እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብረግዚትን ሳዕቤናቱን ኣብ ፖለቲካ ብሪጣንያ
ባይቶ ንምውጻእ ብሪጣኒያ ካብ ኤሮጳዊ ሕብረት ዘደናጉይ እማመ ድሕሪ ምጽዳቑ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓፈሻዊ ምርጫ ንኽካየድ ጠሊቡ እኳ እንተነበረ፡ ባይቶ ነቲ እማመ ውድቂ ገይርዎ።
ነቲ ዝድለ ዘሎ ምድንጓይ ንምትግባር፡ ነቲ ሰሌዳ ጊዜ ናይ`ቲ ሃውስ ኦፍ ኮሞንስ ተባሂሎ ዝፍለጥ ታሕተዋይ ባይቶ`ታ ሃገር ንምቁጽጻር ኣብ ባይቶ ኣብ ዝተገብረ ምድማጽ ምስ ተቓወምቲ ወጊኖም ንዘድመጹ 21 ኣባላት ባይቶ ናይ`ቲ ንሱ ዝመርሖ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ድማ ሰጒጉ።
ፖለቲካ ብሪጣኒያ ቁልቁል ኣፉ ተደፊኡ ይርከብ። መንግስቱ ኣብ`ቲ ኣብ ባይቶ ዝተገብረ ምድማጽ ምስ ተሰዓረ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ዘይእዋኑ ዝግበር ምርጫ ክካየድ ጠሊቡ`ሎ።
እዚ ውሳነ`ዚ ሓደ ሰሙን ድሕሪ`ቲ መንግስቲ ንባይቶ ንኣዋርሕ ክዓጽዎ`የ ምባሉ`ዩ ስዒቡ መጺኡ። ተቓወምቲ ግን እዚ ውጥን`ዚ "ዕልዋ መንግስቲ" እዩ ኢሎሞ።
ሕጂ ግን ባይቶ ተገምጢሉ መጥቃዕቲ ብምፍናው ብሪጣኒያ ብዘይ ገለ ንዓኣ ዘርብሕ ውዕል ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኸይትወጽእ ንምዕጋት ወይ "ኣይፋል ንምውጻእ ብሪጣኒያ ካብ ኤሮጳዊ ሕብረት ብዘይ ገለ ውዕል [ኖ ዲል ብረግዚት]" ዘኽእሎ ምድማጽ ንምክያድ ንሰሌዳ ጊዜ ናይ ታሕተዋይ ባይቶ ንምቁጽጻር ኣድሚጹ፡ ተዓዊቱ ድማ።
ከም መልሰ-ግብሪ ድማ ኣቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ን21 ኣባላት ባይቶ ናይ`ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዓቃባዊ ሰልፊ [ኮንሰርቫቲቭ ፓርቲ] ምስ ተቓወምቲ ወጊኖም ብምድማጾም ሰጒጉ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ዘይእዋኑ ዝካየድ ምርጫ ክካየድ ጠሊቡ ነይሩ፡ እንተኾነ ኣብ`ዚ `ውን ኣይተዓወተን፡ ብድምጺ ተሳዒሩ። እሞኸ`ደኣ ቀጺሉ እንታይ`ዩ ክኸውን?
መንግስቲ ኣብ`ምንታይ`ዩ ተሳዒሩ?
እቲ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ብረግዚት 328 ብ301 ዝኾነ ድምጺ ተሳዒሩ። እዚ ዓወት`ዚ ድማ ኣባላት ባይቶ ንሰሌዳ ጊዜ ናይ ታሕተዋይ ባይቶ ተቖጻጺሮም፡ 'ንምውጻእ ብሪጣኒያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ብዘይ ውዕል' ንምዕጋት ከኽእሎም`ዩ።
ብሪጣኒያ ኣብ 31 ጥቅምቲ 2019 ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክትወጽእ መደብ ኣሎ። እንተኾነ ግን ምስ ወጸት ንዝምድናኣ ምስ`ቲ ሕብረት ኣብ ጉዳይ ንግዲ፣ ምቁጽጻር ዶባትን ፍልሰትን ዝተበጽሐ ውዕል የለን። ሓዲሽ ውዕል ንምኽታም ዘኽእል ጊዜ ብዘይምህላዉ ድማ ሓያሎ ሰባት ይሻቐሉ።
እዚ ስዕረት ናይ መንግስቲ ኣብ ባይቶ፡ ባይቶ ንምውጻእ ብሪጣኒያ ክዓግት ስለዘኽእሎ፡ ሓያሎ ንቑጠባ ብሪጣኒያን ቀረብ መግቢን መድሃኒትን ክዘርጎ`ዩ ኢሎም ብዙሓት ኣባላት ባይቶ ይሰግኡ።
ኣብ`ዞም ዝመጹ ሒደት ሰሙናት፡ ብሪጣኒያ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ውዕል እንተዘይከቲማ እቲ ውጥን ናይ 31 ጥቅምቲ 2019 ን31 ጥሪ 2020 ክድፋእ`ዩ።
መልሰ-ግብሪ ናይ`ቲ ቀዳምይ ሚኒስተር`ከ እንታይ ነይሩ?
ደድሕሪ`ቲ ስዕረት ኣብ ባይቶ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ሓፈሻዊ ምርጫ ክካየድ ጠሊቡ።
"እቶም ወቐስቲ ንሳዕቤናት ምውጻእ ብሪጣኒያ ብዘይ ውዕል የጋንንዎ ኣለዉ" ድሕሪ ምባል ድማ፡ ገና ሓድሽ ምድላዋት ንምግባር ጊዜ ኣሎ ኢሉ።
እቲ እማመ ናይ ባይቶ፡ ብዛዕባ ብረግዚት ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዝግበር ዘተ፡ እቲ ሕብረት ነቲ ዘተ "ንኽቆጻጸር ኣሕሊፉ ዘውህብ`ዩ" "ዝያዳ ምዕጥይጣይ፣ ዝያዳ ምድንጓያትን ዝያዳ ሕልኽላኻትን" ክፈጥር`ዩ ድማ ኢሉ።
ወዲ ወዱ/ጓሉ ነቲ ቦሪስ ጆንሰን ከም ጣኦት ዘምልኾ፡ ውሩይ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣኒያ ነበር ዊንስተን ቸርችል ዝኾነ፡ ንሰር ኖኮላስ ሶምስ ሓዊስካ፡ እቶም ዝተሰጎጉ ኣባላት ባይቶ ገለ ካብ`ቶም ኣዝዮም ላዕለዋይ ደረጃ ማዕርግ ዘለዎም`ዮም።
እሞ`ኸ ሓፈሻዊ ምርጫ ክካየድ ድዩ?
ኣብ ብሪጣኒያ፡ ቀዳሞት ሚኒስተራት ኣብ ዝደለይዎ እዋን ምርጫ ክጠልቡ ዘውህቦም ስልጣን ተሪፉ`ዩ። ሕጂ እቲ እማመ ኣብ ባይቶ ብምዕዋቱ፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ናይ ምድማጽ መደብ ክሰርዕ ትጽቢት ይግበረሉ፡ እዚ ድማ ጽባሕ ዓርቢ ክግበር`ዩ። በዚ መንገዲ`ዚ ድማ እታ ሃገር ናብ ሓፈሻዊ ምርጫ ተምርሕ ማለት`ዩ።
ብመሰረት ሕጊ`ታ ሃገር፡ ነዚ ንምግባር ክልተ-ሲሶ ድምጺ ናይ ኣባላት ታሕተዋይ ባይቶ ከድሊ`ዩ።
ዓቃባዊ ሰልፊ ናይ`ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ነቲ ዝድለ ድምጺ ንምርካብ፡ ሓገዝ ናይ ኣባላት ባይቶ ተቓውሞ ሰልፊ ዕዮ [ሌበር ፓርቲ]፡ እንተዘይረኺቡ ካብ ኣባላቱ ጥራይ ክረኽቦ ዘይሕሰብ`ዩ።
እቲ መንግስቲ ግን ንባይቶ ንምዕጻው ኣይወሰነን ድዩ?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኣብ መስከረምን ጥቅምትን ንባይቶ ንሓሙሽተ ሰሙናት ዝኣክል ክዓጽዎ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ። ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ተቓውሞ ነዚ ውሳነ`ዚ "ዕልዋ መንግስቲ" ክብልዎ እንከለዉ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን ሓደስቲ ሕግታት ባይቶ ከተኣታቱ ጥራይ ከምዝደሊ ገሊጹ።
ወሃብቲ ርእይቶ ግን እቲ መንግስቲ ንናይ ባይቶ ጊዜ ብምግዳብ ንትግባረ ብረግዚት ብዘይ ውዕል ንምትግባር ከምዝዓለመ ይወቕሱ። ውጥን መንግስቲ ንሱ እንተነይሩ ግን ፈሺሉ`ዩ።
ሞዕጻው ባይቶ ምስ ብረግዚት ዘተሓሕዝ ነገር የብሉን፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ መደረ ንኸተስምዕ ግን ከኽእላ`ዩ ኢሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር። እዚ ድማ እታ ንግስቲ እቲ መንግስቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ከተግብሮም ዘለዎ ሓደስቲ እማመታት እትእምመሉ እዋን ማለት`ዩ።
እዚ ግን ንብረግዚት እንታይ ማለት`ዩ?
ዕድላት ናይ ብረግዚት ብዘይ ውዕል ኣምሊጦም`ዮም፡ ዕድላት ምክያድ ሓፈሻዊ ምርጫ ግን ክብ ኢሎም ኣለዉ። እዚ ብኸመይ ይቕጽል ግን ካልእ ሕቶ`ዩ።
ገለ ምስ`ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጥብቕ ዝበለ ርክብ ዘለዎም ሰባት ካብ ቅልውላው ዕድላት ይፍጠር`ዩ ይብሉ።
"እዚ ፖለቲካውያን ቀጥዕታት ክሳብ ክንደይ ተገላቢጦም ከምዘለዉ ዘርእይ መዓቀኒ`ዩ ይብሉ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ስልጣን ምስ መጸ ኣብ ዝተገብረ ቀዳምይ ምድማጽ ምስዓሩ፡ ገለ መሻርኽቱ ከም ረብሓ ይርእይዎ" ትብል ኣሰናዳዊት ፖለቲካዊ ጽሑፋት ቢቢሲ ሎውራ ክወንስበርግ።
እዚ ሓደሽ ቅልውላው ሓፈሻውዊ ምርጫ እንተደኣ ኣስዒቡ፡ ቦሪስ ጆንሰንን እቲ ዓቃባዊ ሰልፍን ክዕወቱ ይኽእሉ`ዮም። ውዕል ዘይብሉ ብረግዚት ድማ ኣብ ኢዱ ክጭብጣ`ዩ። ሰልፊ ዕዮ ናይ ጀረሚ ኮቢን ነቲ ዘሎ እዋናዊ ርእይቶታት ናይ ምርጫ በዲሁ ኣብ ምርጫ እንተደኣ ተዓዊቱ ግን፡ ብሪጣኒያ ናብ ኣዝዩ ፍሉይ ዝኾነ ኣንፈት ከተምርሕ`ያ።
ዝኾነት ሰልፊ ወይ ልፍንቲ ዝበዝሐ ድምጺ ዘይትረኽበሉ ኣዝዩ ክጋጥም ዝኽእልን ንብሪጣኒያ ናብ ዝኸፍአ መዓሙቕ ዝሸምምን ንፖለቲካ`ታ ሃገር ንሓዋሩ ዝኸፋፍል ተርእዮ`ውን ኣሎ።