ድሕሪ ብረክዚት ን2021 ክግበር ዝግበኦ ምድላው

ሓሙስ ሰዓት 23፡00 ታሕሳስ 31 ኣብ መንጎ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን ወግዓዊ ፍትሕ ብረክዚት ክፍጸም እዩ። ዋላ'ኳ ዝርዝር ናይቲ ውዕል ገና እንተተዘይተዛዘመ ኣቐዲምካ እዚ ዝስዕብ ጉዳያት ክረአ ይከኣል እዩ።

ፓስፖርትኻ ክንደይ ዝኣክል ዕድመ ከምዘለዎ ክትርኢ፡ ናይ እትገሸሉ ዓድታት ኤውሮጳ ናይ ሸርፊ መጠን ክትፈልጥን ክትቅረብን፡ ናይ ጉዕዞ መድሕን/ ኢንሹራንስ ዕዳጋ ከተጽንዕ ከድልየካ እዩ።

1. ኩነታት ፓስፖርትኻ ምርግጋጽ

ብዙሓት ካባና ብሰንኪ ኮቪድ ክንገይሽ ስለዘይከኣልና ንፓስፖርትታትና ደሃዩ ኣይገበርናን ንኸውን።

ግዜ ፈቒዱዎ እዚ ዘሎ ዕጽዋን እገዳን ምስ ተላዕለ ግን እንተስ ንዕረፍቲ እንተስ ንምብጻሕ ፈተውትን መቕርብን ንኪንበጽሕ ብዛዕባ መገሻ ንሓስብ ንኸውን።

እንተኾነ ነገራት ይቀያየር ስለዘሎ ቅድሚ መገሻና ኣብ ዶባት እተን እንገሸን ሃገራት እንታይ ከጋጥመና ከምዝኽእልን ኣቐዲምና እንታይ ከነማልእ ከምዘለናን ክንፈልጥ ኣገዳሲ እዩ።

ድሕሪ ብረግዚት ብውሑዱ ፓስፓርትኻ ቅድሚ ምዳቑ ብውሑዱ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ዕድመ ክህልዎ ኣለዎ።

2. ብዛዕባ ናይ ጉዕዞ ኢንሹራንስ ምሕሳብ

ኣብ ፖርቶ ፎልዮኻ ስምካ እተጻሕፋን 12 ከዋኽብቲ ዘለዋን ብባንዴራ ሕቡራት ኤውሮጳ ዝተሰለመት ናይ ጥዕና መድሕን ካርድ ተድልየካ ትኸውን።

እታ ካርድ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኖርወይን ኣይሰላንድን ስዊዘርላንድን ኣብ እትጸንሓሉ እዋን ናይ ጥዕና ጸገም እንተጋጢሙካ ህጹጽ ኣገልግሎት ጥዕና ክትረኽበላ ትኽእል።

ካብ ጥሪ 2021 እቲ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዝጸንሐ ኩለንትናዊ ውዑል ፈጹሙ ስለዝቕየር፡ ብፍላይ እቶም ሕዱር ናይ ጥዕና ጸገማት ዘለዎም ብሪጣንያውያን ንመድሕን ጥዕና ብዝምልከት ኣቐዲሞም ክሓስብሉ ይግባእ።

3. ብዛዕባ ገንዘብ ዝምልከት

ዋጋ ገዛ ይኸብር'ዶ ይኸውን ይሓስር? ዋጋ'ቲ ውሩይ መግቢ ዓባይ ብሪጣንያ ፊሽ ኤንዲ ቺፕስ'ከ? መጠን ወለድ ልቓሕ ባንክ'ኸ ይውስኽ'ዶ ይኸውን ይጎድል ምሕሳብ ከድሊ እዩ።

ክሳብ ሕጂ ነገራት ከመይ ከምዝኸይድን ቁጠባ ዓባይ ብሪጣንያ ብኸመይ ክጽሎ ከምዝኽእል ገና ዝፍለጥ ነገር የሎን።

ግን ከኣ ኣቐዲምካ ብዛዕባ ዝህልወካ ኣታውን ወጻእን፡ ብዛዕባ ዑቑር ገንዘብካ፡ ብኸመይ ክትጥቀመሉን ክትነባበረሉን ከምእትኽእል ምሕሳብን ምስትብሃልን ግዜኡ እዩ።

4. ብዛዕባ እቲ 'ብኦንላይን' እትገዝኦ ኣቝሑ ምስትብሃል

ብሪጣንያውያን ዓማዊል ንዝኾነ ይኹን ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝገዝኡዎ እሞ ዘይማእምኦም ኣቕሑ ኣብ ክልተ ሳምንቲ ክመልሱዎ ዕድል ኣለዎም። ሕጂ፡ ምስዚ ሓዲሽ ውዕል ፍትሕ ብረክዚት፡ ግን ጉዳያት ከም ቀደሙ ስለዘይከውን ብኸመይ ከምዝሰርሕ ምስትውዓል ከድሊ እዩ።

ብሪጣንያ እቲ ቕድሚ ሕጂ ዝጸንሓ ኣብ ዕዳጋ ኦንላይን ንዝጸንሐ መረዳድኢ ሕግን ጥርዓንን ሕጂ ክትጥቀመሉ ኣይትኽእልን እያ። ኩሉ ነገር ይቕየር ስለዘሎ ነቲ ስዒቡ ዝተኣታቶ ሕግን ስርዓትን ዕዳጋ ዓቲብካ ክትርእዮን ክትፈልጦን ከድልየካ እዩ።

ስለዚ፡ ብመሰረት ምኽሪ ሲትዝን ኣድቫይስ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ግዳም ኬንካ፡ ብናይ ባንክ ናይ ልቓሕ ካርድ (ክረዲት ካርድ) ካብ £100 ክሳብ £30,000 ጥራሕ ኢኻ ክትገዝእ ትኽእል።

እዚ ከኣ ብውሕስነት ዓንቀጽ 75፡ እንተደኣ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣቑሑ ገዚእካ እሞ ዘይበጺሑካ እቲ ልቓሕ ዝሃበካ ባንክ ገንዘብካ ክመልሰልካ ይኽእል እዩ።

5. ብዛዕባ ሒዝካዮም እትገይሽ እንስሳ ዘቤት

ካብ ጥሪ 2021 ኣትሒዙ፡ ብዛዕባ እቶም ሒዝካዮም እትገይሽ እንስሳ ዘቤት ኣኽልብትን ደማሙን እውን ሕጊ ክቕየር እዩ።

ዝኾነ ቤተሰብካ ኮነ ቀረባኻ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ እንስሳ ዘቤቶም ክበጽሑኻ እንተመጺኦም ፈለማ ደማምኦም ኮነ ኣኽልብቶም ሕጋውን እዋናውን ናይ ጥዕና መድሕን ክህልዎም ኣለዎ።

ፓስፖረትታቶም እውን ነዚ ሓዲሽ ሕጊ ዘማልአ ክኸውን ይግባእ።

እቶም እንስሳ ዘቤት ናይ ጥዕና መድሕን ክረኽቡ እንተኾይኖም፡ ናይ ክታበት ሰርቲፊኬትን ውልቃዊ መለለይ (ዳታ ቺፕስ)ን ቅድሚ 10 መዓልታት መገሻኦም፡ ብኪኢላ ሓኪም እንስሳታት ዝተፈረመ መገሺ ወረቐት ክህልዎም ኣለዎ። ብዘይብኡ፡ መድሕን ጥዕና ክረኽቡ ኮነ ክገሹ ኣይፍቀደሎምን እዩ።

6.ብዛዕባ ኣብ መገሻኻ እትጥቀመሉ ቴሌፎን ኮነ ዳታ ምፍላጥ

ምስ ብረክዚት ብዙሕ ነገር ይቀያየር ስለዘሎ ክሳብ ነዚ ሓዲሽ ውዑልን ስምምዕን ኣጸቢቕካ እትላለዮን ትፈልጦን ኣብ እትገሸሉ ዓድታት ኤውሮጳዊ ሕብረት እትጥቀመሉ ኣገልግሎት ቴሌፎን ክንደይ ኣቢሉ ክሓተካ ምዃኑ ክትፈልጥ ጽቡቕ እዩ።

7.እንተደኣ ብሪጣንያዊ 'ኤክስፓት'ኮይንካ ብዛዕባ ኣገልግሎት ባንክኻ ኣቐዲምካ ፍለጥ

ኣሽሓት ብሪጣንያዊ ኤክስፓት ድሕሪ ብረክዚት ሕሳብ ባንኮም ክዕጾ ከምዝኽእል ስለዝተነግሩ፡ ካብኦም እንተኼንካ ኣቐዲምካ እቲ ዝኸውን ዘሎ ፍለጥ።

እዚ ማለት ከኣ ክሳብ ንኹሉ ዘሰማምዕ ውዕል ዝግበር ባንክታት ዓባይ ብሪጣንያ ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣገልግሎት ባንክ ክህባኻ ኣይክእላን እየን።

ቅድሚ ብረክዚት ወይ ፍትሕ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ባንክታት ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝኾና መዘናታተን ባንክታት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ናጻ ኣገልግሎትን ንግድን ይህባ ነይረን።

ሕጂ ግን ናይ ግድን ኩነታት ክቀያየር እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ንኹሉ ነገር ኣቐዲምካ ምፍላጥን ምጽናዕን ዘድሊ።