ካማላ ሃሪስ፡ ንግዝይኡ ፕረዚደንታዊ ስልጣን ዝተረከበት ፈላመይቲ ኣመሪካዊት ጓል ኣነስተይቲ

ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካማላ ሃሪስ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ጆ ባይደን ልሙድ ጥዕናዊ ኩነታቱ ክምርመር ናብ ሕክምና ምስ ኣተወ ንግዝይኡ ምሉእ ፕረዚደንታዊ ስልጣን ተረኪባ::

ጓል 57 ዓመት ካማላ ሃሪስ፡ ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ዓርቢ ኣብ ሕክምና መደንዘዚ መርፍእ ተወጊኡ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ን85 ደቃይቕ ፕረዚደንታዊ ሓላፍነት ተረኪባ ከምዝነበረት ተፈሊጡ።

ሓኪም ጆ ባይደን ሕክምናዊ ስርሓቱ ምስ ዛዘመ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ባይደን ኣብ ምሉእ ጥዕና ከምዝርከበን ስራሕቱ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ከምዝኽእል ሓቢሩ። እቲ ፕረዚደንት ኩነታት ጥዕና ዘፈትሽ ዘሎ ኣብ ድሮ ምኽባር ልደት መበል 79 ዓመቱ’ዩ።

ካማላ ሃሪስ ንግዝይኡ ዝተረከበቶ ፕረዚደንታዊ ስልጣን ኣብ ምዕራባዊ ክንፊ ‘ዋይት ሃውስ’ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈታ ኮይና ከምዝወገነቶ ሰበ ስልጣን ተዛሪቦም።

ንሳ ፈላመይቲ ጓል ኣነስተይቲ፣ ፈላመይቲ ጸላም ናይ ኤስያ መቦቆል ዘለዋ ኣመሪካዊት ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይና ዝተመረጸት’ያ።

ኣፈኛ ዋይት ሃውስ ጀን ፕሳኪ ከምዚ ዓይነት ግዝያዊ ናይ ስልጣን ስግግር ኣብ ኣመሪካ ልሙድ ከምዝኾነን ኣብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ብንጹር ከምዝተጽሓፈን ገሊጻ።

“ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ብተመሳሳሊ ኣብ 2002ን 2007 ተመሳሳሊ መስርሕ ተግባራዊ ኮይኑ ነይሩ” ኢላ።

ፕረዚደንት ባይደን ናብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተመለሰሉ ግዜ ፍሽኽታ ዓሲልዎ ከምዝነበረ ዝተሓበረ ኮይኑ “ጽቡቕ እስምዓኒ’ሎ” ኢሉ።

“ወዲ 78 ዓመት ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ጽቡቕ ጥዕናዊ ኩነታት ይርከብ ፕረዚደንታዊ ሓላፍነቱ ብግቡእ ክመርሕ ይኽእል’ዩ” ክብል ሓኪም እቲ ፕረዚደንት ዝኾነ ከቪን ኦ ኮኖር ገሊጹ።

እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ፕረዚደንት ኣመሪካ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ጆ ባይደን፡ ምሉእ ጥዕናዊ ምርመራ ዝገበረሉ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ 2019 ወርሒ ታሕሳስ ከምዝነበረ ተፈሊጡ።