እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ስኮትላንድ ቀዳማይ ሚኒስተር ይእለሽ ኣሎ
ኒኮላ ስተርጀን ሃንደበት ካብ መዝነታ ከም እትወርድ ምስ ኣፍለጠት፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒሰተር [ፈረስት ሚኒስተር] እታ ግዝኣት ዝኸውን ሰብ ይእለሽ ኣሎ።
ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐት መራሒት እቲ ገዛኢ ውድብ 'ኤስኤንፒ' ኒኮላ ስተርጀን፡ ትማሊ እያ ካብ መዝነታ ንምውራድ ከም ዝወሰነት ገሊጻ።
ክሳብ ዝትክኣ ውልቀሰብ ዝምረጽ ድማ ኣገልግሎታ ከም እትቕጽል ሓቢራ።
ላዕለዋይ ኮሚቴ ሃገራዊ ሰልፊ ስኮትላንድ (ኤስኤንፒ) ሎሚ ኣጋምሸት ኣኼባ ከካይድን ውድድር መሪሕነት ዝካየደሉ ናይ ግዜ ሰሌዳ ክሕንጽጽን እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ርኡይ ተካኢ ብዘይምህላዉ ግን ድሕሪ ኣስታት 20 ዓመታት ፈላሚ ውድድር መሪሕነት እቲ ሰልፊ ኣብ መጻኢ ኣንፈትን ስትራቴጅን ሓያል ክትዕ ክካየድ ይኽእል እዩ።
መተካእታ ክዀኑ ተኽእሎ ዘለዎም ውልቀሰባት
- ጆን ስዊኒ፡ ምክትል ኣመሓዳሪ ሚኒስተር ኰይኑ ኣሌክስ ሳልሞንድ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምልቃቑ ኣብ 2000 መራሒ ኤስኤንፒ ኰይኑ
- ኬት ፎርብስ፡ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ኣዝዩ ቅልጡፍ ዕብየት ዘርኣየት’ያ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ትርከብ
- ኣንገስ ሮበርትሰን፡ ቅድሚ ሕጂ ንጉጅለ ዌስትሚንስተር ኤስኤንፒ ዝመርሐን ድሕሪ መረጻ 2015 ንመንግስቲ ትሬዛ ሜይ ዝነቅፍ ዝነበረን እዩ
- ሑምዛ ዩሱፍ፡ ኣብ ሓያሎ ላዕለዎት ጽፍሕታት መንግስቲ ዝነበረ ሚኒስትሪ ጥዕና ኰይኑ ኣካል ሓድሽ ወለዶ መራሕቲ ኤስኤንፒ’ዩ
- ኬት ብራውን፡ ሚኒስትሪ ጸሓፊ ፍትሒ እያ።
ኣመሓዳሪት ሚኒስተሪ ስተርጀን ኣብ ወግዓዊ መንበሪ ገዝኣ ኤዲንበርግ ብታህዋኽ ኣብ ዝተጸውዐ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ስልጣና ከም እትወርድ ክትገልጽ እንከላ፡ እቲ ውሳነ ንዝተወሰነ እዋን ክትመዝኖ ዝጸንሐት ምዃኑ ገሊጻ።
ሓደ ፖለቲከኛ ጽቡቕ ገይሩ ንምግልጋል ግዜኡ ምስ ኣኸለ ንኻልእ ሰብ ቦታ ክሓድግ ከም ዘለዎ ገሊጻ።
"ርእሰይን ልበይን እቲ ግዜ ሕጂ ምዃኑ እዩ ዝፈልጥ፤ እዚ ንዓይ፡ ንውድበይን ንሃገረይን ትኽክለኛ (ውሳነ) እዩ”።
ስተርጀን፡ ካብ መዝነታ እትወርደሉ ዘላ ምኽንያት እቲ “ኣብ ቀረባ እዋናት ዘጋጠመ ጸቕጢ” ከም ዘይኰነ ገሊጻ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ጽገናታት ኣፍልጦ ጾታ፣ ጾታኦም ዝቐየሩ እሱራትን ስትራተጂ ናጽነትን ዝምልከት ክትዓት ክለዓል ቀንዩ እዩ።
ኣብ ላዕለዋይ ስልጣን ምግልጋል ዝመጽእ ዓቢ ጸቕጥን መስዋእትን ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ "ኣነ ሰብ'የ ከምኡ'ውን ፖለቲከኛ'የ" ኢላ።
እንተወሓደ ክሳብ ዝቕጽል መረጻ ሆሊውድ ግን ኣብ ስልጣን ከም እትጸንሕ ሓቢራ።
ብተወሳኺ እቲ ላዕለዋይ ፈጻሚ ኮሚቴ እታ ገዛኢት ሚኒስትር ነቲ ዝቕጽል ሓፈሻዊ ምርጫ ከም ጭቡጥ ሪፈረንደም ክትጥቀመሉ እትኽእለሉ ዝተሓስበ ስትራቴጂ ንምዝታይ ዝተሓስበ ኣብ ወርሒ መጋቢት ክካየድ ዝግበኦ ፍሉይ ዋዕላ ንቕድሚት ክኸይድ ድዩ ኣይኸይድን ክውስን ክግደድ እዩ።
ካብ ውድድር መሪሕነት ንነብሱ ዘግለለ መራሒ ሰልፊ ኤስኤንፒ ዌስትሚንስተር ስቲቨን ፍሊን፡ ሓድሽ መራሒ ክሳብ ዝምረጽ እቲ ዋዕላ ደው ክብል ጸዊዑ ኣሎ።
ስተርጀን ኣብ ናይ ስንብት መደረኣ፡ ውድባ ከም ገዛኢ ሚኒስተር ክትክእ ዝኽእል "ተውህቦ ኣቃውማ" ከም ዘለዎ ገሊጻ።
ቅዋም ሰልፊ ኤስኤንፒ፡ ሓደ ሕጹይ መራሒ ሰልፊ ብውሑዱ ካብ 20 ዝተፈላለዩ ጨናፍር ኤስኤንፒ ናይ 100 ኣባላት ደገፍ ክህልዎ ከም ዘለዎ ይድንግግ።
ካብ ሓደ ንላዕሊ ሕጹያት እንተሃልዮም እቲ ሓድሽ መራሒ ብድምጺ ኣባላት ሰልፊ ይምረጽ።
ፕረዚደንት እቲ ሰልፊ ማይክል ራስል፡ እቲ መስርሕ "ክሓጽር" ትጽቢት ከም ዘለዎን፡ "ንሕንሕ ዘለዎ መረጻ" ክኸውን'ዩ ኢሉ።
"እዚ ንኤስኤንፒ ጽቡቕ ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ፤ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ብኣኽብሮታዊ መንገዲ ክነሓንሑ’ዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ክንውስንን ንቕድሚት ዝወስድ ንጹር ናይ ግዜ ሰሌዳ ክህልወናን እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ” ኢሉ።
ትማሊ ምሸት ልዕሊ 100 ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣብ ማእከላይ ግላስኮ ተኣኪቦም ንምልቃቕ ስልጣን ስተርጀን ኣኽቢሮም።
ኒኮላ ስተርጀን፡ ኣብ 2014 ድሕሪ ዝተኻየደ ድምጺ ህዝበ ውሳነ ናጽነት፡ ብዘይተቓውሞ ናብ ስልጣን ከም ዝመጽአት ይዝከር።
ኣሌክሳንደር ሳልሞንድ ስኮትላንድ ኣካል ዓባይ ብሪጣኒያ ኰይና ክትጸንሕ ምስ ተወሰነ ካብ ስልጣን ለቒቑ።
ኒኮላ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐትን ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ጋዛኢት ሚኒስትርን እያ።
ብ1999 ባይቶ ስኮቲሽ ካብ ዝቐውም ኣትሒዙ ኣባል ባይቶ ኰይና ሰሪሓ።
ኣብ ፖለቲካ ንጥፍቲ ተሳታፊት ኰይና ከም እትቕጽል ዝገለጸት ኒኮላ፡ ንናጽነት ስኮትላንድ ሓዊሱ ኣብ ትሕቲ ክንክን ወይ ናብዮት ዝዓብዩ ህጻናት ክመሓየሽን ከም እትሰርሕ ሓቢራ።
ቅድሚ ሕጂ መዕበይቲ ህጻናት ክትከውን ኣአንፊታ ነይራ።
ኣብ ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝበሉ ትካል ኣብ መድረኽ ዓለም ልዑል ተራ ክትጻወት ትኽእል እያ ዝብሉ ግምታት’ውን ክቐርቡ ጸኒሖም’ዮም።