እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፓኪስታን ዝመበቈሉ ሓምዛ ዮሱፍ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮትላንድን ክኸውን ተመሪጹ
ጸሓፊ ጉዳያት ጥዕና ስኮትላንድ ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ሓምዛ ዩሱፍ፡ ካብ ክልተ መወዳድርቱ ጸብለል ዝበለ ድምጺ ኣባላት ባይቶ ሰልፊ ብምርካቡ፡ ንኒካላ ስተርጀን ተኪኡ መራሒ ሃገራዊ ሰልፊ ስኮትላንድ - ኤስኤንፒ - ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ‘ታ ሃገርን ክኸውን ተመሪጹ።
ንሱ፡ ብብዙሓትን ብኒኮላ ባዕላን'ውን ከይተረፈ፡ መራሒ እቲ ሰልፊን መንግስትን ክኸውን ከም ዝኽእል ክንገረሉ ዝጸንሐ መንእሰይ እዩ።
ምክትል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆን ስዊኒ፡ ሚስተር ዮሱፍ "ጕዕዞ ናጽነትና ክዛዝም እዩ" ክብል ኣተንቢሁ።
ካብቶም ሰለስተ ኣብ ውድድር ቀሪቦም ዝነበሩ ሕጹያት እቲ ብቝዕን ምኩር ምዃኑ ይእመን፤ ካብ 2012 ኣትሒዙ ኣብ ሓላፍነታት መንግስቲ ከም ጸሓፊ ጉዳያት ፍትሕን ሚኒስተር መጓዓዝያን ዝኣመሰሉ ጽፍሕታት ኣገልጊሉ እዩ።
እዚ ወዲ 37 ዓመት መንእሰይ ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮትላንድ ምዃኑ ምስ ተረጋገጸ፡ ንሓደ ብዙሕ ቅሩቍሳት ዘለዎ መንግስቲ ስኮትላንድ ዝመርሕ፣ ካብ ውሑዳን ዓሌት ከምኡ’ውን ንሓደ ካብ ዓበይቲ ሰልፊታት ብሪጣንያ ንፈለማ ግዜ ዝመርሐ ኣስላማይ ብምዃን ዓቢይ ታሪኽ ክሰርሕ እዩ።
እታ ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐት መራሒት እቲ ገዛኢ ሰልፊ 'ኤስኤንፒ' ኒኮላ ስተርጀን፡ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት እያ ካብ መዝነታ ክትወርድ ከም ዝወሰነት ገሊጻ።
ክሳብ ዝትክኣ ውልቀሰብ ዝምረጽ ድማ ስርሓ ከም እትቕጽል ኣፍሊጣ ነይራ።
ሓምዛ፡ ኣቦኡ መበቆሉ ካብ ፓኪስታን ኰይኑ፡ ኣብ 1960ታት ምስ ስድራኡ ናብ ስኮትላንድ ዝተሰደደ ክኸውን እንከሎ፡ ኣደኡ ድማ ኣብ ኬንያ ካብ ዝነበረት ሓንቲ ደቡብ ኤስያዊት ስድራቤት ዝተወልደት እያ።
ሓምዛ ብዙሕ ግዜ፡ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘጋጠሞ ዓሌታዊ ግህሰት ክዛረብ ተሰሚዑ እዩ።
ድሕሪ መረጻ፡ ደገፍቱ፡ ነቲ ሕሱም ተበታቲኑ ዘሎ መሪሕነት ንምጥርናፍን ምስ ሓምላይ ሰልፊ ስኮትላንድ ዝነበረ ስምምዕ ምክፍፋል ስልጣን ንምዕቃብን ዝበለጸ፡ “ንጹህ መራኸቢ” ምዃኑ ይዛረቡ።
ዮሱፍ ናይ ቀረባ መሓዛ ሚስ ስተርጀን ኰይኑ፡ ብሓፈሻ ዝተጀመረ ዕማማት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክቕጽል ዝኽእል "ሕጹይ ቀጻልነት" ተባሂሉ እዩ ዝርአ።
ካብቶም ሰለስተ ተወዳደርቲ፡ ነቲ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣካታዒ ዝዀነ ጽገናታት ኣፍልጦ ጾታ ሚስ ስተርጀን ዝተነበረ ገደብ፡ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ክብድሆ ዝኽእል ንሱ ጥራይ እዩ፡ ይበሃል።
ናጽነት ዝዕወት፡ እቲ ሰልፊ ኣብ "ገስጋሲ ክብርታት" ምስ ዝጸቅጥ ጥራይ እዩ ኢሉ ኸኣ ይምጕት።
ኣብ ስኮትላንድ ጽገናታት ኣፍልጦ ጾታ፣ ዛዕባ ጾታኦም ዝቐየሩ እሱራትን ስትራተጂ ናጽነትን ዝምልከት ክትዓት ክለዓል ጸኒሑ እዩ።
ስተርጀን ኣብቲ ሃንደበት ዝሃበቶ መግለጺ ምልቃቕ ስልጣን፡ ሓደ ፖለቲከኛ ጽቡቕ ገይሩ ንምግልጋል ግዜኡ ምስ ኣኸለ ንኻልእ ሰብ ቦታ ክሓድግ ከም ዘለዎ ገሊጻ።
"ርእሰይን ልበይን እቲ ግዜ ሕጂ ምዃኑ እዩ ዝፈልጥ፤ እዚ ንዓይ፡ ንሰልፈይን ንሃገረይን ቅኑዕ (ውሳነ) እዩ።”
ስተርጀን፡ ነዚ ዝወሰነትሉ ምኽንያት እቲ “ኣብ ቀረባ እዋናት ዘጋጠመ ጸቕጢ” ከም ዘይኰነ ገሊጻ።
ሓምዛ ዮሱፍ ኣቐዲሙ ንቢቢሲ ስኮትላንድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ “ነገራት ብናተይ መንገዲ ክገብሮ እየ" ክብል ኣጽኒዑ ገሊጹ።
ወሲኹ፡ "ከም ዝፍለጥ፡ ኒኮላ ስተርጀን ከም ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብዝሰርሓቶ ብሉጽ ስራሕ ብዙሕ ኣድናቘት ኣለኒ" ኢሉ።
"እንተዀነ ንሳ ውሱን ናይ መሪሕነት ኣቀራርባ እዩ ነይርዋ። ናተይ ውሽጣዊ ዓንኬል ዝወሓደ ኰይኑ ንደገ ኸኣ ዝሰፍሐ እዩ ክኸውን፡” ኢሉ።
ሚስተር ዮሱፍ፡ ነቲ ዝቕጽል መረጻ ከም ንረፈረንደም ምጥቃም ካብ ዝብል ሚስ ስተርጀን ዝወጠነቶ መደብ ነብሱ ኣግሊሉ እዩ ጸኒሑ። ንሱ፡ ኣብ ንናጽነት ዝድግፍ "ዘይልወጥ ኣብዝሓ ድምጺ" ክህሉ ክጽዕር ምዃኑን፡ ንናጽነት ዝድግፍ 'ብ50 ወይ 51 ሚእታዊት' ዝብል ኣገባብ ዘዋጽእ ከምዘይኰነ እዩ ዝገልጽ።
ሓምዛ፡ ኣብ ግላስኮ ኣብ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ሃቸሰንስ ግራማር እዩ ተማሂሩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ግላስኮ ፖለቲካ ድሕሪ ምጽናዕ፡ ንሓጺር እዋን ኣብ ‘ማእከል ጻውዒት’ ሰሪሑ፤ ኣብ ባይቶ ስኮትላንድ፡ ተሓጋጋዚ በሽር ኣሕመድ ካብ ሃገራዊ ሰልፊ ስኮትላንድ - ኤስኤንፒ - ድሒሩ ድማ ተሓጋጋዚ ኣሌክስ ሳልሞንድ ኰይኑ ሰሪሑ።
ንሱ፡ ኣብ 2011 ንዞባ ግላስኮ ወኪሉ ኣባል ባይቶ ኰይኑ ተመሪጹ፤ ሚስተር ሳልሞንድ ድማ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ሚኒስተር ኣውሮጳን ኣህጉራዊ ልምዓትን ኣዕብይዎ።
ኣብ 2016፡ ንግላስኮ ፖሎክ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ኣብ ባይቶ ስኮትላንድ መንበር ዝረኸበ ፈላሚ ካብ ውሑዳን ዓሌታት ዝተባህለሉ ታሪኽ ሰሪሑ፤ ካብኡ ድማ ሚኒስተር መጓዓዝያ ኰይኑ ተሸይሙ።
ሓምዛ፡ ካብ ግንቦት 2021 ድማ ጸሓፊ ጉዳያት ጥዕና ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታትን ትካላትን ዝሰርሐ ዓሚቝ ተመኵሮ ዝደለበ፡ ንቝጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው እታ ሃገር ከቃልል ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ መንእሰይ እዩ።