሪካ ክኸዱ ጸኒሖም እዮም።
"ተላባዒ ሕማም ንምክልኻል" ንውልቀሰባት ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል ሕጊ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ምጅማር ለበዳ ኮቪድ ተግባራዊ ኰይኑ።
ምምሕዳር ባይደን፡ እቲ ኣብ ዘመነ ትራምፕ ዝነበረ ፖሊሲ ከብቅዕ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ዩ፤ ንሕጂ ግን ይቕጽል ኣሎ።